ብፁዕ ኣቡነ ጋንስዋይን ብፁዕ ኣቡነ ጋንስዋይን 

መብርሂ ካብ ብፁዕ ኣቡነ ጋንስዋይን፥ ዛዕባ ማዕርገ ክህነትን ንጽሕናን ዘርእስታ መጽሓፍ

እቲ ንሶም ዝሃብዎ ትንታነ ኣብታ መጽሓፍ ክሕተም ኰነ ናይታ መጽሓፍ እውን ከም ካልኣይ ደራሲ ኰይኑ ስሞም ክኽተም ዝብል ጉዳይ ዝፈልጥዎ ሓደ’ኳ ከምዘይነበሮምን ...

ህየንተ ቤተ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ኣቡነ ገዮርገ ጋንስዋይን ብዛዕባ እቲ ኣብ ፈረንሳ ዕለት 15 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ብወግዒ ተሓቲሙ ንንባብ ዝበቅዕ ማዕርገ ክህነትን ግትኣት ሩካቤ ስጋን (ምናነን) ዘርእስቱ ብካርዲናል ሳራሓን በነዲክቶስ መበል 16 ዝተደርሰ ዝበሃልን ብክሊኣቶም ዝተፈረመ ተባሂሉ ዝንገረሉ መጽሓፍ ኣመልኪቶም ካብ በነዲክቶስ መበል 16 ዝተወሃቦም ፍሊዩ ሓበሬታ ወግዓዊ ገይሮም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ፍሉይ ዋና ጸሓፊ ኰይኖም ዘገልገሉ ናይ ቤተ ር.ሊ.ጳ. ህየንተ ብፁዕ ኣቡነ ጋንስዋይን፡ ክናን ኣንሳን ንእተሰምዩ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሎሚ ዕለት 14 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ባዕሎም በነዲክቶስ መበል 16 ጸዊዕም እቲ መጽሓፍ ቅድም ቀዳድም ናቶም ክታም ዝተብሮ ኰይኑ ክትሕተም ዘይግብኦ እዩ ከምዝበልዎምን፡ ካርዲናል ሮበርት ሳራሕ ብዛዕባ ማዕርገ ክህነትን ንጽሕና እትዛረብ መጽሓፍ ክሓትሙ ድላይ ከምዘለዎም ከምዝሓበርዎምን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ሓጺር ጽሑፍ ዶ መቕረብኩም ቢሎም ከምዝሓተትዎምን ንሶም እውን ነዊሕ ዘይኰነ ሓጺር ጽሑፍ ከምዝለገሱሎም ኣረጋጊጾም፡ ካብዚ ወጻኢ እቲ ንሶም ዝሃብዎ ትንታነ ኣብታ መጽሓፍ ክሕተም ኰነ ናይታ መጽሓፍ እውን ከም ካልኣይ ደራሲ ኰይኑ ስሞም ክኽተም ዝብል ጉዳይ ዝፈልጥዎ ሓደ’ኳ ከምዘይነበሮምን ካብ ኣፍ በነዲክቶስ ከምእተሓበሮም ገሊጾም።

ንካርዲናል ሳራሕ እውን ስመይ ኣብታ መጽሓፍ ከይኽተም ነቲ ነታ መጽሓፍ ዝሓትም ቤት ማሕተም ብቕልጡፍ ክሕብሩን፡ ስሞም ኣብታ መጽሓፍ ከም ካልኣይ ደራሲ ከይጥቀስን እንክብሉ ከምዘፍለጥዎም፡ በነዲክቶስ መበል 16 ይብሉ ካርዲናል ሳርሕ ብዛዕባ ማዕርገ ክህነትን ንጽሕና ኣብ ዝብል ኣርእስቲ መጽሓፍ ከሕትሙ ይሰናደዉ ከምዘለዉ ሓቢሮምኒ ነይሮም ኰይኑ ግና እቲ ብዛዕባ እዚ ርእሰ ጉዳይ ዝምልከት ዝሓተቱኒ ሓጺር ጽሑፍ ኣብታ ዝደርዋ መጽሓፍ ዝሳዃዕ ምዃኑ ከምዘይተሓበርዎም ዘረጋገጹ ጋንስዋይን፡ ካርዲናል ሳራሕ ስመይ ንኽጥቀሙ ደይ መደይ ቢሎም ዝዘፈጸምዎ  ከምዘይኰነ እምነተይ እዩ ከምዝበልዎም እውን ኣብቲ ዝሃብዎ መገልጺ ኣፍሊጦም።

መብርሂ ካብ ብፁዕ ኣቡነ ጋንስዋይን፥ ዛዕባ ማዕርገ ክህነትን ንጽሕናን ዘርእስታ መጽሓፍ
14 January 2020, 17:34