ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ዝዊዘርላንድ፥ ናይ ርሑስ በዓለ ልደት መግለጺ

ናይ ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ዝዊዘርላድ ማሕበራውነትቶም ሓድነቶምን ዘመላኽት፡ ምስ ኣባይቲ ስድራኦምን ናይቲ ሓይሊ ምክልኻል ቤት መኣድ ዝኣልያ ኣባላት ማሕበር ደናግል ኣልበርቲኒን

ብዛዕባ ናይቲ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ጸጥታን ደሕንንት ዘገልግል ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ዝዊዘርላንድ ታሪኹን ዕለታዊ ኣገልግሎቱን ታዕሊማቱን ኩሉ ብዝርዝር ዘዘንትው ብተኸታታሊ ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ዝዊዘርላንድ ይዝንተው ብዝብል ኣርእስቲ ዝመሓለፍ ዝነበረ ሓጺር ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ዕለት 25 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ብዘመሓላለፎ ርሑስ ናይ በዓለ ልደት መግለጺ ከምእተዛዘመ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኤውጀኒዮ ቦናናታ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮ ደሕንነት ውሑስ ምግባር ዝብል ተልእዀ ዘለዎ ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ዝዊዘላንድ ኣብቲ ናይዚ ኣብ ዓለም ኣዚዩ ውሑድ ዝዀነ ናይታ ኣብ ዓለም ብስፍሓት ንእሽቶ ዝዀነ ሃገረ ቫቲካን ጸጥታን ሰላምን ውሑስ ዝገብር ሓይሊ ምክልኻል፡ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ መዓስከሩ ምልክታ በዓለ ልደት ጽሕዲ፥ ሰብኣዊ ጽሕዲ በዓለ ልደት ብዝብል መደብ ዘመሓላለፎ ብምስማዐ ርእየት ዝተሰነየ ናይ ርሑስ በዓለ ልደት መግለጺ፡ ናይ ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ዝዊዘርላድ ማሕበራውነትቶም ሓድነቶምን ዘመላኽት፡ ምስ ኣባይቲ ስድራኦምን ናይቲ ሓይሊ ምክልኻል ቤት መኣድ ዝኣልያ ኣባላት ማሕበር ደናግል ኣልበርቲኒን ብጠቅላላ እቲ ጳጳሳዊ ሓይሊ ጸጥታ ስዊዘላንድ ዘጠቓልሎም መዋቕራት ዝውክሉ ዘሳተፈ ቦናናታ ምዃኑ ኣፍሊጦም።

ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ዝዊዘርላንድ፥ ናይ ርሑስ በዓለ ልደት መግለጺ
26 December 2019, 16:47