ቫቲካን፥ ቀዳማይ ዓውደ ኣኼባ ደያኑ ኣፍሪቃውያን ደቀንስትዮ፥ ዛዕባ ሓድሽ ጊልያነትን ንግድ ሰብን ቫቲካን፥ ቀዳማይ ዓውደ ኣኼባ ደያኑ ኣፍሪቃውያን ደቀንስትዮ፥ ዛዕባ ሓድሽ ጊልያነትን ንግድ ሰብን 

ቫቲካን፥ ቀዳማይ ዓውደ ኣኼባ ደያኑ ኣፍሪቃውያን ደቀንስትዮ፥ ዛዕባ ሓድሽ ጊልያነትን ንግድ ሰብን

ናይ ክልተ መዓልቲ ዓውደ ኣኼባ ኣፍሪቃዊ መልክዕ ዘለዎ ነቲ ጸገም በዳሂ ሓሳብ ከቕርባን እዚ ክስተት እዚ ንምቅላስ ብኣፍሪቃ ደረጃ ክፍጸም ኣለዎ ቢለን ዝሓስበኦ በዳሂ መስርሕ ከመላኽታ

ካብ ዕለት 12 ክሳብ ዕለት 13 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ጳጳሳዊ ስነ ምርምር ተቕዋም ሕንጻ ፒዮስ ራብዓይ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተዋጽኣ ደያኑን ጠበቓታትን ዘሳትፍ ብዛዕባ ሓደስቲ ጊልያነትን ንግድ ሰብን ዝመክር ቀዳማይ ዓውደ ኣኼባ ክካየድ ምዃኑ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቲ ኣብ ዓለም ዝሰፍሕ ዘሎ ዘስካሕክሕ ሓድሽ ጊልያነትን ንግድ ሰብን ብጽንዓት ንምቅላስ ክፍለ ዓለም ኣፍሪቃ ትነቓቕሕን ናይዚ ፍጥረት ሰብ ንዘስካሕክሕ ሓደጋ ዝዳርግን ክብርን መሰልን ፍጥረት ሰብ ዘሕስር ተግባር ንምጥፋእ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ኣፍሪቃ ብወጅሂ ደቀንስትዮ ተተባቢዓን ደያኑን ጠበቓን ደቃ ሰብኣዊ ክብርን ኣካላዊ ክብርን ንዝግህስ ንግድ ሰብን ሓድሽ ጊልያነትን መጋበርያ ሩካቤ ስጋን ንንግድ ውስጠ ኣካል ሰብነትን ዝዳረጋን ዝሳረጉን ደቃ ንምድሓንን ብሩህ መጻኢ ውሑስ ንምግባርን እቲ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ካብ መላእ ዓለም ንምጥፋእ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ኣፍሪቃ በዘን ደያኑን ናይ ሕጊ ጠበቓን ደቃ ኣቢላ ግደኣ ንኸተበርት በቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝተኻየደ ናይ መላእ ሃገራት ዓለም ደያኑን ናይ ሕጊ ጠበቓን ደቀንስትዮ ናይ ሓይሊ ጸጥታን ኣባላትን ኣሳቲፉ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ርክብ መሰረት ዝተነቓቕሔ ኣፍሪቃዊ ዓውደ ኣኼባ ከምዝዀነ ዝሓበሩ ደ ካሮሊስ ኣስዒቦም፡ እተን ናይታ ብሓድሽ ጊልያነትን ንግድ ሰብን ምዝመዛን ኣዝያ ናይ እተጠቕዔት ሃገር ደያኑን ጠበቓታትን ደቀንስትዮ ኣብዚ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ምርምር ተቕዋም ኣብ ዘዳለዎ ናይ ክልተ መዓልቲ ዓውደ ኣኼባ ኣፍሪቃዊ መልክዕ ዘለዎ ነቲ ጸገም በዳሂ ሓሳብ ከቕርባን እዚ ክስተት እዚ ንምቅላስ ብኣፍሪቃ ደረጃ ክፍጸም ኣለዎ ቢለን ዝሓስበኦ በዳሂ መስርሕ ከመላኽታ ምዃነን ኣፍሊጦም።

መሰልን ክብርን ኢማዕርነት ምውጋድን

እዚ ኣብ ዓለም ዝርአይ ዘሎ ሓድሽ ጊልያነት በቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ዓውሎማዊ ዘይተገዳስነት ምኽንያት ይሰፍሕ ከምዘሎ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝበልዎ ሓሳብ ቅድሚ ሓደ ዓመት ናይቲ ናይ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ምርምር ተቕዋም ዋና ኣመሓዳሪ ብፁዕ ኣቡነ ማርቸሎ ሳንቸስ ሶሮንዶ፡ ነቲ ኣብቲ እዋን ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ጸረ ንግድ ሰብን ሓድሽ ጊልያነት ክዕድሙ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዘስመሩሉ ሓሳብ ምንባሩ ዘዘኻኸሩ ደ ካሮሊስ ኣተሓሒዞም፡ ኣብ ዘይማዕርነት ዝጸንዔ ምህርቲ ጥራሕ ዝብል ኤኮኖሚያውን ማሕበራውን ፖለቲካውን ከይዲ ንዝበኣሰ ምዝመዛን ንሓድሽ ዓይነት ጊልያነት በሪ ከምዝዀነን፡ ኣብ ማሕበራዊ ኢፍትሓውነት ኣጣጢሑ እውን በሚሊዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት ንዘስካሕክሕ ሓደጋ ዘቃልዕን ተነጽሎን ምዝመዛን ኣድልዎን ሓድሽ ዓይነት ጊልያነት ዘስፍሕ እዩ እንክብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጠቒሶም ኣመላኺቶም ከምዝነበሩ የዘኻኽሩ።

ገበን ጸረ ሰብኣዊ ፍጥረት

ብፁዕ ኣቡነ ሶሮንዶ፡ እቲ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ክሳብ 2030 ዓ.ም. ኣብ ዘሎ ናይ ጊዜ ገደብ ክብጻሕ ብዝብል እምንቶ ዝሓንጸጸ  መደብ ልምዓት ካብ ዘጠቓልሎም ተበጽሖታት ሓደ፡ ስልጡን ህጹጽን ዝዀነ ነቲ ኣስጋዳድ ዕዮን፡ ምዝመዛን መሰረት ሓድሽ ጊልያነት ዘበለ ተግባር ኩሉ ክውገድ ዝብል ጠቒሶም፡ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣብ ስራሕ ዓለም ምውፋርን  ንውትህድርና ኣብ ውትህድርና ዓለም ምጥቃምን ክውገድን ክሳብ 2025 ዓ.ም. ኣብ ዘሎ ናይ ዓመታት ገደብ ክይህሉ ምግባር ኣብ ዝብል መደብ ዝተጠቕሰ ከምዝዀነ እውን ሓቢሮም፡ ነዚ በነዲክቶስ መበል 16 እዋናዊ ጊልያነት እንክብሉ ዝሰመይዎ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝፍጸም ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ነቲ ገበን ጸረ ሰብኣዊ ፍጥረት ንኽብዳህ ዝድግፍ ዓውደ ኣኼብ እዩ ከምዝበሉ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።

ናይ ሓባር ግንባር

ነቶም ተኣፈፍቲ ክፍሊ ሕብረተሰብ ናብ ማሕበራዊ ማዕርነት ደረጃ ሕይወት ክበጽሑ ዝከኣለኩም ክትገብሩ ሓደራ፡ እዚ ኸኣ ሰብኣውን ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን መሰል ኵሉ ዜጋ ውሑስ ብምግባር ክኸውንን እዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ናይ ሕግን ጠበቓታትን ዓለም ልዑል ኣበርክቶ ከቕርቡ ዝኽእሉ ምዃኖም ዝጠቐሱ ናይ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ምርምር ተቕዋም ዋና ኣመሓዳሪ፡ ኣስዒቦም እቶም ተኣፈፍቲ ክፍሊ ሕብረተሰብ ናይ ማሕበራዊ ፍትሕን ጸጋታትን ተቛደስቲ ክዀኑ ምድጋፍ መሰሎን ክብሮምን ምኽባር ማለት እምበር ምጽዋት ምቕራብ ማለት ኣይኰነን፡ መሰልን ክብርን ኑባሬ ስለ ዝዀነ፡ ስለዚህ እዚ ውሑስ ንምግባር ክሌኣውን ብዝሓ ጐድናውን ስምምዓት ኣብ መንጐ መንግስታትን ዓለምን ክውን ምግባር ግድን ይኸውን፡ በዚ ኣገባብ እዚ ነቶም ናይ ሓድሽ ጊልያነት ኣደዳ ዝዀኑ ኣብዚ ዓውልማዊ ዓለም’ዚ ምክልኻልን ነቶም ናይቲ ገበን ጸረ ሰብኣዊ ፍጥረት ተሓተትቲ ናብ ፍርዲ ንምቕራብ ናይ ኵለን ሃገራትን ኣባይቲ ፍርዲ ተስተማእዚነን ብስኒት ክዓያ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተኻይዱ ኣብ ዝነበረ ዓለም ሓቆፍ ናይ ደያኑን ጠበቓን ዓውደ ኣኼባ ንኸበግሱ ኣብ ዘቕረብዎ መደረ ሓደራ ቢሎም ከምዝነበሩ ደ ካሮሊስ የዘኻኽሩ።

ቫቲካን፥ ቀዳማይ ዓውደ ኣኼባ ደያኑ ኣፍሪቃውያን ደቀንስትዮ፥ ዛዕባ ሓድሽ ጊልያነትን ንግድ ሰብን
06 December 2019, 17:28