2019.12.06 2ይ ስብከት ዘመነ ምጽኣት - ኣባ ካንታላመሳ 2019.12.06 2ይ ስብከት ዘመነ ምጽኣት - ኣባ ካንታላመሳ 

ድምጺ ማርያም ንድምጺ ቤተክርስትያን ይጐትት! ሰባኬ ቤ.ር.ሊ.ጳ ኣባ ካንታላመሳ

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ድሮ ዘመነ ምጽኣት ጀሚራ ካልኣይ ሶሙና ሒዛ ኣላ። ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ኣብ ካንታላመሳ ከምቲ ልሙድ ር.ሊ.ጳ ንዝርከብዎም ኣባላት ኩርያ ንልደት መቀራረቢ ዘቅርብዎ ካልኣይ ስብከት ነቅርበልኩም።

አባ መኰንን ኣመኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ትጽቢት ዘመነ ምጽኣት ካብ ድንግል ማርያም ንላዕሊ ክምህረና ዝኽእል የለን እሞ እስኪ ብዛዕባ ነስተንትን ክብሉ ብእምነት ማርያም ኣብ ግዜ ብሥራተ ገብርኤል ዝጀመሩ ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ኣብ ካልኣይ ስብከቶም ከኣ ናብ ዘመዳ ኤልሳቤጥ ብምብጻሕ ንውሉድ ወለዶ ዝኸውን ጸሎት ምስጋናኣ ክነስተንትን ይዕድሙ።

ሉቃስ ወንጌላዊ ንምብጻሕ ቅድስት ድንግል ማርያም ናብ ቅድስት ኤልሳቤጥ እንክትርኽ ‘ተቀላጢፋ ናብ ዝባውንቲ ይሁዳ ደየበት ናብ ቤት ኤልሳቤጥ እውን ኣተወት’ ይብል። ኣባ ካንታላመሳ ነዛ ጥቅሲ ከም መበገሲ ብምውሳድ ሃየስኪ ንሕናውን ምስኣ ናብ ዝባውንቲ ይሁዳ ደዪብና ናብ ገዛ ኤልሳቤጥ ንእቶ ይብሉ። ኣብዚ እንርኸቦ ዓቢ ታሪኽ ጸሎተ እግዚእትነ ማርያም ኰይኑ እዚ እቲ ዝዓበየ ናብ እግዚኣአብሔር ክነቅርቦ እንኽእል ጸሎት ውዳሴ ጸሎት ምስጋና ‘ተዐብዮ ነፍስየ ለእግዚኣአብሔር` ምስኣ ኰና ንቃኒ። ሎሚ መላእ ቤተክርስትያን ተኸታሊ ጴጥሮስ ጓሳኣ ወርቃዊ ኢዮቤል ክህነቶም ይዝክሩ ስለዘለው ምስኦም ሓቢራ ነዚ ዓቢ ጸሎት ምስጋና እኖና ድንግል ማርያም ትደግም። ብዛዕባ እዛ ጸሎት እዚኣ ምስትንታናኸስ ነዚ ዓቢ ጸጋ ወርቃዊ ኢዮቤል ክህነት ንምስታፍ እውን የኽእለና።

ንጸሎት ምስጋና እኖና ድንግል ማርያም ብዝበለጸ ንምርዳእን ንምስትንታንን ኣብ ወንጌል ሉቃስ እንረኽቦም ቅድሚኡ ድሕሪኡን ዝዝመሩ መዝሙራት ምስጋን ንመልከት። ጸያሔ ፍኖት ዮሓንስ መጥምቅ ምስ ተወልደ ሰኣን እምነቱ ልሳኑ ተኣሲሩ ዝነበረ ዘካርያስ ካህን ኣብ ግዝረት ወዱ ምስ ተፈትሐ መንፈስ ቅዱስ መሊእዎ ‘ይትባረክ እግዚኣአብሔር ኣምላከ እስራኤል - ንሕዝቡ ስለ ዝበጽሖምን ዝተበጀዎምን እግዚአብሔር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ’ (ሉቃ 1.68) ክብል ዝደረሶ ዓቢ ጸሎት ምስጋና ከምኡ እውን ንኢየሱስ ሕጻን ኣብ ቤተመቅደስ ምስ ኣቅረብዎ ስምዖን ነቢይ ‘ይእዜ ትስዕሮ ለገብርከ - ኦ ጐይታይ ደጊም ንባርያኻ ኸም ቃልካ ብሰላም ኣፋንዎ። ከመይ ኣዕይተይ ነቲ ምድሓንካ ርየናኦ እየን’ (ሉቃ 2.29)ዝጸለዮን ይርከባ። ሰለስቲኤን እዘን ቅዱስ ሉቃስ ኣከታቲሉ ዘቅርበልና ጸሎታት እዚአን ንብሥራት ገብርኤል መልኣኽ ንምጻሕ ድንግል ማርያምን ልደት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ንምግላጽ ዝቀርብ ምስክርነት እምነትን ምስጋናን እየን።

ከምዘለዋ እንክንምልከተን ታሪኻዊ ትንተና ኣለወን። ካብትን ካብዝን ዝተኣኻኸባ ዘይኮነ ምትእስሳር ኣለወን። ከመይ ነፍሲወከፍ ክፍሊ ክልተ ነገራት ዝሓዛ እየን። እቲ ሓደ ጭቡጥ ፍጻሜ ሓደ ጉዳይ ኮይኑ እቲ ካልኣይ ከኣ ትርጉም ናይቲ ፍጻሜ ይገልጽ። እንተኣስተውዒልናለን ነፍሲ ወከፍ መዝሙር ወይ ጸሎት ኣብ ሥርዓት ኣምልኾታትና ሥሩዕ ቦታአን ሒዘን ንረኽበን። ሥርዓተ ኣምልኾና ኣብዘን ናይ ሕጻንነት ኢየሱስ መዝሙራት ዝተሠረተ እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ኣብዘን መዛሙር እዚኤን ድቂ ናይ ሥርዓተ ኣምልኾ ልደት ኣሎ። ነቲ መሠረታዊ ትርጉም ሥርዓተ ኣምልኾ ከኣ ይገልጻ። ከመይ ሊጡርግያ ወይ ሥርዓተ ኣምልኾ ቀንዲ ትርጉሙ ንመደብ ድሕነት ብታሕጓስን ብመንፈስ እምነትን ምብዓል እዩ።

ተመራመርቲ ብዛዕባ እዘን መዝሙራት እዚአን ብዙሕ ይጽሕፉ ይዛረቡ ንዓና ዘገድሰና ግን ከምቲ ቅዱስ ሉቃስ ኣብ ወንጌል ዘስፈሮ ቤተክርስትያን ከኣ ከምዘሎ ስለዝተቀበለቶ ኣብ መንፈሱ ንእቶ። ከመይ ንዓና ዘገድስ ኩሎም መንፈስ ቅዱስ መሊእዎም ዝደረስዎ ብምዃኑ በዘን መዛሙር እዚአን ገሩ መንፈስ ቅዱስ እዩ ዝዛረበና ዘሎ እሞ ንመንፈስ ቅዱስ ጽን ምባል እቲ ዝዓበየ ጸጋ እዩ።

ጸሎተ ተዐብዮ ነፍስየኸስ ከምቲ ጐይታና ኢየሱስ ዝመሃሮ ጸሎተ አቡነ ዘበሰማያት ክልተ ክፍሊ ኣለዎ! ንእግዚአብሔር ዝርኢ ቀድማያ ክፍሊ ካብ ፍቅዲ 46-50 ንዓለምን ንታሪኻን ዝምልከት ማለት ብከመይ ዝበለ ርሕራሔ እግዚኣአብሔር ንዓለምን ታሪኻን ዝሓለየሎም ዝምልከት ከኣ ካልኣይ ክፍሊ እዩ።

ሓዲስ ጠመተ እግዚአብሔር ኣብ ዓለምን ታሪኻን!

ከምቲ ትረኻ ሉቃስ ዘመልክቶ ማርያም ተቀላጢፋ እያ ናብ ዝባውንቲ ይሁዳ ደዪባ ምስ ኤልሳቤጥ ዘመዳ ምስ ተራኸበት እውን ቅድሚ ዝኣገረ ተቀዳዲማ ምንም ካልእ ቃል ከይበለት ተቀላጢፋ ምስ እግዚአብሔር ክትዋሳእ እያ ጀሚራ። ካብ ምስ ሰብ ምስ እግዚኣብሔር ምውሳእ! ከም ሓቁ ኤልሳቤጥ ዘመዳ ሰላም ክትብላን ክትንእዳን እንከላ ማርይማ ብጊደኣ ‘ከመይከ ደሓንዶ ኩሉ ኣማን! እናበለት ክትምልስ እዩ ነሩ ኰይኑ ግን ማርያም ብቀጥታ ‘ተዐብዮ ነፍስየ ለእግዚአብሔር’ እንክትብል ነቲ ዓበይቲ ነገራት ዝገበረ ተመስግን። እዚ ኣብነት እዚ ዘለዓለማዊ ንኩሎም እቶም ሠናይ ዝተገብረሎም ዝኸውን ነባርን ታሪኻውን ኣብነት እዩ። ኣብዚ ክንግንዘቦ እንኽእል ጉዳይ እንተልዩ ከምዚ ዝበል መልእልተ ባህርያዊ ነገር ከጋጥም እንከሎ ክልተ ተጻረርቲ ጉዳያት ይግለጹ! ብቀዳምነት ፍርሂ ይሓደርካ ቀጺሉ ከኣ ዕብየት ፍቅሩ ይማርኸካ። እግዚኣአብሔር እቲ ዘርዕድን ዘደንቅን ምሥጢር ኰይኑ ይቀርብ! ዘርዕደሉ ምኽንያት መለኮታዊ ባህርይ ስለዝውንን ዘደንቅ ከኣ በቲ ሕያውነቱን ፍቅሩን እዩ። ብርሃን እግዚኣአብሔር ንመጀመርያ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ እንከንጸባርቅ ብሰብኣዊ ቋንቋ ክገልጸልና ዝኽእል ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ከምዚ ይብል ‘ብፍቅርን ረዓድን ከንቀጥቅጥ ጀመርኩ’ ይብል።

ኣብ ጸሎት እግዚእትነ ማርያም እውን ተማሳሳሊ ዝኾነ ነገር ንዕዘብ። ንሳ ክንዮ እቲ ልሙድ ቃላት ጐይታ ከኣልን ካልእ ቅጽላትን ጸጊራ ቅዱስ ትጥቀም ስሙ ቅዱስ እዩ ትብል። በዚ ከኣ መወዳእታ ዘይብሉ ምትእምማን ወኒንካ ከም መድሓኒኻ ምቅባል እዩ። ኰይኑ ግን እቲ ድንግል ማርያም ኣብ ምሕረት እግዚአብሔር  እትገብሮ ምሕጽንታ መወዳእታ ዘይብሉ ፍቅሪ ኣምላኽ ይገልጽ። እዚ ምሕረት እዚ ከኣ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ይሰጋገር። እዘን ቃላት እዚአን ምሕረት እግዚአብሔር ከም ዓቢ ውሒጅ ካብ ልቢ እግዚኣአብሔር ነቂሉ ንመላእ ታሪኽ ዘመድ ኣዳም ዝጥሕስ ጸጋ ምዃኑ ይገልጻ። እዚ ውሕጅ እዚ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ጸጋ ከምዝዓርግ ይገልጽ። እዚ ከኣ እቲ ነቦና ኣብርሃምን ኣቦታትናን ዝተገብረ መብጽዓ ከምዝተፈጸመ የመልክት።

ንእግዚኣአብሔር ምስ እንፈልጥ ንገዛእ ርእስና ብሓዲስ መልክዕ ንምፍላጥ ይደፋፍእ በዚ ከኣ ሃቀኛ መንነትና ኣብ ህላዊ እግዚኣአብሔር ምዃኑ ይደፋፍእ ኣብ መወዳእታ ከኣ ከም እኖና ድንግል ማርያም ካብ ሰማይ ከም ዝተጠመትና ገርና ብምግንዛብ ምስ እኖና ድንግል ማርያም ኰና ተዐብዮ ነፍስየ ለእዚአብሔር ንብል። እዚ ከኣ ካብቲ ልዑል ቦታ እግዚኣአብሔር ናብ ገዛእ ርእስኻ ድንን ኢልካ ክትጥምት ይግድደካ እሞ ምስ እኖና ድንግል ማርያም ኰንካ ኣብታ ትሕቲ ባርያኡ ዓበይቲ ነገራት ስለዝገበረ ኢልካ ዳግም ንክተመስግኖ ይሕግዘካ።  በዚ ከኣ ትሑት ንእሽቶ ክንብል እንከሎ እቲ እግዚኣአብሔር ብመደቡ ንዓበይቲ ነገራት ዝወሰኖ ብኣና ግን ቊጽሪ ዘይብሉ ግምት ዘይወሃቦ ትሑት ፍጥረት ምዃኑ ንግንዘብ።

ካብዚ ኣፍልጦ እዚ ማለት ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻስ ይኹን ብዛዕባ ካልኦት ዘሎካ ኣፍልጦ ስፍሕ ምስ በለ ለካ ኩሉ ከንቱ እዩ ብማለት ኣብታ ካልአይቲ ሕጡብ ጸሎት ድንግል ማርያም ስግር ትብል እሞ ‘መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኸይ ደስ ይብሎ’ ኣብ ዝብል ደረጃ ትበጽሕ እሞ ታሕጓስ ሓቂ ታሕጓስ ስለቲ መለኮታዊ ተግባራት ታሕጓስ ስለቲ ንጹሕ ምስጋናን ውዳሴን ትግንዘብ። በዚኸስ ማርያ ንጐይታ ስለቲ ኩነታቱን ስለቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝፈጸሞን ነገራት ተዕብዮ። ታሕጓስ ማርያምከስ ናይዚ ምድርዚ ታሕጓስ ወይውን ግዝያዊ ሩፍታን ደስታን ከይመስለና ስለቲ ኣብ መወዳእታ ዓለም ዝፍጸም ተግባር እግዚአብሔር እዩ። ስለዚኸስ ድንግል ማርያም ቅድም ቀዳድም ስለቲ ኣብ ልዕሊዓ ዝፈጸሞ ተግባራት ተመስግን ትውድስ። ቀጺላ ከኣ እቲ ካብ ፍጥረት ዓለም ኣትሒዞም ብእግዚአብሔር ዝተፈቅሩ ሰባት ምዝካር ይኣክል።

ታሕጓስን ምስግናን እኖና ድንግል ማርያም ስለቲ እግዚአብሔር ንዓለምን ኣብኡ ንዘሎን ስለፍቅሩ ብምፍጣሩ ንሳውን ፍቅርቲ ፍጥረት ብምዃናን ኣብ ኣገልግሎት እቲ ቅዱስን ፈቃርን ሕያውን ዘለዓለማውን ዝኽዕነ እግዚአብሔር ብምዃና እዩ። እዚ ከኣ ምሉእ ሓጐስ ይህብ። ቅዱስ ቦናቨንቱራ ናይታ ብእግዚአብሔር ብቀጥታ ዝልውጣ ነፍሲ ተመኲሮ ዝነበሮ ብዛዕባቲ ኣብ ብሥራት ምምጻእ መንፈስ ቅዱስ ናብ ድንግል ማርያም እንክዛረብ ከም ሓዊ ንኩለንትናኣ ዘቃጽል ምዃኑ ከምዚ ኢሉ ይገልጾ!

መንፈስ ቅዱስ ከም መለኮታዊ ሓዊ ኣብ ልዕሊእ ወሪዱ ንኣእምሮኣ ኣብሪሁ ሥጋኣ ቀዲሱ ፍጹም ንጽሕና ሃባ። ኣቤት ነዚ ብቁሩብ ዓቀን እውን ይኹን ክተስተማቅሮ እንተትኽእል ነቲ ዜማ ታሕጓስ ድንግል ክትሰምዖ እንተትኽእል እንክብል ዕብየቱ ይገልጽ።

ወላ እቶም ሊቃውንትን ተርጐምትን ዝበሃሉ እውን ነዘን ቃላት እዚአን ምሉእ ብምሉእ ክትርድኦ ኣጸጋሚ ምዃኑ ይገልጹ። ጥቅልል ብዝበለ ነዘን ቃላት እዚአን ዘንብብ ምስታ ብክርስቶስ ተጋባኢ ትሕጐስን ተመስግንን ማሕበረ ክርስትያን ክካፈሎ እዩ ዘለዎ ከመይ መንፈስ ቅዱስ እንክዛረብ ብመንፈስ ቅዱስ እንተዘይኰይኑ ክንርድኦ ኣይንኽእልን።

ሓዲስ ኣመላኽታ ንዓለም!

ካልኣይ ክፋል ጸሎት እግዚእትነ ማርያም ነቲ እግዚአብሔር ንዓለምና ዝገበሮ ዓበይቲ ነገራት ከም ሕሉፍ ብምትራኽ ነቲ ብኣኣ ዝተጀመረ ዓቢ ነገር እውን ትገልጽ። ከምቲ ብዛዕባ ኣብኣ ዝገብሮ ዓበይቲ ነገራት ዘመስገነቶ ኣብ ዓለምን ታሪኻን ዝፈጸሞ ከኣ በብሓደ ብምዝርዛር ኣብ ልዕሊ ዘመደ ኣዳም ዝተገልጸ ምሕረት እግዚአብሔርን በብሓደ ትዝርዝር። ሓዲሽ ምዕራፍ ከምዝጀመረ ታሪኽን ኩነታት ደቂሰባትን ከምዝተሓደሰ ትገልጽ።

ካብ ፍቅዲ 51 ሕይል ዝበለ ዓናቅጽ እናተጠቅመት ንኩሉ ግምጥልጥል ኣቢሉ ብቅልጽሙ ሓይሊ ገሩ ኩነታት ደቂሰብ ከምዝተለወጠ ‘ንዕቡያት ሓሳባት ልቦም በተነሎም። ንሓያላት ካብ ዝፋናቶም ኣውረዶም። ንዝተዋረዱ ኸኣ ልዕል ኣበሎም። ንጥሙያት ብበረኸት ኣጽገቦም። ንሃብታማት ከኣ ጥራይ ኢዶም ሰደዶም` ትብል። ሃንደባታዊ ዝኾነ ኰይኑ ግን ዘይቅየር ከመይ ሥራሕ እግዚአብሔር ኣይቅየርን ንድሕሪት እውን ኣይምለስን። ኣብዚ ለውጢ እዚ ክልተ ጉጅለ ሰባት ይረኣዩ። ብሓደ ወገን ዕቡያት ከኣልቲ ሃብታማት በቲ ሓደ ወገን ከኣ ትሑታትን ጥሙያትን።

እዚ ምግምጣል እዚ ብኸመይ ካበይ ንዝብል ክንርዳእ ኣድላዪ እዩ። እንተዘየሎ ትርጉም ጸሎት ማርያም ክንስሕቶ ንኽእል ከምኡ እውን ነቲ ኣብዚ ኣቀዲማ ድንግል ትንበዮ ትምህርቲ ብፁዓን ናይ ኢየሱስ ትርጉም እውን ከምልጠና ይኽእል። ምናልባት እንታይ ኮን ተረኺቡ ኣብቲ ግዜቲ ኢልና ናብ ታሪኽ ምልስ ኢልና ዶኾን ሰውራ ተላዒሉስ ኩሉ ተገማጢሉ ወይስ ገለ ፍትሓዊ ምክፍፋል ሃብቲ ተረኺቡ ወይስ ካልእ ቢልና እንተሓተትና ዋይከ እዩ መልሱ። እኳ ደኣ እቲ ጨካን ንጉሥ ሄሮዱስ ዓቢ ተባሂሉ ይጽዋዕ ማርያምን ዮሴፍን ከኣ ብሰንኩ ንኢየሱስ ሕጻን ሒዞም ንግብጺ ይስደዱ።

ስለዚኸስ እቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ማሕበራዊ ለዊጢ እንተኰይኑ ፋሕ ኢሉ ማለት እዩ። እሞኸ ደኣ እቲ ግምጥልጥል ኢሉ ንብሎ ዘሎና እንታይ እዩ እንተበልና ጉዳይ እምነት እዩ ዝተገማጠለ እዚ ከኣ መንግሥቲ እግዚአብሔር ሰላሕ ኢሉ ማንም ከይሰምዖ ተገሊጹ ንዓለም ምሉእ ከኣ ቀስ ብቀስ ለዊጡ። ብቋንቋና ገለ ሓዲስ ሃብቲ ተረኺቡስ ነቲ ሒዝናዮ ዘሎና ገንዘብ ኩሉ ዋጋ ዘስእን ከም ማለት እዩ። ሓደ ሃብታም መዓት ገንዘብ ኰሚሩ እንከሎ ብለይቲ ገለ ተረኺቡ እቲ ኩምራ ገንዘብ ባዶሽ ምስ ኮነ ዘደንግጽ ድኻ ዝቅየረሉ ከም ማለት እዩ። እቶም ድኻታትን ጥሙያትን ግን ዕድለኛታት እዮም ከመይ በቲ ለውጢ ምንም ኣይትንከፉን እኳ ደኣ ነጻን ዝተሰናደወን ልቢ ስለዝውንኑ ነቲ ለውጢ ሃንጐፋይ ኢሎም ይቅበልዎ። እኖና ድንግል ማርያም እትብሎ ምግምጣልከስ እዚ እዩ። ነዚ ከኣ ብመንፈስ ናይቲ  ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመሃሮ መንገዲ ብፅዕናን ብምሳሌ ድኻ ኣልኣዛርን ሃብታም ሰብኣይን ክንርድኦ ንኽእል።

ድንግል ማርያም ብዛዕባ ሃብትን ድኽነትን እንክትዛረብ ካብ እግዚአብሔር እያ እትነቅል ስለዚ መለክዒኣ እግዚአብሔር እምበር ሰብ ኣይኮነን። እታ ንኩሉ ጽቡቅ ገበሮ እትብል ንፍጻሜ ፍጥረት ዝምልከት ቃል ኣምላኽ ኣብ መወዳእታ ዓለም ኩሉ ምስ እግዚኣአብሔር ክኸውን ስለዝኾነ መምዚኒኣ እዚ እዩ። ስለዚ እቲ ምግምጣል እንብሎ ኣብ ደረጃ እምነት ኰይኑ በዚ ዓይኒ እዚ ኢና ክንምልከቶ ዘሎና። እዚ እኖና ድንግል ማርያም ትብሎ ሃብትን ድኽነትንከስ እቲ ዘለዓለማዊ ዝኾነ ሃብትን ድኽነትን እዩ።

ተዐብዮ ነፍስየ ለእግዚአብሔር ብቤተክርስትያን እንክዝየም!

ቅዱስ ኤረኒዮስ ብዛዕባ ብሥራት ገብርኤል መልኣኽ ኣብ ዝጸሓፎ ‘ማርያም ባህታ ንባህታ መሊእዋ ብስም ቤተክርስትያን ብመንፈስ ትንቢት `ነፍሰይ ንእግዚአብሔር ተዕብዮ’ ትብል` ይብል። እኖና ድንግል ማርያምከስ ከም መራሒት ዜማ ወይ መዝሙር ነቲ ኩሎም መዘምራን ክዝምርዎ ዘለዎም ትጅምር። እዚ ዝጸንሐ ባህሊ ኰይኑ ኦሪጀነ እውን ከምዚ ክብል ይጽሕፍ ‘ድንግል ማርያም ንጐይታ ተዕብዮስ ነቶም ክኣምኑ ንዘለዎም እያ። እዚ ትንቢት ማርያም እዩ። ማርያም ድሮ ንቤተክርስትያን ተመልክት።` ይብል ነዚ ከኣ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እውን ኣብ ብርሃነ ኣሕዛብ ቊ.63 ይደግሞ። ድንግል ማርያም ኣምሳል ቤተክርስትያን እያ እንክንብል ነቲ መንፈሳዊ ተቍዋም ብኣካል ትውክሎ ምሳሌ ቤተክርስትያን እያ ማለትና እዩ። ክርስቶስ ርእሳ ዝኾነት ሰውነት ቤተክርስትያንከስ ካብ መጀመርያ ፍጹም ብዝኾነ ኣገባብ ተቊማ።

ንምዃኑ ቤተክርስትያን እንክንብል እንታይ ማለት ኮን ይኸውን! ሓሳባዊ ወይውን ስማዊ ኣይኮነን እታ ሕያው ኣእማን ብዝኾነ ኣመንትን ነፍሳትን ዝቆመት እትርኤ እትጭበጥ ቤተክርስትያን እያ። ጸሎት ድንግል ማርያም ከስ ንማለቱ ዝድገም ዘይኮነ ክትነብሮ ዘሎካ ነፍሲወከፍና ናትና ኢልና መዝሙርና ክንብሎ ዘሎና እዩ። ነፍሰይ ንእግዚኣአብሔር ተዕብዮ ክንብል ከሎና እቲ ናተይ ዝብል ብቀጥታ እዩ ክውሰድ ዘለዎ ከመይ ብቀጥታ ስለዝምልከተና። ቅዱስ ኣምሮዝዮስ ብዛዕባ እዚ እንክጽሕፍ ‘ንጐይታ ንክነዕቢ ኣብ ነፍሲ ወከፍና ነፍሲ ማርያም ይሃሉ። ብኣምላኽና ክንሕጐስን ባህ ክብለናን እንተኾይኑ መንፈስ ማርያም ኣብ ነፍሲወከፍና ይሃሉ። ብዓይኒ ሥጋ እንተጠመትና ኣደ ኢየሱስ ክርስቶስ ሓንቲ እያ ብዓይኒ እምነት ግን ኩለን ነፍሳት ኣብአን ክርስቶስ ስለዝሓድር ኣደ ኲልና እያ’ ይብል።

በዘን መምርሕታት ተመሪሕናኸስ ሕጂ ነፍሲወከፍና ንጸሎት ድንግል ማርያም ኣባና ኣብ ቤተክርስትያንን ኣብ ነፍስናን ንቀበሎ እሞ ንድንግል ማርያም ብቃላት ጥራይ ዘይኮነ ብተግባር እውን ክንመስላ እንታይ ክንገብር ከምዘሎና ነስተውዕል።

ቤትትምህርቲ ወንጌላዊ ለውጢ!

ኣብቲ እኖና ድንግል ማርያም እትእውጆ ምግምጣል ናይ ከኣልትን ዕቡያትን ጸሎተ እግዚእትነ ማርያም ንቤተክርስትያን ዘዘኻክራ ነገር እንተሃልዩ ስብከተ ወንጌል ክትገብር ግድን ከምዝኾነ እዩ። ቤተክርስትያን እውን ትንቢታዊት ክትከውን ትምህራ። ቤተክርስትያን ምስ ድንግል ማርያም ኰይና `ንሓያላት ገማጠሎም ንድኻታት ጥራሕ ኢዶም ሰደዶም` ኢላ እንክትዝምር ብእምነት እያ እትደግሞ ነዚ ክትሰብኽ እንከላ ከኣ ብዛዕባ ፍትሒ ሰላም ማሕበራዊ ሥርዓት ክትዛረብ ምሉእ ሥልጣን ኣለዋ። ነዚ ከኣ በቲ ክርስቶስ ዝኣዘዛ ፍቅሪ ብጻይ ተመሪሓ ንክትሕልዎን ንባህርያዊ ሕጊ ንክትርጉምን ሥልጣን ኣለዋ ማለት እዩ።

እዘን ክልተ ነገራት ረርእሰን ዝኻኣላ ኰኖን እታ ሓንቲ ካብ ሓንቲ ዝፍለያ ግን ኣይኮናን። እቲ እኖና ድንግል ማርያም ዝመሃረትና እምነት ኣብቲ እግዚኣአብሔር ኣብ ታሪኽ ድሕነት ዝገበሮ ዓበይቲ ነገራት ነቲ መጻኢ ንክትገብሮ ዘሎካ ጉዳይ ከኣ ዋና መራሒ ይኸውን። ስለዚ ኸኣ እያ ቤተክርስትያን ብናይ ምሕረት ሥራሕ ኣብ ታሪኽ ደቂሰባት ናይ ድሕነት ሥራሕ ትቅጽል ወላ ነቲ ሃብታም እውን ከመይ ጉዳይ ድሕነቱ ስለዘገድሳ። ነቲ ትምህርቲ ግን ኣዳዕዲዓ ትነግር ከመይ ሃብታማትን ዕቡያትን ኣብ ሓደጋ ስለዝርከቡ ከምቲ ኢየሱስ ብምሳሌ ሃብታም ሰብኣይን ድኻ ኣልኣዛርን ገሩ ዝገንሖም ዝነበረ ቤተክርስትያን እውን ክትገንሖም ትሕዝቲ እያ።

ኰይኑ ግን ጸሎት እግዚእትነ ነዚ ሎሚ ዘሎ ግድላት ሃብትን ድኽነትን ጥሜትን ጽጋብን እንምልከተሉ እንኮ መንገዲ ጥራይ ከምዘይኮነ ምግንዛብ የድሊ። ከመይ ካብ እምነት ዘይኮነ ካብ ታሪኽ ነቂሎም ፍታሕ ክደልዩ ዝቃለሱ ኣለው ቤተክርስትያን እውን ብግቡእ መንገዲ ደገፋ ትህብ። እዚ ንጹር ስብከተወንጌላዊ ተልእኮ ቤተክርስትያን ወትሩ ወንጌል ክሰብኽ እኳ እንተኾነ ንሠናይ ነገር ዘመደ ኣዳም ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ደገፉ ክህብ ኣለዎ ንማለት እዩ፣ ምናልባት ሕላማዊ ግምት ገርና እዚ ኩሉ ፍትሒ ምጉዳልን ማሕበራዊ ዘይማዕርነትን ዝተወገደሉ ግዜን ቦታን እንተዝርከብከ ቤተክርስትያን እንታይ ምገበረት እንተደኣ ኢልና ምስ እግዚእትነ ማርያም ጸሎታ ትቅጽል። እኳ ደኣ ብዝዓበየ ሓይለ ቃል ክትደግሞ ኣለዋ።

ኣብ ሕይወት ብኣዕይንትና ክንርእዮም ዘይንኽእል ብዙሕ ነገራት ኣሎ! ማክሮስኮፕ ኢክስ ራጂ ዝበሃሉ መጋበሪታት ኣለው። ልክዕ ከምኡ ቤተክርስትያን ንኩነታት ንምዕዛብ ብጸጋ ቃል ኣምላኽ ካብቲ ናይ ዓለም ኣመለኻኽታ ፍልይ ብዝበለ ዓይኒ ክትርኢ ትኽእል። እዚ ከኣ ብብርሃን እግዚኣአብሔር ስለዝኾነ ነቲ ሓቀኛ ምስሊ ንምርካብ ኣየጸግምን። ነዚ ኣብ ቅድሚኣ ዘሎ ሓቂ ክትክሕዶ ክትልውጦ ኣይትኽእልን።  ስለዚ ከይደኸመትን ከይሰልቸወትን ነዚ ሓቂ እዚ ንደቂ ሰባት ክተስፍሕ ኣልዋ። ከመይ ንዘለዓለማዊ ሕይወቶም ግድን ስለዝኾነ። ናይዚ ዓለምዚ ነገራት ኩሉ ምስሓለፈ ዝተርፍከስ እዚ ምስሊ እዚ እዩ። ምናልባት እዚ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ብዓይኒ ዓለምን ሰብ ግዜን ዕሽነት ክኸውን ይኽእል ኰይኑ እዚ ገርሀይና ቃላት ትኽ ብትኽን ብትንቢታዊ መንፈስን ንኩሉ ስለዝገልጻ ተኣማሚና ነጻ ኰና ንድገመን።   

መጽሓፈ ራእዩ ለዮሓንስ ብዛዕባ እዚ ትንቢታዊ ቋንቋ እዚ ቀጥተኛን ተባዕን ምሳሌ ይህበና። ማለት ነቲ እኖና ድንግል ማርያም ቤተክርስትያን ወኪላ ጸሊያቶ ንዝብል ከመይ ቢሉ ሓደ ግለሰብ ንመላእ ማሕበረሰብ ኵክል ይኽእል ንዝብል ሰብኣዊ ርእይቶ ዝኸውን ምሳሌ እዩ። ከምዚ ከኣ ይብል ‘ሃብታም እየ ብዙሕ ሃብቲ ደሊበ ኣሎኹ፡ ዘድልየኒ ነገር የብለይን ትብል ትኸውን፡ እነኾነ ዘይትረብሕ ነዳይ ምስኪን ዕውሩ ዕሩቕ ምዃንካ ኣይርደኣካን ድዩ’ (3.17) ይብል።

ኣንደርሰን ዝበሃል ኣብ ዝደረሶ ጽውጽዋይ ሓደ ህቡብ መጠፋፍኢ ንሓደ ንጉሥ ብዓይኒ ዓያሹን ሕማቃትን ዘይረአ ብዓይኒ ጥበበኛታትን ለባማትን ጥራይ ክረአ ዝከኣል ግሩም ክዳን ኣሎ ኢሉ ከምዘእመኖ ይገልጽ። እንተኾነ ዘየለ ስለዝኾነ እቲ ንጉሥ ክርእዮ ኣይክእል ነዚ ሓቂ እዚ ከይብል ግን ዓሻን ሕማቅን ከይበሃል ይፈርህ እወ ይብል እቶም መሳፍንቱን መላእ ሕዝቡን እውን ከምኡ ይገብሩ። እቲ ንጉሥ ብዘይምንም ክዳን ኣብ ጐዳናታት እታ ከተማ ይዛወር ኩሎም ከኣ በታ ኣብ ላዕሊ ዝበልናዮ ፍርሒ ተዋሒጦም ክንደይ ዝጽብቅ ክዳን እዩ ኣናበሉ ክሳብ ሓንቲ ቈልዓ ኣብ መጎ እቲ ሕዝቢ ኰይና ‘ዋእ ንጉሥና ዕርቃኑ ኰይኑ` ብማለት ነቲ ዓኒዱ ሒዝዎም ዘሎ ፍርሒ ትቅንጥጠሎም ኩሎም ይሕስው። ብድሕሪዚ ግን እቲ ብሉጽ ክዳን ዝበሃል ከምዘየለ ንክምስክሩ ትብዓት ረኺቦም።

ቤተክርስትያንከስ ነቲ ሃብታም እየ ሃብቲ ደሊበ ኢለ ዘድልየኒ የልቦን ንዝብልን ኣብኡ ንዘይኣምን ከኣ ከም ዓሻ ዝቆጽርን ሰብ ‘ንስኻ ዕራቕካ ከምዘለኻ ገና ኣይፈልጥካን’ ብማለት ከም ድምጺ ናይታ ሕጻን ክተከውን ኣለዋ። ኣብቲ እኖና ድንግል ማርያም ተዓብዮ ነፍስየ ለእግዚአብሔር ኢላ ብትንቢት ንቤተክርስትያን ትዛረብ ከመይ ንሳ መጀመርያ ካብ እግዚአብሔር ነቂላ ነቲ ዓቢ ድኽነት ናይዚ ዓለም ሃብቲ ዕርቃኑ ኣውጺኣቶ። እዚ ጸሎት እዚ ንበይኑ ነቲ ‘ኮኸብ ስብከተ ወንጌል’ ብማለት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ኢቫንጀሊ ኑንስያንዲ ዝብል መልእኽቶም ንዝገለጽዎ የረጋግጽ።

ጸሎተ እግዚእትነ ማርያም ጻውዒት ንለውጢ!

ኣብ ጸሎተ እግዚእትነ ማርያም ኩሉ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ቤተክርስትያን ሰዓብታን ክሰብክዎ  ጥራይ ኣለዎም እንተኢልና ካብ ሓቀኛ ትርጉሙ ንርሕቅ። ኣብዚ ብዛዕባ ምስባኽ ጥራይ ኣይኮነን ዚዛረብ እንታይ ደኣ ክትገብሮ ክትነብሮ ብዛዕባ ዘሎካ ጉዳይ እዩ ዚዛረብ። እኖና ድንግል ብፅዕና ድኻታትን ትሑታትን ክትእውጅ ትኽእል ከመይ ንሳ ንባዕላ ድኻን ትሕትን ስለዝኾነት። እቲ ንሳ ትእውጆ ምግምጣል ኣብ ልቢ ነፍሲወከፍ ንጸሎታ ዝደግም ክፍጸም ኣለዎ። ድግል ማርያምከስ ‘እግዚአብሔር ንዕቡያት ሓሳባት ልቦም ገምጠሎ’ ትብል።

ብሃንደበት እቲ ክትዕ ካብ ወጻኢ ናብ ውሽጢ ይኣቱ ካብቲ ሊቃውንቲ ትምህርቲ ንባበ መለኮት ተኻቲዖም ቅኑዕ እዩ ኢሎም ዝተሰማምዑሉ ናብቲ ንሕና ኩልና ግጉይ ዝበልናዮ ይልወጥ። እቲ እግዚአብሔር ጐይታ ሕይወቱ ዘይኮነ ንገዛእ ርእሱ ጥራይ ዝነብር ሰብ ኣብ ሓደ ንካልኦት ጥራይ ሕጊ እትእውጀሉ ዙፋን ተቀሚጡ ዘሎ ሰብ እዩ። ድንግል ማርያም ትብለና ከኣ እግዚአብሔር ነዚ ዙፋን እዚ ገምጢልዎ ነቲ ሓሶቶምን ፍትሒ ምጒዳሎምን ዕርቃኑ ከምዝርአ ይገብሮ። ካልእ ውሳጣዊ ዓለም ብሓሳብን ድላይን ሃረርታን ስምዒታትን ዝተገብረ ኣሎ። ከምቲ ቅዱስ ያዕቆብ ኣብ መልእኽቱ ዝብሎ ከኣ ውግእን ባእስን ፍትሒ ምጒዳልን ምልክን ጭቆናን ኣምባገነንነትን ከኣ ካብዚ ዓለም እዚ እዮም ዝመጹ (4.1)። ስለዚከስ ነዚ ሱር ኩሉ ጸገም ዝኾነ ዓለም እዚ ክፍውስ ክሳብ ዘይከኣለ ኣብ ዓለምና ምንም ለውጢ ኣይክመጽእን እዩ። ገለ ለውጢ እንተተራእየ ንግዜኡ ገለ ዝቅንስ ይመስል እምበር ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ኣብታ ናይ ቀደማ እያ እትምለስ።

ሃየስከ ናብ ገዛእ ርእስና ምልስ ኢልና ምናዳ እቶም ዕለት ዕለት ዳዊትን ውዳሴን ማርያምን እንክንደግም ‘ተዓብዮ ነፍስየ ለእግዚአብሔር’ እናበልና ወግሔ ጸብሐ ንጽልዮ ጸሎተ እግዚእትነ ማርያም ብከመይ ይትንክፈና ‘ንሓያላት ካብ መንበሮም ገምጠሎም` ኣብ ኣፍና እንከሎ ንሕና ንባዕልና ኣብዘን ምኽንያት ኩሉ ጸገምና ዝኾና ሥልጣንን ልዕልናን ትዕቢትን ዙፋንን ሃንቀው ክንብልስ እንድዒኸ!  ‘ንሃብታማት ጥራሕ ኢዶም ሰደዶም’ እናበልና ክንህብትምን ዝበለጸ ነገራት ክንውንን ሃነፍነፍ እናበልናን እንድዒኸ! ኣብ ክንዲ ኣብ ቅድሚ እዚ ዓለም ጥራሕ ኢድና ንኸውን ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ጥራሕ ኢድና ኣብ ክንዲ ካብ ሃብትታት እዚ ዓለም ባዶ ምዃን ካብ ጸጋታት እግዚአብሔር ባዶ ምዃን እንዳመረጽካ ጸሎት እግዚእትነ ማርያም ምድጋምሲ ካብዚ ዚዓቢ ዕሽነት የልቦን። ንትሑታት ቊሊሕ በለሎም ኢልካ እናደገምካ ንትሑታት ኣርሒቅካ ንዕቡያትን ሃምታማትን ምቅራብስ ተጻይ ናይቲ ትብሎ ምግባርዶ ኣይኮነን።

ሉተር ብዛዕባ ጸሎተ እግዚእትነ ማርያም ኣብ ዝደረሶ ድርሳኑ ‘ዕለት ዕለት ነፍሲ ወከፍና ነቲ ንገዛእ ርእሱ ናብ ዝለዓለ ናይ ክብርን ክእለትን ሃብትን ቊጽጽርን ቦታ ንከደይብ እሞ ሁከት ዝመልኦ ሕይወት ዕብየትን ትዕቢትን ንዘዘውትር ክንቃወም ኣሎና። ከመይ ነፍሲወከፍ ነዞም ከምዚ ዚኣመሰሉ ሰባት ክስዕብ ደድሕሪ ይጐዩ ፈትዩ ከኣ የገልግሎም ኣብ ዕብየቶም ክሳተፍ ይደሊ  ወላ ሓደ ትሒቱ ክረኤ ኣይደልን ወዘተ። ዝገደደ ከኣ ንዝትጸገሙ ሰባት ክንዲ ምርዳእ በይኖም ይሓድጎም’ ይብል። እኖና ድንግል ማርያም ኣብዚ ትብለና ዘላ ተጻይ ናይዞም ክንገልጾም ዝጸናሕና ይገብር። ንዕቡያት ኣርሒቁ ንትሕታት ክሳብ ኣብኡ ሓፍ የብሎም፡ ካብ ምስ ሃብታማትን ጽጉባትን  ምስ ጽጉማትን ጥሙያትን ለይትን መዓልትን ብልመና ላሕ ምስ ዘብልዎ መሳኺን ይኸውን። በዚ ከኣ በቲ እናታዊ ጣዕማ ገራ እኖና ድንግል ማርያም ንእግዚአብሔር ክንመስል ምርጫና ንሱ ክኸውን  መንግድታት እግዚአብሔር ትምህረና።  ጸሎተ እግዚአብሔር ብሓቂ ዘደንቅ ትምህርቲ ጥበብ ወንጌል እዩ፣ ቤት ትምህርቲ ቀጻሊ ለውጢ እዩ።

ከም ኩሉ ቅዱስ መጽሓፍ እዛ ጸሎት እዚኣ እውን ከም መስተያት እያ ተገልግል። መስትያት ክልተ ዝተፈላለያ ጥቅምታት ከምዘለዎ ብሩህ እዩ። ብሓደ ወገን ንደገ ገጽካ ኣርኢኻ ናብ ካልኦት ብርሃን ከምዘንጸባርቅ ብምግባር ኣብ ሓደ ፍሉይ ቦታ ብምትኳር ከኣ ከምቲ ኣርኪመደስ ንመራኽብ ሮማውያን ዝገበሮ ክሳብ ዝቃጸል ክትገብሮ ይከኣል። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ናብኻ ገጽካ ብምግባር ገጽካ ክትርእየሉ ክትጸባበቅ ኣብ ገጽካ ዘሎ ሕማቅ ነገር ክትኣልየሉ ይከኣል። ስለዚ ነዚ ጸሎት እዚ ናብ ካልኦት ዘይኮነ ናባና ገጽና ገርና ንጽርየሉ።

ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዓቢ ብዛዕባ ቅዱስ መጽሓፍ እንክጽሕፍ ‘ቅዱስ መጽሓፍ ብምንባብ እዩ ሓይሉ ዝዓቢ’ ይብለና ምስ ጸሎተ እግዚእትነ ማርያም ከምኡ እዩ። ቅድመና ዝነበሩ ቅዱሳንን ኣመንትን ጸልዮም ኣብ ግብሪ ዘውዓሉ ኣለው። ብሱታፌ ቅዱሳን ከኣ መላእ ቤተክርስትያን ኣብ ምሥጢራዊ ኣካል ክርስቶስ ኰይና ትደግሞ። ምስዛ ጉባኤ መዘምራን ሓቢርካ ምዝማሩኸስ ክንደይ ጥዑም እዩ። እግዚአብሔር ደስ ኢልዎ ዝሰምዖ ጸሎት ከኣ ከምዚ እዩ።

ምስዞም ናይ ትማልን ሎምን መዘምራን ብሓባር ንምዝማር ከኣ ንስምዒታት እግዚአብሔር ምርዳእን ነቲ እኖና ድንግል ማርያም ንመጀመርያ ግዚ ብስም ቤተክርስትያን ዘንቀለቶ መዝሙርን ስዒቦም ብዙሓት ዝሃብዎ ትርጓሜን ሙዚቀኛታት ብእምነት ንዝቃነይዎን ምስትምቃር የድሊ። ጸሎተ እግዚእትነ ማርያም ምስጋና ይኹኖ ሎሚ እውን እንተኾነ ክሳብ መወዳእታ ምስቶም ዝውድስዋ ትውልዲ ኰይና ንኩሉ ትውልዲ ትዝምሮን ኣላ። እዚ ከኣ ንመዝሙርን ድምጽን ቤተክርስትያን ክሳብ ላዕሊ ይጐቶ።

ከምቲ ኣብ መኽፈቲ ዝበልክዎ ቅዱስነቶም ወርቃዊ ኢየቤል ክህነቶም ኣብ ዘብዕሉሉ ከምቲ ናይ እኖና ድንግል ማርያም ‘ምሳይ ሓቢርኩም ንጐይታ ኣዕብዩ` ይብሉና ኣለው ንሕና ከኣ ቅዱስነትኩም ከም እንገብሮ ቃል ንኣትወልኩም ክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
14 December 2019, 16:02