ድለ

ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ኣፈ ጉባኤ ሓዋርያዊ ሓላፍነት ናይ ሓሙሽተ ዓመት ተልእዀ ክኸውን ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ኣፈ ጉባኤ ሓዋርያዊ ሓላፍነት ናይ ሓሙሽተ ዓመት ተልእዀ ክኸውን  

ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ኣፈ ጉባኤ ሓዋርያዊ ሓላፍነት ናይ ሓሙሽተ ዓመት ተልእዀ ክኸውን

እቲ ዝደንገግዎ ሓድሽ ናይ መምርሒ ሕጊ ዕለት 21 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ከምቲ ልሙድ በቢ ዓመቱ ናይ ቅዱስ በዓለ ልደት ሰናይ ምንዮት ንምልውዋጥ ናይቲ ብኩሪያ ሮማና ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ላዕለዋይ ሓዋርያዊ ምሕደራ ላዕለዎት ሓለፍቲ ብፁዓን ካርዲናላትን ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ካልኦት ላዕለዎት ኣካላት ቅድስቲ መንበርን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ወግዓዊ ከምዝገበርዎ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቅድስቲ መንበር ነበር ዋና ጸሓፊ ካብ 2005 ዓ.ም. ኣትሒዞም ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ኣፈ ጉባኤ ኰይኖም ዘገልገሉ ዘለዉ ብፁዕ ካርዲናል ሶዳኖ ናብ ልሂቕነት ንኽሰጋገሩ ዘቕረብዎ ሕቶ ተቐቢሎም ዕለት 22 ታህሳስ 2019 ዓ.ም. እወንታዊ መልሲ ከምዝሃቡሉን እቲ ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ኣፈ ጉባኤ ዝብል ሓዋርያዊ ሓላፍነት ናይ ሓሙሽተ ዓመት ገደብ ዘለዎ ኣገልግሎት ክኸውን ዝእዝዝ ብዘለዎም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ፍሉይ ስልጣን መሰረት ሓድሽ ሕጊ ከምዘጽደቑ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ሶዳኖ ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት ካብ ዝነበሮም ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ኣፈ ጉባኤ ሓዋርያዊ ሓላፍነት ናብ ልሂቅነ ንኽሰጋገሩ ዘቕረብዎ ሕቶ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተቐቢሎም ይኹንታ ከምዝሃቡሉን፡ ቅዱስነቶም እቲ ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ኣፈ ጉባኤ ናይ ምዃን ሓዋርያዊ ሓላፍነት ናይ ሓሙሽተ ዓመት ገደብ ተልእዀ ዘለዎ ክኸውን ብዘለዎም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣን መሰረት ሓድሽ ሕጊ ኣጽዲቖምን ብፁዕ ካርዲናል ሶዳኖ ልሂቅ ኣፈ ጉባኤ ዝብል መጸውዕ ከምዝሃብዎም ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ኣገግሎት ክፍሊ ዜና ኣስዒቡ፡

እቲ ዝደንገግዎ ሓድሽ ናይ መምርሒ ሕጊ ዕለት 21 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ከምቲ ልሙድ በቢ ዓመቱ ናይ ቅዱስ በዓለ ልደት ሰናይ ምንዮት ንምልውዋጥ ናይቲ ብኩሪያ ሮማና ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ላዕለዋይ ሓዋርያዊ ምሕደራ ላዕለዎት ሓለፍቲ ብፁዓን ካርዲናላትን ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ካልኦት ላዕለዎት ኣካላት ቅድስቲ መንበርን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ወግዓዊ ከምዝገበርዎ ኣፍሊጡ፡ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ሶዳኖ ኣብዚ እዋን’ዚ 92 ዓመት ዕድመ ከምዘለዎምን፡ ካብ 1978 ዓም.  ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋያዊ ልኡኽ ኰይኖም ዘገልገሉን ካብ 1990 ክሳብ 2005 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፍን፡ ቀጺሎም እቲ ብብፁዕ ካርዲናል ጆሰፍ ራትዚንገር ዝመራሕ ዝነበረ ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ኣፈ ጉባኤ ሓዋርያዊ ስልጣን ተረኪቦምን በዚ ሓዋርያዊ ሓላፍነት’ዚ ክሳብ ናብ ልሂቕነ ዝተሰጋገሩላ ዕለት ከምዘገልገሉ ኣዘኻኺሩ፡ በቲ ዝደንገግዎ ሓድሽ ውሳኔ መሰረት ናይ ብፁዓን ካዲናላት ጉባኤ ኣፈ ጉባኤ ዝኸውን ብብፁዕ ካርዲናል ዝሕረይ ኰይኑ፡ እቶም ኣፈ ግብኤ ኰይኖም ዝምረጹ ኣብዚ ሓዋርያዊ ሓላፍነ’ዚ ንሓሙሽተ ዓመት ዘገልግሉ ክዀኑ ይእዝዝ።

ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ኣፈ ጉባኤ ሓዋርያዊ ሓላፍነት ናይ ሓሙሽተ ዓመት ተልእኰ ክኸውን
23 December 2019, 18:08