ር.ሊ.ጳ. ካብቶም ኣብ ለስቦ ካብ ዝርከቡ ስደተይናታት የአንድግዱ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 16 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም. ኣብ ለስቦ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶምን ኣብ ደሴት ለስቦ ኣብ ዝርከብ ሞሪያ እተሰምየ ናይ ስደተይናታት መዕቆቢ ሰፈር በጺሖምን ካብቶም ስደተይንታት 3 ኣባይቲ ስድራ ኣብ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ተቕዋም እንገዳ ዝግበረሎም ተሰንዮም

ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ቤተ ምጽዋት ሓላፊ ብፁዕ ካርዲናል ኮንራድ ክራየውስኪ ብምኽንያት 2016 ዓ.ም. ሓዋርያዊ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ግሪካዊት ደሴት ለስቦ ዕለት 2 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ንሓዋርያዊ ምብጻሕ ናብ ለስቦ ከምዝኸዱን፡ ዕለት 4 ታሕሳስብ 2019 ዓ.ም. ብምትሕብባር ቅድስቲ መንበርን ካቶሊካዊ  ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮን ካብቶም ኣብታ ደሴት ካብ ዝርከቡ ዑቕባ ሓተትቲ ስደተይናታት 33 ብሓልዮት ቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኢጣሊያ ምስ ዝእንገዱ ናብ ሃገረ ቫቲካን ክምለሱ ከምዝዀኑን፡ ካልኦት 10 ስደተይናታት እውን ኣብ ውሽጢ 2019 ዓ.ም. ተመሳሳሊ እንገዳ ተገይሩሎም ናብ ሮማ ክመጹ ምዃኖም ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ጃዳ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብሓልዮትን ድላይን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብቶም ኣብ ለስቦ ዝርከቡ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓተትቲ ስደተይናታት 33 ብመደብ መተሓላልፎ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ኢጣሊያ መጺኦም ዑቕባ ክወሃቦም ከምዝዀንነ፡ እቶም ኣብ ኢጣሊያ ዝእንገዱ ስደተይናታት ብናይ ቅዱስ ኤጂዲዮ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ሓለፍቲ ምስ ዝተሰነዩ ብፁዕ ካርዲናል ክራየውስኪ ዕለት 4 ታሕሳስ 2019 ዓም.  ሮማ ክኣትዉ ምዃኖም ኣኵይሊኖ ኣፍሊጠን።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 16 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም. ኣብ ለስቦ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶምን ኣብ ደሴት ለስቦ ኣብ ዝርከብ ሞሪያ እተሰምየ ናይ ስደተይናታት መዕቆቢ ሰፈር በጺሖምን ካብቶም ስደተይንታት 3 ኣባይቲ ስድራ ኣብ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ተቕዋም እንገዳ ዝግበረሎም ተሰንዮም ናብ ሃገረ ቫቲካን ከምእተመልሱ ዘዘኻኸራ ኣኵይሊኖ ኣስዒበን፡ እዞም ስደተይንታት ብምትሕብባር ቅዱስ ኤጂዲዮ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ዝእለዩ ከምዝዀኑ የመላኽታ።

ብስሞም ቅዱስነቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ቤተ ምጽዋት ሓዋርያዊ ሓላፊ ብፁዕ ካርዲናል ክራየውስኪ ናብ ለስቦ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ዘካይድሉ ዘለዉ እዋን፡ ካብ ኣፍጋኒስታንን ካመሩንን ቶጎን ካብ ዝመጹ ንምእንጋድ እውን ምስ ዘይመንግስታውያን ናይ ረድኤት ማሕበራትን ምስ ዝምልከቶም ናይ መንግስቲ ኣካላትን ርክብ ከምዘካየዱ ጠቒሰን ነዞም ናብ ኢጣሊያ ዝመጹ ስደተይንታት ዘድሊ ሰብኣውን መዕቆብን ካብ ቅድስቲ መንበር ምዃኑ ኣፍሊጠን።

ዕለት 19 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ካብቶም ኣብ ለስቦ ዝርከቡ ስደተይናታት ናይ ሉሰምበርግ ሊቀ ጳጳሳት ሓደ ካብቶም ኣብ ቀረባ እዋን ብቕዱስ ኣቦና ካርዲናል ካብ እተሰምየ ብፁዕ ካርዲናል ዣን ክላውደ ሆለሪኽ ድላይ ክልተ ኣባይቲ ስድራ ኣብ ሰበኻኦም ካብ ኩዋይት ዝመጸት ክልተ ደቂ ዘለዋን  ከምኡ እውን ካብ ሶሪያ ዝመጸት ክልተ መናቱ ዝደቃ ስደተይና ኣባይቲ ስድራ ክእንገዱ ከምዝገበሩ ኣኵይሊኖ የዘኻኽራ።

ር.ሊ.ጳ. ካብቶም ኣብ ለስቦ ካብ ዝርከቡ ስደተይናታት የአንድግዱ
03 December 2019, 16:26