ሞራንዲ፡ ዛዕባ ስነ ሰብእ ዝወጸ ሰነድ ሶዶማዊ መውስቦ ፍቑድ ዝብል ሓሳብ የብሉን ሞራንዲ፡ ዛዕባ ስነ ሰብእ ዝወጸ ሰነድ ሶዶማዊ መውስቦ ፍቑድ ዝብል ሓሳብ የብሉን 

ሞራንዲ፡ ዛዕባ ስነ ሰብእ ዝወጸ ሰነድ ሶዶማዊ መውስቦ ፍቑድ ዝብል ሓሳብ የብሉን

ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ሶዶማዊ መውስቦ ምኽንያታዊ ዝገብሮ ይኹን ነዚ ዓይነት መውስቦ ኣስተንፍሶ ዝኸውን ዝዀነ ይዅን ዓይነት ኣንፈት ኣይንረክብን

ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ሞራንዲ ኣብ ቀረባ እዋን ጳጳሳዊ ናይ ስነ ቅዱስ መጽሓፍ ድርገት ሰብ መን እዩ ብዝብል ኣርእስቲ ድሕሪ ዘካየዶ ዓውደ መጽናዕቲ ዘውጸኦ ሰነድ  ኣደጊፎም ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሰፊሕ መብርሂ ከምዝሃብሉን፡ ብፍላይ እቲ ህልዮኣዊ ሓተታ ዝወሃበሉ ሶዶማዊ መውስቦ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ምኽንያታዊ እዩ ዘብሎ ይዅን ዝነበረ ኣውን ምዃኑ ዝገልጽ ሓሳብ ጠሪሹ ከምዘየለ የዘኻኽሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ኰነ ካብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ዝወጸ ዛዕባ ስነ ሰብእ ዝምልከት ሰነድ፡ ካብ ዘፍጥረት ክሳብ ኣብቲ ቀንዲ መፍትሕን ማእከልን ናይ መላእ ዘርእሲ ሰብ ሸቶ ዝዀነ ብክርስቶስ ዝተፈጸመ - ሓድሽ ሰብ፡ ናይቲ ኣብ ኵሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝተነብሮ መለኰታዊ መደብ መሰረት ዝገበረን ነዚ መለኰታዊ መደብ ዘብርህ እዩ፡ ስለዚህ ንናይ ቅዱስ መጽሓፍ እሙን ትንታኔ ዝኽተል እዩ፡ እዚ ኸኣ ነቲ ንሓድሽ ኪዳን ንባብን ንናይ ቤተ ክርስቲያን ሃምነናዊ ትውፊትን መወከሲ ዝዀነ ኦሪት ዘፍጥረት ካብ ምዕራፍ ክልተ ክሳብ ምዕራፍ ሰለስተ ዘሎ ቃል ዝተወከሰ ሰነድ ምዃኑ የመላኽቱ።

ቤተ ክርስቲያን ምስጢረ ተኽሊል ዘይሕከኽ ምዃኑ ብቕዱስ መጽሓፍን ኣብ ቲዮሎጊያን ኣብ ሕገ ቀኖናን ኣጽኒዓ ተነጽር፡ እዚ ማለት ግና ፍሉይ ብዝዀነ ምኽንያት እቲ ዝተኣሰረ ምስጢረ ተክሊል ፍቱሕ ይዅን ዝብል ውሳኔ ከምእትህበሉ ዝኽሕድ ኣይኰነን፡ እዚ ንገዛእ ርእሱ ፍትሕ ቅቡል ወይ ግቡእ እዩ ዝብል ውሳኔ ኣይኰነን፡ ስለዚህ እቲ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ቅዱስ መጽሓፍ ድርገት ዘካየዶ ዓውደ መጽናዕቲ ነዝን ነቲ መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፍቕዲ 1649 መሰረት ገይሩ ዝተኣሰረ ምስጢረ ተክሊልን ፍትሕን ብመንጽር ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን  ኣብቲ ዘውጽኦ ሰነድ የብርህ፡ ስለዚህ ፍትህ ፍቑድ ዝብል ሓሳብ እዩ ቢሎም ነቲ ሰነድ ኣደጊፎም ትንታኔ ዝህቡ እቲ ሰነድ ብኵለንተናውነት ዝተረድእዎ ኣይመስለንን ወይ ከኣ ኣብ ቁንጹብ ሓሳብ ዝተመስረተ እዩ፡ ከቃልሕዎ ንዝደልይዎ ህልዮ ምኽንይታዊ ንኸብሉ ኣዘምቢዖም ብምጥቃም ዝፈጥርዎ እዩ ይብሉ።

ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ሶዶማዊ መውስቦ ምኽንያታዊ ዝገብሮ ይኹን ነዚ ዓይነት መውስቦ ኣስተንፍሶ ዝኸውን ዝዀነ ይዅን ዓይነት ኣንፈት ኣይንረክብን፡ እዚ ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ዝገበረ ስነ ሰብእ ምልኩት ይኸውን ካብዚ ወጻኢ ኣብ ህልዮ ዝጸንዔ ሰነ ሰብእ እዩ ዝኸውን፡ እዚ ሓሳብ’ዚ ፍልይ ብዝበለ ኣገላልጻ ኣብቲ ናይቲ ዓውደ መጽናዕቲ ሰነድ ፍቕዲ 185 ተተንቲኑ ኣሎ እንክብሉ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት የብርሁ።

ሞራንዲ፡ ዛዕባ ስነ ሰብእ ዝወጸ ሰነድ ሶዶማዊ መውስቦ ፍቑድ ዝብል ሓሳብ የብሉን
20 December 2019, 17:31