ብፁዕ ካርዲናል ታግለን ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ተግባርን ብፁዕ ካርዲናል ታግለን ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ተግባርን 

ብፁዕ ካርዲናል ታግለን ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ተግባርን

እዞም 62 ዓመት ዝዕድመኦም ካብ ፊሊፒናዊ ኣቦን ቻይናዊ ኣናስር ካብ ዘለወን ኣደ ዝተወልዱ ብፁዕ ካርዲናል ታግለ፡ ኣስፍሆተ ወንጌል ካብ ናይ ምስማዕን ጽን ካብ ናይ ምባልን መንፈሳውነት እዩ ዝብገስ

ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ መፋርቅ ወርሒ ጥሪ 2020 ዓ.ም. ነቶም ናይ ኣህዛብ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ኰይኖም ንዘገልገሉ ብፁዕ ካርዲናል ፊሎኒ ንኽትክኡ ዝተሰምዩ ብፁዕ ካርዲናል ታግለ ሎሶርቫቶረ ሮማኖ ምስ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብ ምስማዕን ሕድ ሕዳዊ ሰብኣዊ ርክብን መንእሰያትን ደቀንስትዮን ኣብ ምውሳእን ክጸንዕ ከምዘለዎ የመላኽቱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ብሕይወቱ ናይ ክርስቶስ ፍቕርን ህላዌን ንኸራኽብ ዝተጸውዔ ምዃኑ እዞም ናይ ማኒላ ሊቀ ጳጳሳት ዕለት 8 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ነሕዛብ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ንኽዀኑ ብር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ዝተሰምዩ ብፁዕ ካርዲና ልዊስ ኣንቶኒዮ ጐኪም ታግለ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ መሕትት፡ ምስቲ እዋናዊ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ንሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘቕርቦ ብድሆታት ኣብዚ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ ዓለምን ተልእዀ ወንጌል ኪደቱ ከመይ ክኸውን ከምዘለዎ ዕለት 10 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ኣብ ማኒላ ብናይ መላእ ሃገራት እስያ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ዝምራሕ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ተቕዋም ሓቂ እተሰምየ መሪቖም ኣብ ዝኸፈትሉ ዕለት ዝገለጽዎ ሓሳብ ዘኪሮም፡ እቲ ዝተወሃቦም ሓድሽ ሓዋርያዊ ሓላፍነት ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣውኪፎም እዚ ሓድሽ ሓላፍነት’ዚ ድላይ እግዚኣብሔር ምዃኑ ጽኑዕ እምነት ከምዘለዎምን ቅዱስ ኣቦና ነዚ ሓድሽ ሓላፍነት ከምዝሰመዩኒ ዝገልጽ ዝለኣኹለይ ሰታሪት፡ ኣባይ ዘለዎም እምነት ዝገልጽ እዩ፡ ስለዚህ ኣነ እውን ነዚ ሓላፍነት’ዚ ብሓልዮት እግዚኣብሒር ብቑዕ ኰይነ ክርከብ ጸሎተይ እዩ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ፓውሎ ኣፋታቶ ገሊጾም።

ካብ ኣፍሪቃን እስያን ማእከላይ ምብራቕን ጃፓንን ካምቦጂያን ካብ ካልኦት ብዙሓት ሃራት እውን ናይ ርሑስ ምጅማር ሓድሽ ኣገልግሎት ዝብል ናይ ሓጐስ መግለጺ መልእኽት ብኢጦማር ከምዝበጸሖምን፡ እዚ ኸኣ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣስፍሆተ ወንጌል ቀንዲ ተግባር ምዃኑ ዘዘኻኽር እዩ።

እዞም 62 ዓመት ዝዕድመኦም ካብ ፊሊፒናዊ ኣቦን ቻይናዊ ኣናስር ካብ ዘለወን ኣደ ዝተወልዱ ብፁዕ ካርዲናል ታግለ፡ ኣስፍሆተ ወንጌል ካብ ናይ ምስማዕን ጽን ካብ ናይ ምባልን መንፈሳውነት እዩ ዝብገስ፡ ንእግዚኣብሔር ጽን ምባልን ንሓድ ሕድና ጽን ብምብህሃልን ብትዕግስትን ኣተኵሮን ዝፍጸም ኣገልግሎት እዩ። ብዙሕ እዋን ብዛዕባ ተራኽቦነትን ሓበሬታን መራኸቢ ብዙሓንን ክንሓስብ እንከሎና ህዉኽ ኣገባብ ክንፍጽም ንርከብ፡ ምርኻብን ሓበሬታ ምቕራብን ካብ ምስማዕን እዩ ክነቅል ዘለዎ፡ ብምሉእ ልባትካ ንኻልእ ጽን ምባል ከምዘድሊ ንዝንግዕ፡ ስለዚህ ናይ ጽን ምባልን ምስማዕን መፈሳውነት ንኣስፍሆተ ወንጌል መሰረት እዩ ይብሉ።

እቲ ናይ ማዕዝን መሰረት ዝዀነ ክርስቶስ ወንጌል ንኸነስፍሕ ይጽውዓና፡ ቅዱስ ኣቦና ምርኻብ ከምዘድልን ናይ ምርኻብ ባህሊ ዘለዎ ኣገዳስነት የተሓሳስቡ፡ ስለዚህ እዚ ምርኻብ’ዚ ንኣስፍሆተ ወንጌል መሰረታዊ ኣገባብ እዩ። ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌልን መራኸቢ ብዙሓንን ተግባር መንእሰያትን ደቀንስትዮን ተዋሰእቲ ክዀኑ ይግባእ፡ መንእሰይ ወለዶ ናይቲ ብስነ ኣሓዝ ዝተራቐ መራኸቢ ብዙሓን ዜጋ እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ኣብዚ ብስነ ኣሓዝ ኣብ ዝተራቐ ዓለም ናይ መንእሰይ ወለዶ ሓገዝን ሱታፌን ኣገዳሲ እዩ፡ ደቀንስትዮ ብኑባሬ ናይ ምርኻብ ክህሎት ዝተዓደላ እያተን፡ ብዙሕ ግዜ ይብሉ ናብ ወለደይ ስልኪ ክድውል እንከለዅ ኣቦይ ብዙሕ ተዛራባይ ኣይኰነን ከመይ ትኸውን ደሓን ዲኻ ምስ ተበሃሃልና ብቕልጡፍ በል ምስ ኣዴኻ ተዛረብ ቢሎ ነታ ስልኪ ነደይ እዩ ዝህባ፡ እዚ ጓለንስተይቲ ክሳብ ክንደይ ናይ ምርኻብን ሓድ ሕዳዊ ተራኽቦን ዘተን ክህሎት ዘለዋ ምዃኑ እዩ ዘረጋግጸለይ፡ ስለዚህ እዚ ክህሎተን’ዚ ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል ዓቢ ግደ ኣለዎ ምጥቃሙ የድሊ ኢሎም።

ቀጺሎም ብፁዕነቶም ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብድሆታት ብፍላይ ኣብ መራኸቢ ብዙሓንን ኣብዚ ብስነ ኣሓዝ ዝተራቐ ዓለም እናሓሰቡ፡ ኢደ ሰብ ሰርሖ ብልሕነት ዝንበረሉ ዘሎ እዋን ኢና እንርከ፡ ናይ ስነ ኣሓዛዊ ሰውራን መረብትን ዝሰፍሓሉ ዓለም፡ ኩሉ ኣብ መረብታዊ ተራኽቦነት እዩ ዝነብር ዘሎ፡ እዚ ባህሊ’ዚ ነቲ ዝነበረ ኣገባብ ርክባትን ምቅርራብን ኣካላውን ቀልባውን ርክባት ኵሉ ዝትንክፍ እዩ፡ ስለዚህ ኣስፍሆተ ወንጌል ነዚ ባህላዊ ሰውራ’ዚ ዓቢይ ግምት ዝህብን ዘቕርቦም ብድሆታት መምዩ ዝብድህ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣስፍሆተ ወንጌል ምቕራብ ይሓትት። እዚ ከምዚ ዓይነት ምርኻብ ዝንበሮ ዓለም ነቲ ካባኻ ዝተፈየ መጻእተይና ብቅድመ ፍርዲ ክትምልከቶን ክትፈርሖን ክትጥርጥሮን ዝድርኽ ዘሎ እዩ ዝመስል፡ ኩሉ ብመረብታዊ ርክባት ቀረባ ዝመስል እውን እንተዀነ ኣብ ምቕብባልን ምእንጋድን ድኹምን ምርሕሓቕን ዝብል እዩ ዝመስል፡ ብሓባር ግና ኣብ በይናውነት፡ ሕድ ሕዳዊ ምርሕሓቕ ዝዓሰሎ ዓይነት ምቅርራብ ዝረአይሉ እውን እዩ።

ኣስፍሆተ ወንጌል፡ ናብ ዓለም ኵሉ ኪዱ ወንጌል ኣብጽሑ እዩ፡ እዚ ምብጻሕ’ዚ ምርኻብ ማለት እዩ፡ ዝተራኸብካዮ ንኸተራኽቦ ዝብል እዩ፡ ስለዚህ ንኸተራኽቦ ቅድም ቀዳድም ምስማዕ ይሓትት። ናይ ክርስቶስ ምጽንናዕን ሓልዮትን ምብሳር ቢሎም፡ ምልስ ቢሎም ኣብ ቀረባ እዋን ንናይ ሰበኻኦም ምእመናን፡ ኣስፍሆተ ወንጌል ባዕላዊ ተፍጻም ዘይኰነ ምስ ካልኦት ብሓባር ከይንካ ዝፍጸም እዩ ዝበልዎ ሓሳብ ዘኪሮም፡ ብፍላይ ምስ ክርስቶ ኰይንካ ዝፍጸም እዩ፡ ኣስፍሆተ ወንጌል ምክበባዊ እዩ፡ ኵለንተናዊ ምዃን ቤተ ክርስቲያን ኣስፍሆተ ወንጌል እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ምስጢረ ጥምቀት ዝተቐበለ ሰብ ብኽርስቶስ ንኣስፍሆተ ወንጌል ዝተጸውዔ እዩ፡ ክርስቶስ ምምስካር እዩ፡ እዚ ማለት ምስ ክርስቶስ መስቀል ተሰኪምካን ናቱ ፍቕሪ እናነበርካን እናካፈልካን ምስ እትራኸቦምን ንመላእ ዓለምን ብፍላይ ነቶም ድኹማትን ድኻታን ዝተናዕቁን ዝተረስዑን ምቕራብ፡ ናይ ክርስቶስ ፍቕሪ ምቕራብ ማለት እዩ ምስ በሉ ኣብ ማኒላ ንድኻታትን ዝተናዕቁን ፍቕሪ ክርስቶስ ምብጻሕ ዝብል ኣብ ግብረ ሰናይ ዝጸንዔ ዘበገስዎ ኣስፍሆተ ወንጌል ሕያዋይ ጓሳ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ምስፋሕ ማለት ምዃኑን ኣብ ካልኦት ዝግለጽ ክርስቶስ ብምእንጋድ ወንጌል ምስፋሕ ንተግባር ኣስፍሆተ ወንጌል መሰረታዊ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከምዘጠቓለሉ ኣፋታቲ ገሊጾም።

ብፁዕ ካርዲናል ታግለን ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ተግባርን
12 December 2019, 16:58