ቅድስቲ መንበር ኣብ ዓውደ ኣኼባ ናይ ትምህርቲ ሚኒስትራት ቤት ምኽሪ ሕብረት ኤውሮጳ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዓውደ ኣኼባ ናይ ትምህርቲ ሚኒስትራት ቤት ምኽሪ ሕብረት ኤውሮጳ 

ቅድስቲ መንበር ኣብ ዓውደ ኣኼባ ናይ ትምህርቲ ሚኒስትራት ቤት ምኽሪ ሕብረት ኤውሮጳ

ካብቲ ተባዕትን ኣንስትን ዝብል መሰረታዊ ፍልልይ ወጻኢ ካልእ ዓይነት ጾታ እውን ኣሎ ዝብል ሓድሽ ኣመለኻኽታ ነቲ ባህርያዊ ጾታዊ መንነት ዘዛብዕ ምዃኑ ብዝገልጽ ትንታነ ኣሰንያ

ዕለት 26 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ኣብ ፓሪስ ናይ ትምህርቲ ሚንስትራ ቤት ምኽሪ ሕብረት ኤውሮጳ ስነ ዜግነት (ዜግነታዊ) ሕንጸት ኣብ እዋን ብስነ ኣሓዝ ዝተራቐ ዓለም ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣማእኪሉ ኣብ ዘካይደዶ ዓውደ ኣኼባ ጉጅለ ልኡኻን ቅድስቲ መንበር ከምእተሳተፈ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ብስነ ኣሃዝ እናተራቀ ዝኸይድ ዘሎ ምዕባለ ንናይ 21 ክፍለ ዘመን ኣቢያተ ትምህርቲ ዓቢይ ብድሆ እዩ፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ሓድሽን ማእለያ ዘይብሉ ዕቑር ክህሎት ዘለዎ መጋበሪያ ክኸውን እንከሎ ብኻልእ መዳይ እውን ዝድርቶ ስነ ምግባራዊ መምዘኒ ዘድልዮ ምዃኑ ካብቲ ዘለዎ ዕቑር ሓይሊ ንምስትውዓል ዝክኣል ይኸውን። እዚ መጋብርያ እዚ ንናይ ውልቂ ናይ ግላውነት ቦታ ዝፍንጽግን ንዓለቐይንናነት ሓደጋ ዘቃልዕን ኰይኑ ይርከብ፡ ነዚ ዅሉ እቲ ዕለት 26 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ኣብ ፓሪስ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ትምህርቲ ጉዳይ ሚንስትራት ቤት ምኽሪ ዝዘተየሉ ሓሳብ ክኸወን እንከሎ፡

ናይ ስነ ሕንጸት ውዕሊ ዳግም ምሕናጽ

ቅድስቲ መንበር ካብ 1962 ዓ.ም. ኣትሒዛ ኣብቲ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ሕንጸት ውዕሊ ጽንብርቲ ከምዝዀነት ክንገር እንከሎ፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ቅድስቲ መንበር ወኪሎም ብናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡካን ኣማኻሪ ብፁዕ ኣቡነ ዮቭኮ ፒስቲይስኪ ዝተሰነዩ ኣብ ስትራስበርግ ቤት ምኽሪ ሕብረት ኤውሮጳ ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፓውሎ ሩደሊ ከምእተሳተፉ ክሕበር እንከሎ፡ ብፁዕ ኣቡነ ሩደሊ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ናይ ስነ ሕንጸት ውዕላት ንእውናዊ ኩነት ግምት ብዝብህ ኣገባብ ዳግም ሕንጸጻ ከምዘድልዮን፡ ተመሃሮን ኣባይቲ ስድራን ብቐዳምነት ቀንደይና ተዋሳእነቶም ዝቕበል ንናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ኵለንተናዊ ኣንፈቱ፡ ሰብኣውን መንፈሳውን መዳያቱ ክፉት ዝዀነ መንእሰይ ወለዶ ናይ ማሕበረስቡን ሃገሩን ናይ ሓባር ቤትናን ተኸናኻኒ ምዃን ዝብል ሓላፍነቱ ዘጠቓልል ይኹን እንክብሉ ዘቕረብዎ ጻውዒት ከምዘቃልሑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ናይ ቅድስቲ መንበር መርገጽን ናይ ሓባር ውሳኔን

ኣባይቲ ትምህርቲ ካብ ዕሸልነት ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ትምህርቲ ናይ ምርካብ መሰል ዝውሕስ ኰይኑ ብቑዕ ኣፍልጦን ንግቡእ ኣጠቓቕማ ዛዕባ ብስነ ኣሓዝ ዝተራቐ ምዕባለን ኣብ ደሞክራሲያዊ ሕብረተሰብ ንኽነብር ዘሰናድዎን ኩሉ ንምቕባል ዘይኰነ ኩነታት ዓለም ናይ ምንባብን ህየሳን መንፈስ ዘለዎ ክኸውን ዝድግፍን ኣብ ማሕበራውን ዜጋውን ምህዳራውን ሓላፍነት ዝሓንጽ ክኸውን ናይ ትምህርቲ ጉዳይ ሚኒስትራት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብቲ ኣብ ፓሪስ ኣብ ዘካየድዎ ዓውደ ኣኼባ ከምዘስመሩሉ ይሕበር።

እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ዘውጸኦ ናይ ሓባር ውሳኔ ቅድስቲ መንበር ብልኡኻናታ ኣቢላ ክትቕበሎ እንከላ፡ ዓይነት ወይ ኣገባብ ቅቡል ዝበሃል ኣመለኻኽታ ዝቐርብ ናይ ስነ ጾታ ዝምልከት ትንታነ፡ ካብቲ ተባዕትን ኣንስትን ዝብል መሰረታዊ ፍልልይ ወጻኢ ካልእ ዓይነት ጾታ እውን ኣሎ ዝብል ሓድሽ ኣመለኻኽታ ነቲ ባህርያዊ ጾታዊ መንነት ዘዛብዕ ምዃኑ ብዝገልጽ ትንታነ ኣሰንያ ከምዝዀ ብምምልካት እዩ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ናይ ፈረንሳ ሚንስትር ትምህርት፡ ኣብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ዝቐርብ ናይ ስነ ታሪኽ ትምህርቲ ዝዕዘብ ኣካል ኣብ ቤት ምኽሪ ሕብረት ኤውሮጵ ክቐውም ዝብል ዘቕረቦ ሓሳብ መሰረት እውን ሰፊሕ ምምይጥ ዘካየደ ዓውደ ኣኼ ምንባሩ ተሓቢሩ።

ቅድስቲ መንበር ኣብ ዓውደ ኣኼባ ናይ ትምህርቲ ሚኒስትራት ቤት ምኽሪ ሕብረት ኤውሮጳ
03 December 2019, 16:34