ፍቕሪ ብሓቂ ዓዋዲት መልእኽቲ፥ ድልድል ኣብ መንጐ ጳውሎስ ሻድሻይን ፍራንቸስኮን

ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድራዊ ሕይወቱ ዝመስከሮ ፍቕሪ ብሓቂ ብፍላይ ብሞቱን ትንሳኤኡን ንናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብን መላእ ሰብኣዊ ፍጥረትን ንእውነተይና ምዕባለ መሰረታዊ ደራኺ ሓይሊ እዩ

ዕለት 3 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ብምኽንያት ዝኽሪ ዓስራይ ዓመት ናይ በነዲክቶስ መበል 16 ዓዋዲት መልእኽቲ ፍቕሪ ብሓቂ ኣገልግሎት ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ናይ ምዕባለ ህልዮን ትግባረን ብዝብል ኣርእስቲ ዘሰናደዎ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ምርምር ተቕዋም ፒዮስ ራብዓይ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ከምእተኻየደን እታ ዓዋዲት መልእኽቲ ሎሚ እውን ንእዋናዊ ዓለም እተቕርቦ ትምህርቲ ኣነጺሩ ዘመላኸተ ዓውደ መጽናዕቲ ምንባሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካ

እቲ ናይ ሎሚ ዓሰርተ ዓመት በነዲክቶስ መበል 16 ፍቕሪ ብሓቂ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ ሎሚ ካብ ቀደም እዋናዊትን ክንየው ኤኮኖምን ግኡዛውነትን ሰብኣዊ ክብሪ እተመላኽትን ማእከል ገይሩ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ መጽናዕቲ እታ ዓዋዲት መልእኽቲ ድልድል ኣብ መንጐ ጳውሎስ ሻድሻይን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ከምዝዀነት ዘመላኸተ እውን ምንባሩ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ሎሞናኰ ኣስዒቦም፡

ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድራዊ ሕይወቱ ዝመስከሮ ፍቕሪ ብሓቂ ብፍላይ ብሞቱን ትንሳኤኡን ንናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብን መላእ ሰብኣዊ ፍጥረትን ንእውነተይና ምዕባለ መሰረታዊ ደራኺ ሓይሊ እዩ፡ ሰብኣዊ ፍጥረ ብትብዓትን ልግስናን ኣብ ዓውዲ ፍትሕን ሰላምን ኣበርቲዑ ንኽዓዩ ዘነቓቕሕ ፍልዩ ሓይሊ እዩ (ፍቕሪ ብሓቂ, በነዲክቶስ መበል 16)

ካብ ምዕባለ ኣሕዛብ ናብ ፍቕሪ ብሓቂ

እታ ፍሪቕሪ ብሓቂ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ፡ ኣናስራ ኣብታ ንጽብሒቱ ኣብ ምዝዛም ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን  ጳውሎስ ሻድሻይ ምዕባለ ኣሕዛብ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ ዘንበረት ከምዝዀነትን፡

ምዕባለ ኣብ ኤኮኖሚያዊ መዳይ ጥራሕ ዝነኣስ ዘይኰነ፡ ሓቀይና ምዕባለ ኵለንተናውነት እዩ፡ እዚ ማለት ከኣ ንንፍሲ ወከፍ ሰብን ኵለንተናውነት ሰብ ዘነቓቕሕ ማለት እዩ፡ … እቲ ዘገድስ ሰብ እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ጉጅለ፡ ክሳብ መላእ ሰብኣዊ ፍጥረት ዘሳዅዕ (ምዕባለ ኣሕዛብ፡ ጳውሎስ ሻድሻይ)

ሓቀይና ምዕባለ ኵለንተናዊ ሰብ ዝምልከት እዩ

በነዲክቶ መበል 16 ኣብታ ናይ ር.ሊ.ጳ. ሞንቲኒ (ጳውሎስ ሻድሻይ) ዓዋዲት መልእኽቲ ተወኪሶም፡ ሓቀይና ሰብኣዊ ምዕባለ ምሉእነት ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብዅሉ ማዕዝናቱ ዘጠቓልል እዩ፡ ብዘይ ርእየት ዘለኣለማዊ ሕይወት ይብሉ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብታ ዓዋዲት መልእኽቶም፥ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣብዚ ዓለም’ዚ ኣልቦ እስትንፋስ እዩ ዝኸውን፡ ኣብ ታሪኽ ዕጹው ይኽውን፡ እዚ ኸኣ ምዕባለ ኣብ ነገራት ምኽዕባት ናብ ዝብል ኵነት የውርዶ እሞ፡ ሰብኣዊ ፍጥረት ውልቃዊ ረብሓ ዝብል ኰይኑ ነቲ ኵለንተናዊ ፍቕሪ ንዝላበዎም ልዑላን ነገራት ክፉት ናይ ምዃን ትብዓት ዘይብሉ ይገብር ይብሉ።

ካብ ፍቕሪ ብሓቂ ናብ ይሴባሕ

ፍቕሪ ብሓቂ ናይ በነዲክቶስ መበል 16 ዓዋዲት መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ኣብታ ይዜባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ኣብዚሖም ይወከሱ፡

በነዲክቶስ መበል 16 እቲ ናይ ዓለም ኤኮኖሚ ትፍጻሜታቱ ስሉጥ ክይከውን ዝድርኽ ቅርጽታትን ነቲ ምህዳር (ከባቢ) ምኽባር ዝብል ዕሴት ንምውሓስ ብቕዓት ዘይብሉን ንምዕባለ ከም ኣገባባት እንጥቅመሎም ሜላታቱ ኵሉ ንምውጋድ ትብዓት ይሃሉ እንክብሉ ይዕድሙ። ዓለም ቆንጺብካ ንበይኑ ምትንታን ዝብል ከይዲ ክውገድ ኣለዎ፡ ስለምንታይ እቲ ናይ ፍጥረት መጽሓፍ ሓደን ዘይገማማዕን ምህዳርን ሕይወትን ስነ ጾታን ስድራ ቤትን ማሕበራዊ ተራኽቦነትን ዝኣመሰሉ ካልኦት መዳያት እውን ዘጠቓልል ስለ ዝዀነ፡ ነዚ ስዒቡ እቲ ዝርአይ ዘሎ ዕንወት ፍጥረት ምስቲ ንማሕበራዊ ሕይወት ቅርጺ ዘትሕዝ ባህሊ ጽዑቕ ምትእስሳር ዘለዎ እዩ (ይሴባሕ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ)

እዋናውነት ዓዋዲት መልእኽቲ ፍቕሪ ብሓቂ

ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ንናይቲ ብድላይን ውሳኔን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝቖመ ኣገግሎት ኵለተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ሕመረት ተልእዀኡ እዩ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እቲ ዓስራይ ዓመት ፍቕሪ ብሓቂ ዓዋዲት መልእኽቲ ምኽንያት ኣብ ፒዮስ ራብዓይ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ናይ ምዕባለ ህልዮን ትግባረን ብዝብል ኣርእስቲ በቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ተሰናድዩ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ መጽናዕቲ፡ ብሓባር ምስ ክኢላታትን ናይ ቤተ ክርስቲያን ወከልትን  ውሩያት ናይ ስነ ኤኮኖሚ ሊቃውንትን ናይ መናብርተ ጥበብ ዓበይቲ መምሃራንን ናይ ዝተፈላለያ ናይ ዘይመንግስታውያንን መንግስታውያንን ውድባት ሓለፍትን እታ ናይ በነዲክቶ መበል 16 ፍቕሪ ብሓቂ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ንእዋናዊ ዓለም ዘለዎ ዕቁር ማሕታ ፈልዩን ኣዕሚቍን ንምምልካት ዝሃቀነ ምንባሩ ሎሞናኰ ኣፍሊጦም።

ፍቕሪ ብሓቂ ዓዋዲት መልእኽቲ፥ ድልድል ኣብ መንጐ ጳውሎስ ሻድሻይን ፍራንቸስኮን

Photogallery

ፍቕሪ ብሓቂ ዓዋዲት መልእኽቲ፥ ድልድል ኣብ መንጐ ጳውሎስ ሻድሻይን ፍራንቸስኮን
04 December 2019, 17:18