ካርዲናል ታግለ ሓድሽ ናይ ስብከተ ወንጌል ነሕዛብ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ካርዲናል ታግለ ሓድሽ ናይ ስብከተ ወንጌል ነሕዛብ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ  

ካርዲናል ታግለ ሓድሽ ናይ ስብከተ ወንጌል ነሕዛብ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ

ብበነዲክቶስ መበል 16 ናይ ማኒላ ሊቀ ጳጳሳት ተሰምዮምን ሓደ ካብቶም ብበነዲክቶስ መበል 16 ካርዲናል ዝተሰምዩ እዮም። ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ኣቦ መበርን ናይ ካቶሊክ ፈደራላዊ ማሕበር ቅዱስ መጽሓፍ እውን ኣቦ መንበር ኰይኖም ከምዘገልገሉን

ናይ ስብከተ ወንጌል ነህዛብ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ኰይኖም ንነዊሕ ዓመታት ንዘገልገሉ ብፁዕ ካርዲናል ፊሎኒ ናይ ቅዱስ መቓብር ማሕበር ዓቢይ መምህርን ብፁዕ ካርዲናል ታግለ ናይ ስብከተ ወንጌል ነህዛብ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ንኽዀኑ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምእተሰምዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገአ ቫቲካን

ኣብ ፊሊፒንስ ናይ ርእሰ ከተማ ማኒላ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ልዊስ ኣንቶኒዮ ታግለ ነቶም ናይ ስብከተ ወንጌል ነህዛብ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ኰይኖም ንዘገልገሉ ብፁዕ ካርዲናል ፈርናንዶ ፊሎኒ ንኽትክኡ ብቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምእተሰምዩን፡ ካርዲናል ፊሎኒ እውን ነቶም ናይ ቅዱስ መቓብር ማሕበር ዓቢይ መምህር ኰይኖም ንዘገልገሉ ዘለዉ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. 80 ዓመት ዕድመኦም ንዝመልኡ ብሕገ ቀኖና መሰረት ናብ ልሂቅነት ንዝሰጋገሩ ንብፁዕ ካርዲናል ኤድዊን ፍረደሪክ ኦብራይን ንኽትክኡ ብቕዱስነቶም ከምእተሰምዩ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ነቲ ካብ 2006 ክሳብ 2011 ዓ.ም. ብህንዳዊ ተወላዲ እስያ ካርዲናል ኢቫን ዲያስ ደሓር እውን ብብፁዕ ካርዲናል ፊሎኒ ህየተነት ዝምራሕ ዝነበረ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ነህዛብ ዝሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ንኽዀኑ ፊሊፒናዊ ተወላዲ ክፍለ ዓለም እስያ ናይ ማኒላ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ልዊስ ኣንቶኒዮ ታግለ ብቕዱስ ኣቦና ከምእተሰምዩ ዕለት 8 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም.  ዝወጸ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ፥ ብፁዕ ካርዲናል ልዊስ ኣንቶኒዮ ጐኪም ታግለ ዕለት 21 ሰነ 1957 ዓ.ም. ኣብ ናይ ፊሊፒንስ ርእሰ ከተማ ማኒላ ካብ ካቶሊካዊት ስድራ  ካብ ፊሊፒናዊ ዓሌት ታጋሎግ ኣቦኦምን ካብ ቻይናዊ መበቆል ዘለወን ኣደ ዝተወልዱን ኣብ 1982 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉን፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፍልቀት ኣምር ኤጲስ ቆጶሳዊ ሲኖዶሳውነት ካብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ንነጀው ብዝብል ኣርእስቲ ብዝደረስው ናይ መጽናዕቲ መጽሓፍ  ብቲዮሎጊያ ሊቅነት ዘመስከሩን፡ ኣብ ሮማ ንቐጻሊ ሸውዓተ ዓመታት ቲዮሎጊያዊ ስነ ምርምር መጽናዕቲ ኣዕሚቖምን ኣብ 1997 ዓ.ም. ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ቲዮሎጊያ ድርገት ኣባ ኰይኖም ከምእተሰምዩ የዘኻኽር።

ኣብ ፊሊፒንስ ናይ ካቴድራል ኢሙስ ቆሞስ ኰይኖም ኣብ ዘገልግልሉ ዝነበረ እዋን ኣብ 44 ዓመት ዕድመኦም ብቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ኢሙስ ሰበኻ ጳጳስ ንኽዀኑ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2001 ዓም. ተሰምዮምን ኣብ ናይ መንእሰያት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብዕምቆት ዝመርሑን ንፈለማ ግዜ እስያዊ ቅነ ካቶሊካውያን መንእሰያት ዘበገሱ ከምዝዀኑን ዕለት 13 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም. ብበነዲክቶስ መበል 16 ናይ ማኒላ ሊቀ ጳጳሳት ተሰምዮምን ሓደ ካብቶም ብበነዲክቶስ መበል 16 ካርዲናል ዝተሰምዩ እዮም። ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ኣቦ መበርን ናይ ካቶሊክ ፈደራላዊ ማሕበር ቅዱስ መጽሓፍ እውን ኣቦ መንበር ኰይኖም ከምዘገልገሉን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ፡ ሓላፍነቶም ብወግዒ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2020 ዓ.ም. ከምዝርከቡ ይሕብር።

ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ነህዛብ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ዘገልገሉ ብብፁዕ ካርዲናል ታግለ ዝተተክኡ 73 ዓመት ዝዕድመኦም ብፁዕ ካርዲናል ፈርናንዶ ፊሎኒ ናይ ቅዱስ መቓብር ማሕበር ዓቢይ መምህር ኰይኖም ከምእተሰምዩ ዝሓበረ ናይ ቅድስድቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ብፁዕ ካርዲናል ፊሎኒ ካብ 2001 ክሳብ 2006 ዓ.ም. ኣብ ኢራቕ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ 2003 ዓ.ም. ኣብቲ ጽንኩር ናይ ውግእ እዋን ምስ ሕዝቢ ዒራቕ ዝበሉን ደሓር እውን ንሓደ ዓመት ኣብ ፊሊፒንስ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኰይኖም ኣብ ምግልጋል እንከለዉ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌልን ነህዛብ ዝሓልዩ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ንኽዀኑ ተሓርዮም ካብ 2011 ዓ.ም. ክሳብ 2019 ዓ.ም. ኣብዚ ሓዋርያዊ ሓላፍነት ዘገልገሉን እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘኻዕበትዎ ተመክሮ ነቲ ናይ ቅዱስ መቓብር ማሕበር ዓቢይ መምህር ንኽዀኑ ንዝተወሃቦም ሓድሽ ሓላፍነት ዓቢይ ድጋፍ ከምዝዀኖም እውን የመላኽት።

ካርዲናል ታግለ ሓድሽ ናይ ስብከተ ወንጌል ነሕዛብ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ
09 December 2019, 17:03