ድለ

ዝኽሪ 10 ዓመት ናይ በነዲክቶስ መበል 16 ፍቕሪ ብሓቂ ዘርእታ ዓዋቲት መልእኽቲ ዝኽሪ 10 ዓመት ናይ በነዲክቶስ መበል 16 ፍቕሪ ብሓቂ ዘርእታ ዓዋቲት መልእኽቲ 

ዝኽሪ 10 ዓመት ናይ በነዲክቶስ መበል 16 ፍቕሪ ብሓቂ ዘርእታ ዓዋቲት መልእኽቲ

ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ውሳኔ ዝቖመ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት፡ ንናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ዘበርክቶ ኣስተዋጽኦ

ናይ ቅድስቲ መንበር ኣግልግሎት ኵለንታናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብምኽንያት ዝኽሪ 10 ዓመት ፍቕሪ ብሓቂ ዘርእስታ ናይ በነዲክቶስ መበል 16 ዓዋዲት መልእኽቲ፡ ዛዕባ ኵለንተናዊ ምዕባለ ዘማእከለ ዘሰናደዎ ዓውደ ጉባኤ ሎሚ ዕለት 3 ታሕሳስ 2019 ዓም. ከምእተኻየደ ናይቲ ላዕለዋ ቤት ጽሕፈት መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እዚ ናይ ምዕባለ ህልዮን ተግባርን ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ብምኽንያት ዝኽሪ 10 ዓመት ዓዋዲት መልእክቲ ፍቕሪ ብሓቂ ዓዋዲትመእክቲ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ መጽናዕቲ፡ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ፒስዮ ራብዓይ ኣብ ናይ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ምርምር ተቕዋም ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ናይ ቅድስቲ መንበር ኣገልግሎት ኵለተናዊ ሰብኣዊ ዕበየት ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ቱርክሶን ኣስዒቦም እውን ናይ ማሕበር ፍቕሪ ብሓቂ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ሲልቫኖ ማሪያ ቶማሲ ብዘስምዕዎ መደረ ዝተበገሰ ከምዝነበረን፡

ዝተሰምዑ መደረታትን ናይታ ዓዋዲት መልእኽቲ ማሕታን

ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ውሳኔ ዝቖመ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት፡ ንናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ዘበርክቶ ኣስተዋጽኦ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ዝጸንዔ ከምዝዀነን በዚ ምኽንያት’ዚ ኣብታ ናይ በነዲክቶስ መበል 16 ፍቕሪ ብሓቂ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ዘማእከለ ዓውደ ጉባኤ ምስ ዝኽሪ 10 ዓመት እታ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣተሓሒዙ ዝመኸረ ኰይኑ፡ እዛ ናይ በነዲክቶስ መበል 16 ዓዋዲት መልእኽቲ ናይታ ሕዝባዊ ምዕባለ ዘርእስታ ናይ ጳውሎስ ሻድሻይ ዓዋዲት ምልእኽቲ ኣንፈት እትስዕብ እያ፡ ንናይ ኵሉ ረብሓ ዝብል ስብኣዊ ፍጥረት ብኵለንተናዊ ዝምልከት ነቲ ዘለዎ ናይ ምዕባለ ጸዋዕታ ብስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ንምምስራቕ ሓቂኖም ካብ ዝካየዱ ዓውደ ጉባኤታት ሓደ እዩ ኢሎም።

ቤተ ክርስቲያን ብመሰረት ስልጣናዊ ትምህርታ ኣቢላ እትህቦ ኣበርክቶን ዓለም ሓቆፍ ማሕበራትን ዘይመንግስታውያን ማሕበራት እውን ኣበርክቶኤን ብጥልቂ ዝምርምርን ኣብዚ ኣበርክቶ’ዚ እወታዊ ጽልዋ ዓዋዲት መልእክቲ ፍቕሪ ብሓቂ ፈልዩ ዘመላኸተ እውን ምዃኑ ሓቢሮም። ኣብ መዳይ ኣገልግሎት ሰብኣዊ ምዕባለ ዓቢይ ተፈላጥነት ዘለዎም ኣካላት ከምእተሳተፉን መደረ እውን ከምዘስምዑ ሓቢሮም።

ፍቕሪ ብሓቂ

እታ ፍቕሪ ብሓቂ ዘርእስታ ናይ በነድክቶስ መበል 16 ዓዋዲት መልእኽቲ ዕለት 29 ሰነ 2009 ዓ.ም. ኣብ መበል 40 ዓመት ዝኽሪ ናይታ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ሰብኣዊ ምዕባለ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ወግዓዊ ከምዝዀነት እውን ኣዘኻኺሮም፡ ብመንጽር ክልተኣተን ዓዋዲያን መልእኽቲ፡ ኣብ ሰብኣዊ ምህዳር ዘተኰረ ምዕባለ ምንቕቓሕ ዝብል እዩ፡ ኣብታ ዓዋዲት መልእኽቲ ፍቕሪ ብሓቂ ፍቕዲ 11 እውነተይና ምዕባለ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኵለንተናውነት ዝምልከት እዩ ኢሎም።

ኵነት

እታ ናይ በነዲክቶስ መበል 16 ፍቕሪ ብሓቂ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣብቲ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ዝነበረ ዓለማዊ ኪደት ዝረገጸት ብዛዕባ ዓውሎማነትን ምዝመዛ ጸጋታት ፍጥረትን ተፈጥሮን ሓደስቲ መጋበርያ መራኸቢ ብዙሓንን ዓለም ሓቆፍ ቅልውላው ኤኮኖምን ቁጠባን፡ ኢንዳትሪታትን ህብረ ኢንዳስትርን ካልእ መሰል ዓበይቲ ማሕበራውን ሰብኣዊ ፖለቲካውን ቅልውላው ከም ኵነት ዘንበረት እያ፡ እዚ ኸኣ ማሕበራዊ ሕቶ ብመሰረት ስነ ሰብእ ዝምልከት ክኸውን እንከሎ (ፍቕዲ 75)፡ ሰብኣዊ ሓቅነት ኣብ ክርስቶስ ምዃንና ዝድለን፡ … እውነተይና ምዕባለ ኣብ ናይ ክርስቶስ ፍቕሪ ኣስተንፍሶ ዘለዎ ከምዝዀነ (ፍቕዲ 1) ምዕባለ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ጸዋዕታ ካብ ኰነ ኣብዚ ፍቕሪ እዚ ዝጸንዔ ምዕባለ እዩ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ቀጻልነት ዘለዎ ምዃኑ ዘመላኸተ ዓውደ መጽናዕቲ እውን እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ዝኽሪ 10 ዓመት ናይ በነዲክቶስ መበል 16 ፍቕሪ ብሓቂ ዘርእታ ዓዋቲት መልእኽቲ
03 December 2019, 16:30