ር.ሊ.ጳ. ንናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ኤኮኖሚ ጉዳይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ሓድሽ ሓላፊ ሰምዮም ር.ሊ.ጳ. ንናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ኤኮኖሚ ጉዳይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ሓድሽ ሓላፊ ሰምዮም 

ር.ሊ.ጳ. ንናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ኤኮኖሚ ጉዳይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ሓድሽ ሓላፊ ሰምዮም

ብር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅድስቲ መንበር ንኸገልግሉ ንዝተወሃቦም ሓድሽ ሓላፍነት ብተኣዝዞን ብትሕትናን እቕበል

ኣብ ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ጠቕላሊ ሓልቓ ኣማኻሪ ኣባ ጉወረሮ ኣልቨስ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ኤኮኖሚ ጉዳይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ንዝነበሩ ብፁዕ ካርዲናል ጆርጅ ፐል ንኽትክኡ ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ተሰምዮም። ሓድሽ ህይነተ ኣባ ኣልቨስ ኣብዚ ብተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተጸዋዕኵሉ ሓድሽ ተልእዀ ብምሉእ ዓቕመይን ክእለተይን ከገልግል ስንድው እየ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

60 ዓመት ዝዕድመኦም ተወላዲ ስፐይን ናይ ኢየሱሳውያን መማክርት ጠቕላሊ ሓለቓ ኣማኻሪ ኣባ ጉወረሮ፥ ብቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ንዝተወሃቦም ተልእዀ ብሓጐስ እቕበል ቢሎም፡ ማሕላ ተኣዝዞ ኣብ ዘይሓሰብክዎ ኣገልግሎት ንኽርከብ ከምዝገበሮምን ይኹን ደኣ እምበር ብቐጥታ ካብ ር.ሊ.ጳ. ሓላፍነት ክወሃበኒ ዝብል ሓሳብ ኣይነበረንን ክብሉ ገሊጾም፡ ተኣዝዞ ምስ ጐይታ ዘራኽብ ሓለፋ ስፍራ እዩ ኢሎም።

ብጠቕላሊ ሓለቓ ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ሶዛ ኣብ ሮማ ኣማኻሪ ጠቕላሊ ሓለቓ ኰይኖም ንኸገልግሉ ቅድሚ ምስያሞም ኣብ ሞዛምቢክ የገልግሉ ከምዝነበሩን፡ ነዚ ሓድሽ ሓላፍነት’ዚ ብተኣዝዞ ተቐቢሎም ኣብ ሮማ ናይ ኢየሱሳውያን ጠቕላሊ ሓለቓ ሕንጻ መጺኦም ኣብ ምግልጋል እንከለዉ፡ እነሆ ሕጂ ከኣ ብቐጥታ ብር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅድስቲ መንበር ንኸገልግሉ ንዝተወሃቦም ሓድሽ ሓላፍነት ብተኣዝዞን ብትሕትናን እቕበል ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ኣባ ጉወረሮ ኣብ 1959 ዓ.ም. ኣብ ስፐን ዝተወልዱን ኣብ 20 ዓመት ዕድመኦም ኣብ ዘርኣ ክህነት ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣትዮም ኣብ ስፐይንን ብራዚልን ፈረንሳን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተመሃሩን፡ ኣብ 1986 ዓ.ም. ብስነ ኤኮኖሚ ኣብ 1993 ዓ.ም. ብፍልስፍና ኣብ 1994 ዓ.ም. ብቲዮሎጊያ ዝተመረቑን ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ኮሚላስ ብፍልስፍና ሊቕነት ዘመስከሩን፡ ኣብ ስፐይን ናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን ተመካርያን ሓለቓ ደሓር እውን ኣብ ስፐይን ናይ ካስቲላ ማሕበር ኢየሱሳውን ሓለቓን፡ ኣብ 2014 ዓ.ም. ንወንጌላዊ ኣገልግሎት ናብ ሞዛምቢክ ተላኢኾም ኣብ ምግልጋል ከምዝነበሩ ኣፍሊጡ።

ጣሊያንይናን ፍረንሳይናን እንግሊዘይና ፖርቱገዝን ስፓንሽን ቋንቋታት ዝዛረቡን ኣብ ኵርያ ሮማና ንኸገግሉ እዚ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተወሃቦም ሓላፍነት ፈለማ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣብዚ ዝተወሃቦም ሓድሽ ሓላፍነት ብተኣዝዞን ብምሉእ ሓይሎምን ብቕዓቶምን ብትሕትና ንኸገልግል ቅዱስነቶም ዝሃቡኒ ሓድሽ ሓላፍነት እቕበል ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተን መግለጺ ኣፍሊጡ፡ ብዝተወሃቦም ሓድሽ ሓላፍነት ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ጠቕላሊ ሓለቓ ኣባ ሶዛ እውን ሓጐሶም ገሊጾም፡ ኣባ ጉወረሮ  ዝተሃብዎም ሓድሽ ሓላፍነት ፈጺሞም ናይ ኣገግሎት ዘመኖም ኣብቂዖም ናብ ማሕበሮም ተመሊሶም ከገልግሉ መታን ማዕርገ ጵጵስና ከየስዕበሎም ዝብል ስምምዕ ምስ ቅዱስ ኣቦና ከምዝገበሩ እውን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ፡ ኣባ ጉወረሮ ዝተወሃቦም ሓድሽ ሓላፍነት ኣብ ወርሒ ጥሪ 2020 ዓ.ም. ብወግዒ ክጅምሩ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ንናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ኤኮኖሚ ጉዳይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ሓድሽ ህየንተ ሰምዮም
15 November 2019, 17:20