ውሳኔ ሰብኣዊ ሕውነት ናብ ርሑቕ ምስራቕ ገጹ እውን የብል ውሳኔ ሰብኣዊ ሕውነት ናብ ርሑቕ ምስራቕ ገጹ እውን የብል  ርእሰ ዓንቀጽ

ውሳኔ ሰብኣዊ ሕውነት ናብ ርሑቕ ምስራቕ ገጹ እውን የብል

ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ኣብ ታይላንድ ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ እውን እንተዀነ ኣብ ታይላንድ ናይ ዘሎን ትግቡር ዝዀነን ናይ ሓይማኖት ናጽነት ውሳኔ ዘስተማቕር ምዃኑ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ታይላንድ ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዕለት 22 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ምስ ልዑል ፓትሪያርክ ናይ ታይላንድ ሃይማኖቶ ብዱሃ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፡ ንልዑል ፓትሪያር እታ ኣብ ኣቡ ዳቢይ ምስ ናይ ምስሪ ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቱ ብሓባር ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበርዎ ሰነድ ገጸ በረኸት ከምዘቕረቡሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ - Andrea Torniellii ካብ ኣይላንድ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ርእሰ ዓንቀጽ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ታይላንድ ናይ ቀዳማይ መዓልቲ ዑደቶም ውዕሎ ኣብ ብሔራዊ ናይ ስፖርት ሜዳ ነቲ ኣብ እምነት ንኸጽንዕዎ ዝተራኸብዎ ውሁዳን ካቶሊክ ክፍሊ ማሕበረሰብ ታይላንድ ብዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምእተዛዘመ ቶርኒየሊ ኣብ ዘውጽእዎ ርእሰ ዓንቀጽ ሓቢሮም፡ እታ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተሰዱ ዜጋታት እተእንግድ ሃገረ ታይላንድ ኣብዚ እተሳልጦ ግብረ እንገዳ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ድጋፍን ምትሕብባርን ክገርብ ቅዱስነቶም ጻውዒት ክምዘቕረቡን፡  እዚ ኸኣ ጸኣት ስደተይናታት ዓለም ሓቆፍ መፍትሒ ዘድልዮ ማሕበራዊ ክስተት ምዃኑ ብምምልካት እዩ፡ ዓመጽን ምዝመዛን ኣብ ልዕሊ ሕጻናትን ደቀንስትዮን ኣብ ልዕሊ ናይ ሓባር ቤትናን ዝፍጸም ዓመጽን ኣብ ጾታዊ መስህብ - ኣብ ፍትወተ ስጋ ተኰር ዝዀነ ኪደት ምስህብ ከምዝዀነኑ ይሕብሩ።

ቅዱስነቶም ምስ ናይ ታይላንድ ናይ ብድሃ ሃይማኖት ልዑል ፓትሪያርክ ኣብ ዋት ራትቻቦፊት ሳቲት ማሓ ሲማራን ቤተ መቕደስ ኣብ ዘካይየድዎ ርክብን፡ ናብቲ ቤተ መቕደስ ሳእኖም ኣውጺኦም ብምእታው ብልዑል ፓትሪያርክን ናይ ቡድሃ ሃይማኖት መነኮሳንን ኣቀባብላ ምስ ተገይሩሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ኣብ ታይላንድ ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ እውን እንተዀነ ኣብ ታይላንድ ናይ ዘሎን ትግቡር ዝዀነን ናይ ሓይማኖት ናጽነት ውሳኔ ዘስተማቕር ምዃኑ መስኪሮም። ካብ ነዊሕ ዓመታት ብሓባር ምስ ኣሕዋቶም ቡድሃውያን ብሰላም ዝነብሩ እያቶም። ኣብ መንጐ እቶም ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ዝተራእየ ምትሕቑቓፍ ናይ ማዕዝ ምዕዶት ዘስፍሕ እዩ፡ ልዑል ፓትሪያርክ ኣብ ዘስምዎ ቃል፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ታይላንድ ንወረራ ዘይኰነስ ንህዝቢ ቀረባ ክትከውን ዝኣተወት እያ፡ ብሓቂ ስለ እተሳልጦ መንፈሳውን ሰብኣውን ኣግልግሎት አመስግን ከምዝበሉ እውም ቶርኒየሊ ጠቒሶም፡ እዚ ኸኣ ምስክርነት ወንጌል ቅድሚ ብቓል ብሕይወት ዝመሓላለፍ ከምዝዀነ ዘረጋግጽ እዩ፡ ብዘይ ህልዩኣዊ ዕብለላ፡ ድኻታት ንምድጋፍን ነታ ኣደዳ ዓመጽ ዝዀነት ናይ ሓባር ቤትና ንምክልኻልን ዝብል ኣገልግሎት ከምዝዀነ እውን ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ከምዘስመሩሉን፡ ናይ ሮማ ጳጳስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ታይላንድ ናይ ቡድሃ ሃይማኖት ልዑል ፓትሪያርክ እታ ኣብ ኣቡ ዳቢ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2019 ዓ.ም. ምስ ናይ ምስሪ ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ብሓባር ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበርዎ ሰነድ ገጸ በረኸት ከምዘቕረቡሎምን እቲ ሰብኣዊ ሕይውነት ዘርእስቱ ሰነድ ክንየው እቲ ኣብ መንጐ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምናን ማሕበረ ክርስቲያንን ዘሀልዎ ናይ ሓባር ርክብ ምስ ሰዓብቲ ናይ ካልኦት ሃይማኖታት እውን ክህሉ መገዲ የቕንዕ ከምዘሎ ቶርኒየሊ ኣብ ዘውጽእዎ ርእሰ ዓንቀጽ የብርሁ።

ኣብ ታይላንድ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምእመናን ኣገባብ ሕይወት ናይ ኣገልግሎትን እንገዳን መንፈስ ዝብል እዩ፡ እዚ ኸኣ ቅዱሱነቶም ኣብ ቅዱስ ልዊስ ቤት ሕክምና ዘካይድዎ ምብጻሕ እቲ ካቶሊካዊ ናይ ግሊ ቤት ሕክምና ንድኻታትን ዝተናዕቁን ኣካለ ስንኵላንን ብቐረባ ዝኣልይን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ዘቕርብ ምዃኑ የረጋግጾ፡ ኣብቲ ቤት ሕክምና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዘስምዎ መደረ፡ ከምቲ ጐይታ ንነፍሲ ወከፍና ብስምና ዝጽውዕና፡ ንህሙማን ክንክን ጥዕና ኣብ ምቕረብ ብስሞን ሓደ ብሓደ ቀረባ ምዃን፡ ክርስቲያን ኣብ ቅድሚ ሕማምን ስቓይን ጭንቀት ዘይስምዖን እምነት ክርስቲያን ስቓይ ዘደንዝዝ ማለት ኣይኰነን፡ ሕማምን ስቓይን ዓበይቲ ናይ ህልውና ሕቶታት ዘቕርብ እዩ፡ እቲ ቀዳማይ ኣብ ቅድሚ ሕማም ዝንበር መልሰ ግብሪ፡ እምቢታን ጭንቀትን ጽምዋን ዝብሉ እያቶም፡ ኣብ ስቓይ ገዓር ኣሎ፡ ኢየሱስ እውን ኣብ ሕማማቱ ዝነበሮ ኩነት እዩ፡ ብጸሎት ኣብቲ ናቱ ገዓር ሕቡራት ንኹን፡ ኣብ ናይ ኢየሱስ ስቓይ ምስ እንሓብር እቲ ናቱ ንስቓይና ቀረባ ኣብ ምዃን ዘሎ ብርታዔ ነስተውዕልን ንዓትርን፡ እዚ ኣብቲ ናቱ ሕይወትን መስዋዕትን ገዛእ ርእስና ከነራኽብ ዝዕድም ኵነት እዩ ከምዝበሉ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ዕለት 21 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ኣብ ዘውጽኦ ርእሰ ዓንቀጽ የመላኽቱ።

(Andrea Tornielli)

ውሳኔ ሰብኣዊ ሕውነትት ናብ ርሑቕ ምስራቕ ገጹ እውን የብል
23 November 2019, 16:24