ጋላገር ኣብ ኣርመኒያ፡ ርክብ ምስ ማሕበረሰብ ካቶሊክ ጋላገር ኣብ ኣርመኒያ፡ ርክብ ምስ ማሕበረሰብ ካቶሊክ 

ጋላገር ኣብ ኣርመኒያ፡ ርክብ ምስ ማሕበረሰብ ካቶሊክ

ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግምዊ ብናይ ኢጣሊያ ናይ ቅድስቲ መንበር ጨንፈር ማሕበር ግብረ ሰናይ - ካሪታስ ኣቢሎም ኣብ ኣሾትክስ እመ መድሃኔ ዓለም ቤት ምክምና ክህነጽ ከምዝገበሩን ደሓር እውን ኣብ 2015 ዓ.ም. ሚያዝያ ኣብ ቫቲካን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዝኽሪ ሰማእታት ኣርመንያ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴን ስዒቡ እውን ኣብ 2016 ዓ.ም. ኣብ ኣርመኒያ ሓዋርያዊ መገሻ ኣካይዶም

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሪቻርድ ፖውል ጋላገር፡ ዕለት 9 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ኣብ ኣርመኒያ ዘካየድዎ ምብጻሕ ዕለት 10 ሕዳር ኣብ ግዩምሪ ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ሰማዕታት ብዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘጠቓለሉን፡ ብፁዕነቶም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፡ ሕዝቢ ኣርመንያ ብዙሕ ስቓይን ፈተናን ብትብዓትን ብቖራጽነትን ዝበደሀ ሕዝቢ እዩ እንክብሉ ከምዝገለጽዎ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ሮበርት ኣታሪያን ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብፁዕ ኣቡነ ጋላገር ዕለት 9 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ኣብ ናይ ኣርመናውያን ሰማዕታት መዘክር ተረኺቦም ክታሞም ኣንቢሮም ድሕሪ ቐትሪ ምስ ርእሰ ብሔር ኣርመን ሳርኪሲያንን ከምኡ እውን ምስ ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ካረኪን ዳግማዊ ከምእተራኸቡ፡ ዝሓበሩ ኣታሪያን ኣስዒቦም፡ ብፁዕነቶም ቅነ ሰማዕታት ኣርመናውያን ብወግዒ ከምዝኸፈቱን፡ ኣርመኒያ ካብ 1915 ክሳብ 1916 ዓ.ም. ብመግዛቲ ኦታማን ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ኣርመኒያ ዝተፈጸመ ሕልቂት ዘዘንትው ዝኽሪ ሰማዕታት ኣርመናውያን ኣብ ዝተነብረሉ ስፍራ ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብቲ መዘክር ዝተነብረ ናይ ክብሪ ሰነድ፥ ነቶም ዝሓለፉን ፍትሕን ምክብባርን ክዓስል ሰማዕትነት ዝተቐበሉ እግዚኣብሔር ምሕረቱ ክጽግዎምን ንኣባላት ስድራ ቤት ሰማዕታት ድጋፍን ምጽንናዕን እግዚኣብሔር ክይፍለዮም ንምሕጸን ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣስዒቦም ክታሞም ከምዘንበሩ ሓቢሮም፡ ምስ መራሔ መንግስቲ ኒኮል ፓሲንያን ምስ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ዞሕራብ ምናዛካንያን ከምእተራኸቡን ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሃቡን፡ ብፁዕ ኣቡነ ጋላገር፡ እቲ ዘካይድዎ ምብጻሕ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ኣርመኒያን ዘሎ ርክብ ሰናይን ሕውነታውን ምዃኑ መግለጺ እዩ ከምዝበሉ የመላኽቱ።

ዝኽሪ ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግምዊ ብናይ ኢጣሊያ ናይ ቅድስቲ መንበር ጨንፈር ማሕበር ግብረ ሰናይ - ካሪታስ ኣቢሎም ኣብ ኣሾትክስ እመ መድሃኔ ዓለም ቤት ምክምና ክህነጽ ከምዝገበሩን ደሓር እውን ኣብ 2015 ዓ.ም. ሚያዝያ ኣብ ቫቲካን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዝኽሪ ሰማእታት ኣርመንያ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴን ስዒቡ እውን ኣብ 2016 ዓ.ም. ኣብ ኣርመኒያ ሓዋርያዊ መገሻ ኣካይዶም ኣብ የረቫንን ግዩምሪን ዘካይድዎ ምብጻሕ ጠቒሶም፡ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ኣርመኒያን ዘሎ ጥብቂ ርክብ ኣረጋጊጾም፡ ኣብ መንጐ ኣርመናዊት ሓዋርይዊት ቤተ ክርስቲያንን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ዘሎ ሰናይ ርክብ እውን ዘኪሮም እዚ ርክብ’ዚ ንናይታ ሃገር ማሕበራዊ ሕይወትን ምዕባለን ዓቢይ ግደ ዘለዎ እዩ ከምዝበሉ ኣታሪያን ሓቢሮም።

ርክብ ምስ ርእሰ ብሔርን ምስ ብፁዕ ወቅዱስ ፓቲያርክ ካረኪን ዳግማውን

ብፁዕ ኣቡነ ጋላገር ኣብ ኣርመንን  ጆርጃን ብናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብፁዕ ኣቡነ ኾሰ በታንኩርት ተሰንዮም ምስ ርእሰ ብሔር ካርኪሲያን ተራኺቦምን ኣስዒቦም እውን ኣብ ናይ ኣርመናዊት ሓዋርያዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ መንበር ናብ ዝርከበሉ ኤትክሚድዚን ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ካረኪን ዳግማዊ ከምእተራኸቡን ዝሓበሩ ኣታሪያን ኣስዒቦም፡ ኣብ  ናብ መንበር ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ብፁዕ ኣቡነ ሚናሲያንን ውሉደ ክህነትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ገዳማውያንን ከምእተራኸቡ ሓቢሮም።

ዕለት 10 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ብፁዕ ኣቡነ ጋላገር ኣብ ግዩምሪ ምስ ዝርከብ ውሁዳን ማሕበረሰብ ካቶሊክ ተራኺቦም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሰማእታት ምስ በጽሑ ብሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ራፋኤል ሚናሲያንን ካብ ዝተፈለለያ ኣብ ኣርመን ካብ ዝርከባ ነኣሽቱ ቁምስናታት ዝተዋጽኡ ማሕበረሰብ ካቶሊክን ውሉደ ክህነትን ኣቀባብላ ተገይሩሎም መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉን ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፡ ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ኣባላታን ኣብ ኣርመን ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅርበትን ሓዋርያዊ ቡራኬን ኣብጺሖም፡ ናይ ዕለቱ ወንጌል ሉቃስ ምዕ. 20 ካብ ፍቕዲ 27-38 ዝተወስደ ምንባብ ኣሞርኵይዞም፡ ኢየሱስ፥ እግዚኣብሔር ናይ ሞት ዘይኰነ ናይ ሕይወት ኣምላኽ ምዃኑ የረጋግጸልና፡ ነዚ እውን ሰማዕታት ኣርመን ዝምስክርዎ እዩ ከምዝበሉ ኣታሪያን ይሕብሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብፁዕ ኣቡነ ጋላገር መስዋዕተ ቅዳሴ ቅድሚ ምዕራጐም ብፁዕ ኣቡነ ሚናሲያን ኣብ ዘቕርቡሎም ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ቃለ ሰላምታ፡ እቲ ናይ ብፁዕ ኣቡነ ጋላገር ምብጽሕ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ናይ ቅድስቲ መንበርን ቅርበት ዝምስክር እዩ ከምዝበሉ ኣታሪያን ምስ ሓበሩ እቲ ብብፁዕ ኣቡነ ጋላገር ዝተመርሔ ጉጅለ ቅድስቲ መንበር ድሕሪ ፍርቂ መዓልቲ ዕለት 11 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ናይ ክልተ መዓልቲ ምብጻሕ ኣብ ሃገረ ኣርመን ዛዚሙ ናብ ሃገረ ቫቲካን ከምእተመልሰ ኣፍሊጦም።

ጋላገር ኣብ ኣርመኒያ፡ ርክብ ምስ ማሕበረሰብ ካቶሊክ

Photogallery

ጋላገር ኣብ ኣርመኒያ፡ ርክብ ምስ ማሕበረሰብ ካቶሊክ
11 November 2019, 17:54