ድለ

ፓሮሊን፡ ር.ሊ.ጳ. ናብ ታይላንድን ጃፓንን ኣብ ናይ ሕይወትን ሰላምን ወንጌል

እዩ፡ ናይ ር.ሊ.ጳጳሳትን ከምኡ እውን ናይ ቤተ ክርስቲያንን ኣተኵሮ ሰብኣዊ ፍጥረት እዩ፡ ናይ ወንጌል ሕይወትን ሓሴትን ምብሳር ዝብል

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ታይላንድን ጃፓንን ዘካይድዎ መበል 32 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ምኽንያት ምስ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ምስ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ናይዚ ሓዋርያዊ መገሻ ሕመረት ብስራተ ወንጌልን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተን ፍሉይ ኣተኵሮ ንፍጥረት ሰንብ ናይ ሓባር ቤናን ሰላምን ምርጋፍ ናይ ውግእ ኣጽዋርን ዝብል ምዃኑ ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 19 – 26 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ኣብ ታይላንድን ጃፓንን ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ፥ ባዕሎም ቅዱስነቶም፥ እዚ ምብጻሕ ናተይ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ንዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ዘተባብዕን ግደ ዘለዎን ክኸውን እምነተይ እዩ እንክብሉ ናብ ሃገረ ታይላንድን ሕዝብን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዝገለጹ ዘኪሮምን፡ ከምቲ ልሙድ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዘሰንይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፡  ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1981 ዓ.ም. ደሓር እውን ኣብ ባንግኰግ ኣብ 1984 ዓ.ም. ምብጻሕ ከምዘካየዱን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብተን ሃገራት ምብጻሕ ዘካይዱ ካልኣይ ር.ሊ.ጳ. ምዃኖም እውን ዘኪሮም፡ ዓለም ሎሚ ካብ ቀደም ኣዚዩ ተቐራሪቡን ርሕቐት ዳርጋ ተኣልዩን ዘብሉ ምዕባሌታት ኣብ ዝረኣየሉ እዋን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምብጻሕ ንኸተካይድ እውን ዕድል ፈጢሩ እዩ፡ ናይ ር.ሊ.ጳጳሳትን ከምኡ እውን ናይ ቤተ ክርስቲያንን ኣተኵሮ ሰብኣዊ ፍጥረት እዩ፡ ናይ ወንጌል ሕይወትን ሓሴትን ምብሳር ዝብል እዩ፡

ንፈለማ ግዜ ኣብቲ ከባቢ ወንጌል ዘበሰሩ ኣብ 16 ክፍለ ዘመን ኢየሱሳውያን ልኡካነ ወንጌል እያቶም፡ ስለዚህ ቅዱስነቶም እዚ ዘካድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ናይቶም ልኡካነ ወንጌል ኣሰር ዝስዕብ እዩ፡ ድሕሪ ኢየሱሳውያን ፍራንቸስካውያንን ደሓር እውን ዶመኒካውያን ከምዝኣተዉ ይንገር፡ ናይዞም ልኡካነ ወንጌል ኣሰር ዝኽተል ሓዋርያዊ ምብጻሕ እዩ፡ ሎሚ ኣብ ታይላንድ ኣብ 11 ቤተ ክርስቲያናዊ ዘባ ዝርከቡ ኣርባዕተ ሚእቲ ሺሕ ካቶሊክ ምእመና ኣለዉ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓዋርያዊ ልኡኽነት ዝብሉ እዮም፡ እዚ ናይ ኣርጀንቲና ሊቀ ጳጳሳት ኣንከለዉ ኣብ ናይ ኣፓረሲዳ ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤን ደሓር እውን ር.ሊ.ጳ. ኰይኖም ምስ ተሓርዩ ወንጌላዊ ሓሴት ዘርእስቱ ኣብ ዝደረስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዘቃልሕዎ እዩ፡ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ ዛዕባ ኣማዞም ዝመኸረ ሲኖዶስ እውን ዘረጋግጾ እዩ። …. ወንጌላዊ ተልእዀ ግብር ኣስዳዒ ሃይማኖት ኣይኰነን፡  ብግብርን ብቓልን ወንጌል ብምብሳር ማራኺ ምዃን ዝብል እዩ፡ ናይ ተልእዀ ቀንደይና ተዋሳኢ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ደጋጊሞም ዘተሓሳስቡ እዮም፡ እዚ እቲ ኣብ ታይላንድ ዝርከብ ውሑድ ማሕበረ ክርስቲያን ንዘካዶ ኣስፍሆተ ወንጌል መሰረት እዩ፡ … ኢሎም።

ከምኡ እውን እቲ ኣብ ጃፓን ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ፡ ዓቢይ ኣገዳስነት ኣለዎ፡ ከምቲ ናይ ታይላንድ፡ ጃፓን ብዙሕ ዝተሳቐየ ሃገር እዩ፡ ዝወረዶ መጥቃዕቲ ኣቶሚክ ቦምብን … ጥንታዊ ባህሉ ዝነብርን … ብዝተራቀ ስነ ኣሃዛዊ ምዕባለ ዝመጠቐ ሃገር እውን እዩ። ባህልን እዋናውነት ዝበራረይዮ ሕብረተሰብ እዩ፡ ስለዚህ ቅዱነቶም እቲ ኣብ ጃፓን ናይ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ መርሕ ቃል፡ ሕይወት ተኸላኸል ዝብል ክኸውን ምሕራዮም ዓቢይ ምኽንያት ዘለዎ እዩ፡ …

ር.ሊ.ጳ. ከም ሕያዋይ ጓሳ፡ ነቲ እግዚኣብሔር ኣብ ጉስነቶምን ንዘንበሮ መጓሰይ ቀረባ እዮም፡ ኣብ ኵሉ ጽፍሕታት ናይ ሕይወት፡ ኣብ ሓጐስን ተስፋን ትጽቢታትን ጓህን ሓዘንን ኣብ ናይ ሕይወት ምግርጫዋትን ኩሉ፡ ንሕዝቢ ቀረባ ዝዀነትን ናብ ሕዝቢ እትወጽእን ቤተ ክርስቲያን መግለጺ ዝዀነ ጉስነት ሕያዋይ ጓሳ ዝምስክሩን ዝነብሩን፡ ኣብዚ ምግምማዕ ዝተመልኤ ዓለም ሰላምን ምቅርራብን ሕውነትን ምክልኻል ፍጥረትን ተፈጥሮን ዘተ ዝብል፡ ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ዝነብር ጉስነት እዮም ዝምስክሩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ፓሮሊን፡ ር.ሊ.ጳ. ናብ ታይላንድን ጃፓንን ኣብ ናይ ሕይወትን ሰላምን ወንጌል
19 November 2019, 16:08