ድለ

ኣማዞናዊ ሲኖዶስ፡ ናይ ፍጻሜ ሰነድ፥ ምስ ኣማዞን ኪዳን ዝኣሰረት ቤተ ክርስቲያን ኣማዞናዊ ሲኖዶስ፡ ናይ ፍጻሜ ሰነድ፥ ምስ ኣማዞን ኪዳን ዝኣሰረት ቤተ ክርስቲያን 

ኣማዞናዊ ሲኖዶስ፡ ናይ ፍጻሜ ሰነድ፥ ምስ ኣማዞን ኪዳን ዝኣሰረት ቤተ ክርስቲያን

ቤተ ክርስቲያን ሎሚ፡ ናይቶም ሓደስቲ ባዕዳውያን ሓይልታት ስርሒት ብምቅዋም ብግልጽነትን ነቢያዊ ንጥፈታታ ብምንባር ንህዝቢ ኣማዞን ጽን ንኽትብል ዘተባዕ ዓቢይ ዕድል ኣለዋ

እቲ ካብ ዕለት 6 ክሳብ ዕለት 27 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንኽካየድ ብቕዱስ ኣቦና ዝተጸውዐ ዛዕባ ኣማዞን ዝመኸረ ሲኖዶስ ብድላይ ቅዱስነቶም፡ ዕለት 26 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ዝተዘርገሐ ብዛዕባ ተልእዀን ብህልትውናን ኵለንተናዊ ስነ ምህዳርን ደቀባት ኣማዞን ምክልኻልን ኣማዞናዊ ስርዓተ ኣምልዀን፡ ግደ ደቀንስትዮን፡ ሓደስቲ ተልእዀታትን ብፍላይ ነቲ ኣብ ከባቢ ኣማዞን ዝረአይ ኣብ ተበጻሕነት ቅዱስ ቁርባ ንዘሎ ሽግር መልሲ ንምሃብ ዝብሉ ኣርእስታት ማእከል ዝገበረ ሓሙሽተ ምዕራፍ ዘለዎ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ከምዘቕረበ ክፍልፈጥ እንከሎ፡ ክቡራት ሰማዕትና ኣብ ናይ ሎሚ መደብና ጽማሬ ናይ ቀዳሞት ሰለስተ ምዕራፋት ከምዚ ዝስዕብ ነቕርበልኵምም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይቲ ዕለት 26 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ዘጽደቕዎ ዛዕባ ኣማዞን ናይ ዝዘተየ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ መርሕ ሓሳብ ምልዋጥ ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ምልዋጥ ዝብል ሓሳብ’ዚ (ምልዋጥ) ኣብቲ ኵለንተናውን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ባህልን ምህዳርን ሲኖዶሳውነትን ኣብ ዝብሉ ዝተፈላለዩ ተግባራት ዝሳዃዕ እዩ፡ እቲ ሰነድ ናይቲ ግልጽን ክፉትን ዝዀነ ኣብ ምክብባር ቆይሙ ንሰለስተ ሰሙን ኣብ ዛዕባ እቲ 2.5 ደቀባት ዝዀኑ ብጠቕላላ 33 ሚሊዮን ተቐማጦ ዝሓቁፍ ናብ መላእ ዓለም ዝሰፍሕ ናይ ስነ ሕይወት ሕመረት ዝዀነን ብኢደ ሰብ እዚዩ ንምዝባዕ ከባቢ ኣየር ሓደጋ ዝተቓልዔን ናብ ሞት ዘሰንይ መረን ኣልቦ ተግባራት ዝፍጸመሉ ኣማዞን ኣማእኪሉ ዝመኸረ ሲኖዶስ ዘካየዶ ሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ኪደት ውጽኢት እዩ። እቲ ኣብ መላእ ዓለም ሳዕቤን ዘለዎ ከባቢ ይብል እቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ንምድሓን ዘገድስ ኣንፈት ንምምልካት እዩ።

ቀዳማይ ምዕራፍ፡ ኵለንተናዊ ምልዋጥ

እቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ካብ መንቀሊኡ፡ ተራን ቁጡብን ብዝዀነ ምስቲ ፍጥረት እግዚኣብሔር ዝዀነ ናይ ሓባር ቤትና ዝሳነይ ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ኣገባብ ሕይወት ብምስዓብ እውነተይና ኵለንተናዊ ምልዋጥ የተባብዕ። እዚ ምልዋጥ እዚ ቤተ ክርስቲያን ናብ ናይ ኣማዞን ሕዝብታት ልቢ ንኽትኣትው ካብ ገዛእ ርእሳ ንኽትወጽእ ዘሰንያ እዩ። ኣማዞን በቲ ናይቲ ከባቢ ዝተፈላለየ ወጅህታት ብመድብለ ዓሌትን መድብለ ባህልን ዝግልጽ ናይ ሕይወት መልእኽቲ ዝዀነ ድምጺ ዘለዎ እዩ፡ ሰናይ ምንባርን ሰናይ ምግባርን ናይ ሕዝቢ ኣማዞን ኣገባብ ሕይወትን ማለት ምስ ገዛእ ርእሱን ምስ ካልኦት ሰባትን ምስቲ ደረት ሰገር ዝዀነ ምዃናዊ ልዑልን ምሉእ ሕይወት ንዅሉ ዝብል መደብ ሕይወት ንምቕራጽ ዘኽእሎ ምስ ቆዝሞስ ሕድሕዳዊ ተራኽቦነት ዘለዎ እዩ።

እቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ፡ ንኣማዞን ዘድምይን ዘሳቕን ንሕይወት ስግኣትን ዝዀነ ናይ ተፈጥሮ ሃብትታት ከም ናይ ውልቂ ንብረት ገይሩ ዝምዝምዝ ነቲ ናይቲ ከባቢ መሬት ዝሃድን ኣብ 17 ሚእታዊ በጺሑ ዘሎ ናይቲ ከባቢ ኣግራብ ምብዳምን ኣብቲ ከባቢ ዝትከላ ኣንዳስትሪታት ዝፍጽምኦ ብከላ ከባቢ ኣየርን ዝሰፍሕ ዘሎ ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ንግድ ዕጸ ፋርስን ምስፋሕ ውሉፍ ኣልኰልነትን ንግድ ሰብን ኣብ ልዕሊ ናይ ከባቢ ኣማዞን መሬት ዝሓልያ ናይ በርገሳውያን ምንቅስቓሳትን መራሕትን ዝፍጸም ቅትለትን ዘይሕጋውያን ዕጡቓት ሓይልታት፡ ኵታ ብጠቕላላ ወጅሂ ኣማዞን ዘመዛብል ዝፍጸም ዓመጽ ብምስትውዓል፡ ናይ ኣማዞን ስቓይን ናይታ መሬትን ሕዝብን ገዓር ብዝርዝር የመላኽት፡ ኣስዒቡ እውን እቲ ሕዝቢ ኣማዞን ዘጓንፎ ዘሎ ስደት ከም ኣማራጺ መፍትሒ ገይርካ ናይ ምቕባል ውሳኔ፡ ጸኣት ስደት ኣማዞናውያን የመላኽት፡ ኣማዞናዊ ሕዝቢ ናይ ምንቅስቓስ መሰሉ ክሕልወሉን፡ እቲ ሕዝቢ ዘጋጥሞ ስደት ብናይቲ ከባቢ ቤተ ክርስቲያን ዝተወሃሃደ ኣገባብ መሰረት ምግጣምን፡ ነቲ ናይቲ ከባቢ ሕዝብታት ጸገም ዝብድህ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምሕንጻጽ።

እዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ናይቲ ከባቢ ቁምስናታት ዘዋህድ ነቲ ናይቲ ከባቢ መልክዓ ኩነት ብፍሉይ ዝግደስ ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ምስ ናይ ከተማ ሕዝብታት ከቃድው ዝኽእል ብህልው ዝዀነ ሊጡርጊያ ኣብ ምቕራብ ዝዓዪ ጉጅለ ልኡካነ ወንጌል ምቛም ከምዘድሊ እቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ የመላኽት።

ካልኣይ ምዕራፍ፡ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምልዋጥ

ናይዚ ምዕራፍ’ዚ ሕመረት፡ ናይ ቤተ ክርስትያን ተልእኾኣዊ ባህርይ ዘወክእ ኰይኑ፡ ተልእዀ ወንጌል ኣማራጺ ኣይኰነን፡ ቤተ ክርስቲያን ተልእዀን፡ ግብረ ተልእዀ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኵለተናዊ ተግባር መርኣያ እዩ፡ ኣብ ኣማዞን ሕያዋይ ሳምራዊ ክትከውን ይግብኣ፡ ንዅሉን ምስ ኵሉን ንኽትራኸብ እትወጽእ፡ ብሓሴት ትንሱእ ክርስቶስ ከምዘበሰረት መቅደላዊት፡ ማለት ዝተፈቕረትን ዝተለወጠትን ዝተዓረቐትን፡ ከም ማርያም ኣብ እምነት ደቂ እምነት እትወልድን ብብህልውትና ኣብ መንጐ ህዝብታት እተገልግል። ስለዚህ በዚ ኣገባብ’ዚ ካብ በጻሒ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ናብ ቀዋሚ ህልው ዝዀነ ግብረ ኖልዎ ምስግጋር ከምዘድልን፡ ምእንቲ’ዚ ዝተፈላለያ ናይ ልኡካነ ወንጌል ማሕበራት ካህናትን ደናግልን ኣብ ሃገራት ከባቢ ኣማዞን ኣባይቲ ክህልወን ዘለዎ ኣገዳስነት የተሓሳስብ።

ሰማዕትነት ልኡካነ ወንጌል

እቲ ዝተኻየደ ሲኖዶስ ኣብ ኣማዞን ወንጌል ኣብ ምስፋሕ ተልእዀ ሕይወቶም ዝሰውኡ ልኡካነ ወንጌል ብምሕሳብ፡ ኣብ ናይ ኣማዞን ታሪኽ ክቡር ምዕራፍ ናይ ሰማዕታት ታሪኽ ምዃኑ እቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ብምምልካት፡ ኣተሓሒዙ እውን ኣብ ኣማዞን ዝፍጸም ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ምስቲ ናይ ኣማዞን ህዝብታት ዝዕፍንን መላኺ ስርዓተ ስልጣን ውዲት ተሓባባርነት ከምዝነበሮን፡ ምእንቲ’ዚ ቤተ ክርስቲያን ሎሚ፡ ናይቶም ሓደስቲ ባዕዳውያን ሓይልታት ስርሒት ብምቅዋም ብግልጽነትን ነቢያዊ ንጥፈታታ ብምንባር ንህዝቢ ኣማዞን ጽን ንኽትብል ዘተባዕ ዓቢይ ዕድል ኣለዋ፡ ንናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ድምጺ ጽን ብምባል፡ ናቱ ገዓር ናታ እተገብር።

ዘተ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተክርስቲያንን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታን

ኣብቲ ኵነት’ቲ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ኣብ መንጐ ዝተፍፈላለያ ሃይማኖታትን ናይ ሓባር ዘተ ዘለዎ ኣገዳስነተ ኣብቲ ሰነድ ብተደጋጋሚ ይግለጽ፡ እዚ ነቲ ኣብ ኣማዞን ዝፍጸም ኣስፍሆተ ወንጌል ኣገዳሲ እዩ። ካብ ቃል ኣምላኽ ተበጊስካ ናብ ጭቡጥ ናይ ሓባር ሱታፌ ንምብጻሕ፡ እዚ ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ዘተሓሳስቦ ተበጽሖ ክኸውን እንከሎ። እቲ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት፡ ነቲ ኣብ ከባቢ ኣማዞን ዘሎ ዝተፈላለያ ናይ ደቀባት ሃይማኖታትን ናይ ኣፍሪቃዊ መበቆል ዘለዎም ናይቲ ከባቢ ሕዝብታት ኣምልዀን ብቐረባ ምፍላጥን፡ ካብዚ ምፍላጥ እዚ ዝተበገሰ ናይ ሓባር ቤትና ንምክልኻል ናይ ሓባር ፍጻሜታት ንምንቕቓሕ፡ ስለዚህ ኣብ ከባቢ ኣማዞን ኰነ ምስ ናይ ደቀባት ሃይማኖታት ዓውደ ርክባትን ዓውደ መጽናዕትታትን ዝተፈላለዩ መደብ ርክባት ምንቕቓሕ ኣገዳሲ ምዃኑ እቲ ሰነድ የተሓሳስብ።

ሕጹጽ ኣገዳስነት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንደቀባትን ተልእዀ መንእሰያትን

እቲ ሰነድ ኣስዒቡ እውን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንደቀባት ዘተኰረ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ንደቀባት ሓለፋ ዝብል ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ፡ ናይ ደቀባት ተወለድቲ ጸዋዕታ ተልእዀ ወንጌል ዘተባብዕ ሃዋሁ ምፍጣር ስለምንታይ ኣማዞን ብኣማዞናውያን እውን ክስበኽ መታን፡ መንእሰያት ምስቲ ዘለዎ እወታውን ኣሉታውን ኩነት፡ ኣብ መንጐ ባህሎምን ኣብ ዓለም ብዝተኣታተው ዘሎ ኵለ መደያዊ ሕዳሴ ምኽንያት ተገማሚዖም፡ በዚ ክልት ጫፍ ተወጢሮም ኣብ ቅልውላው ዕሴትን ትምህርቲ ናይ ምርካብ መሰልን ክብርን ግህሰትን ምኽንያት ንቤት ማሕቡስን ንርእሰ ቅትለትን ተደሪኾም፡ ግዳያት ድኽነትን ዓመጽን ስእነት ስራሕን ንዝተፈላለዩ ሓደስቲ ግሊያነትን ክወድቁ ይረኣዩ። ዝነብርዎ ኵነት ከምዚ እውን እንተዀነ መንእሰያት ኣማዞን ከም ኵሎም መንእሰያት ዓለምን ቤተ ክርስቲያንን ሕልምታትን ተስፋታትን ዘለዎም እያቶም ስለዚህ መንነቶም ከየጥፍኡን ርእሰ ኣኽብሮት ክህልዎም መታን ኣብ ጉዕዞኦም ክስነዩ ይግባእ፡ ዝተሓደሰን ተባዕን ንጡፍን ኣብ ኢየሱስ ምእኩል ዝዀነ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንመንእሰያት ክህሉ እቲ ሰነድ የተሓሳስብ። መንእሰያት ናይ ቲዮሎጊያን ናይ ነቢያዊ ተስፋ ቦታ እያቶም። ቀንደይና ተዋሰእቲ ክዀኑን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣማዞን ጉቡእ ስፍራኦም ከተስተውዕል ትደሊ። ካብዚ ተበጊሳ እምበኣርከስ ብማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ኣቢላን መንእሰያት ደቀባት ጥዑይ ዝዀነ ናብ ውስጠ ባህላዊ ምርኻብ ክበጽሑ ዝድግፍ ሓድሽ ኣገባብ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘድሊ ምዃኑ ተመላኽት።

ናይ ከባቢ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ኣባይቲ ስድራን

ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ብፍላይ ንኣባይቲ ስድራ ብምስትውዓል ናይ ከባቢ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣተሓሳሲቦም፡ ኣብ ደጋዊ ክፍለ ከተማታትን ኣብቲ ብድኽነትን ስእነት ስራሕን ስእነት ኣባይትን ክንክን ጥዕናንን ዝተጠቕዔ ክፍሊ ሕብረተሰብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብምቕራብ፡ መሰሉን ክብሩን ክኽበረሉ ጠበቓ ብምዃን ድጋፍን ዴሞክራስን ማሕበራዊ ፍትሕን ዝዓሰሎ መነባብሮ ክረክብ ስሌኡ ብእተቕርቦ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣቢላ እትዓዪ ቤተ ክርስቲያን ክትህሉ እቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ የመላኽት። እቲ ናይ ድኻታት ቑሸት ሻውላይ ተወጊዱ ምስ ሰብኣዊ ክብሪ ዝመዓራርይ መነባብሮ ክህልዎን መሰረታውያን ድልየታቱ ዝውሕስ ኩነት ክፍጠረሉን ናይ እንገዳ ጉዳይ ዝሓልይ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትር ክቐውምን ቀንዲ ዕላማዉ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ምእንጋድን ንስደትን ምዝብልናን ዝዳርጐም ምኽንያት መፍትሒ ክርከቦ ዝዓዪ ኰይኑ ዘገልግል፡ ኣብ ከባቢ ኣማዞን ንዝርከባ ማሕበራት ቤተ ክርስቲያን ካብ ታሕቲ፥ ቤተ ክርስቲያን ቀረባ ብምዃን ኣብ ኣማዞን ዝነብር ሕዝቢ መነባብሮኡ ክመሓየሽን ነቲ ካብ ገጠር ናብ ከተማ ዝውሕዝ ሕዝቢ ናብ ከተማ ንኸብል ዝድርዀ ምኽንያት ከወግድ ዝኽእል ኵለ መደያዊ ድጋፍ ክቐርበሉ ትዓዪ። ብዙሕ ግዜ እቲ ኣብ ጽንኩር ኩነት ዝርከብ ሕዝቢ ኣማዞን ካብ ናይ ቤተ ክርስቲያን መሰረታውያን ማሕበራት ድጋፍ ዝቐርበሉ ክኸውን እንክሎ፡ እቶም ካብ ታሕቲ ዝነቕሉ ማሕበራት ንከባቢ ኣማዞን ናይ እግዚኣብሔር ህያብ ንቤተ ክርስቲያን እያቶም። ሕዝቢ ናብ ከተማታት ክይውሕዝ ዝድግፍን ነቲ ኣብ ገጠር ዘሎ ህዝቢ ምምሕያሽ ናብራን መነባብሮን ዝሓልይ ማሕበራዊ ፖለቲካ ክረጋገጽ ተተባብዕ።

ሳልሳይ ምዕራፍ፥ ባህላዊ ምልዋጥ

ብህልትውናን ብህልትውነትን፡ ክርስቲያን ምስ ካልእ ንኽራኸብን ካብቲ ዝራኸቦ ንኽመሃርን ክሕግዝ ዝኽእል ኣገዳስቲ ዝዀኑ መጋበርያታት እያቶም። ሕድ ሕዳውነት ዝብል ዕሴታት ምትሕብባርን ማሕበረሰብኣዊ ጦብላሕታቱን ብዘመላኽት ጥንታዊ ቅዶቱ ብዛዕባ ሕይወትን ናይ ጭቡጥ ኵነት ኵለንተናዊ ራእይን ኣቢሉ ተሞራዃስን ዋሕስን ዝዀነ ተፈጥሮ ብዘስተውዕል ብቕዓቱ ዘመላኽቶ ተቐባልነት ዘለዎ ምስ ተፈጥሮ ቅድው ዝዀነ ኣገባብ መነባብራኡ ኣቢሉ ሕዝቢ ኣማዞን ንቀቢጻ ተስፋነት ይዋጋእ፡ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሕዝብታት ደቀባት ወገን ንምዃን ኣበርቲዓ ትዓዪ፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሕይወት ደቀባት ዝፍነው መጥቃቲታትን ኣብ ልዕሊ ሃብታም መሬቱ ዝፍጸም ምዝማዛን ዓመጽን ምስሉይ መደብ ልምዓትን ምንጻት ዓሌትን ቅትለት ምህዳርን ኣብ ልዕሊ ናይ ከባቢ ኣማዞን ማሕበራዊ ምንቅስቓሳት ዝወርድ መጥቃዕቲ ኩሉ ትዅንን እናቃለዔትን ንደቀባት ተገልግል።

መሬት ምክልኻል ሕይወት ምክልኻል እዩ

ምክልኻል መሬት ኣብ ወንጌላውያን ክብርታት ዝቖመ ምኽባር ሰብኣዊ ክብሪ ዝብል ብጀካ ሕይወት ምክልኻል ካልእ መባጼሕ የብሉን፡ ስለዚህ እዩ ድማ ናይ ሕዝብታት ርእሰ ውሳኔንን ምምልካት መሬቱን ናይ ቀዲምካ ምክልኻል ምኽክራቱን ናጽነትን ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰል ህዝብታት ደቀባትን ውሑስ ክኸውን ኣለዎ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ተደሪዀም ብዙሓት ዓሌታት ደቀባት ከባቢ ኣማዞን ብድላዮም ተነጺሎም ንኽነብሩ ወይ ካብቲ ቀደም ዝነብርዎ ዝነበረ ተራኻብነት ተነጺሎምን ንኣብነት ካብ መላእ ዓሌት ደቀባት ኣማዞን 130 ኣሃዱ ብተደጋጋሚ ብዝወርዶን ዓመጽ ምኽንያት ብገዛእ ፍቓዶም ንኽንጸሉ ዝተገዱ ከምዝዀኑን እዚ ዓይነት ጸረ ደቀባት ዝፍጸም ተግባር ንኽወገድ ቤተ ክርስቲያን ክልተ ዓይነት መገዲ ትኽተል እቲ ሓደ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ከኣ መንግስታት ናይ ደቀባት እቲ ክገሃስ ዘይግብኦ ሰብኣዊ መሰልን ክብንር ክኽበረሉ መታን ክዓዩ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ብሔራውን ዓለም ለኻውን መድረኻት ድምጺ ናይ ሕዝብታት ደቀባት ምዃን ዝብል እዩ።

ቲዮሎጊያ ድቀባት ላቲን ኣመሪካን ህዝባዊ ሃይማኖታውነትን

ብመንጽር ብህልትውና፡ ትስብእተ ወንጌል ኣብ ባህሊ ደቀባት ንናይ ደቀባት ቲዮሎጊያን መግለጽታቱን ዋጋ ክወሃቦ ናይ ዝግብኦን ክስነይን ክነቓቓሕን ኣብ ገለ ገለ እዋን እውን ክነጽሕ ንዝግብኦ ንናይ ህዝባውያን ሃይማኖታት ቦታ ዝህብ እዩ። ስለምንታይ ንኣስፍሆተ  ወንጌል ሓለፋ ዘለዎ ባይታ ስለ ዝዀነ፡ ምስ ክርስቶስ ናብ ምርኻብ ዝመርሑ መታን ክዀኑ። ብስራተ ወንጌል መዘንግዕ ዘይኵነስ እቲ ኣብ ባህልታት ህልው ዝዀነ ዘርኢ ቃል ዘጠጥዕን ዘጽንዕን እዩ። ኣብዚ ኣገባብብ’ዚ ባዕዳዊ ኣገዛዝኣ ዝኽተልን ኣስዳዕን ኣስፍሆተ ወንጌል ኣይፋል ምባልን ኣስፍሆተ ወንጌል ብህልው ክኸውን ዝድጋፍ ኣብ ኣማዞን ወጅሂ ኣማዞናዊት ቤተ ክርስቲያን ዘነቓቕሕ ምሉእ ብምሉእ ናይቲ ሕዝቢ ባህልን ኣገባብ ሕይወትን ዘኽርብር ኣገባብ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘለዎ ኣገዳስነት ምልኩት ይኸውን። ካብዚ ሓሳብ’ዚ ነቒሉ እቲ ሰነድ፡  ካብቲ ናይቲ ህዝቢ መንነትን ባህልን ዝነቐለ ናይ ሕንጸት ዕዮ ዘተባብዕ፡ ናይ ቤተ ክርስትያን ዝተፈላለያ ተቕዋማት ባህልታትን ቋንቋታትን መንፈሳውነትን ኣስተንፎስታትን ደቀባትን ክጽናዕ የተሓሳስብ።

መላእ ኣማዞናዊ መክብበ ቤተ ክርስቲያን ዘራኽብ መረብታዊ ሓበሬታ ምፍጣር

ኣብ መዳይ ክንክን ጥዕናን እውን እቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ኣስዒቡ፡ ቤተ ክርስቲያን ናይ ኣማዞን ናይ ቀደባት ቀዳሞት ኣበው መሰረት ዝግበረ ባህላዊ ሕክምና ብቐረባ ብምጽናዕን ብምኽባርን ኣብቲ ሕክምና ዘይበጽሖ ከባቢ ኣማዞን እዋናዊ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና እተነቓቕሕን፡ ኣብ ናይ ሓባር ኣናስራዊ ግንዛበን ናይ ኵሉ ናይ ሓባር መጻኢ ኣብ ምስትውዓል ዝጸንዔ ምትሕብባር ኣብ ዝብል እምንቶ ዝጸንዔ ናይ ዘተን ርክብን ምክንኻን ናይ ሓባር ቤትን ከይዲ ተነቓቕሕ። እዚ ኸኣ ብሓጺሩ እቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ፡  ኣብ ክልተ ቋንቋታት ዝጸንዔ መደብ ሕንጸትን ሓደስቲ ናይ ተልእዀ መደብ ሕንጸትን ዝሳለጠሉ መላእ ኣማዞናዊ መክብበ ቤተ ክርስቲያን ዘራኽብ መረብታዊ ሓበሬታ ምፍጣር ዘለዎ ኣገዳስነት የመላኽት።

ራብዓይ ምዕራፍ፥ ምህዳራዊ ምልዋጥ

ኣብ ቅድሚ እቲ ቀደም ፈጺሙ ዘይነበረ ሎሚ ዝርአይ ዘሎ ማሕበረ ምህዳራዊ ቅልውላው እቲ ኣማዞናዊ ሲኖዶስ ኵለንተናዊ ምህዳራዊ ምልዋጥ ብምንቕቓሕ ኵሉ ውስጠ ምትእስሳርን ተሟራዃስን እዩ ዝብል ስነ ምህዳራዊ ምልዋጥ ከምዘድሊ የተሓሳስብ።

ኵለንተናዊ ምህዳር፥ ተኸኣሊ እንኰ ኪደት

እቲ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ልዕሊ ከባቢ ዘስዓቦ ማህሰይት ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ሓድሽ ዓይነት ናይ ምዕባለ ኣገባብ ምንዳይን፡ እዚ ተፈጥሮ ዝኸናኸን ንድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ ነቶም ኣብ ዓለም ሓለፋ ዘይብሎም ክፍሊ ሕብረተሰብ ፍትሒ ዝብል ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝትርጐም ኵለንተናዊ ምህዳር ንቤተ ክርስቲያን ኣብ መጻኢ ዝብል ተወሳኺ ጉዕዞ ዘይኰነስ ከባቢታት ዓለም ከብ መጻይን ሃዳናይን ኣገባባትን ካብ ምፍሳስ ደም ንጹሓን ንኣማዞን ዝሓልዩ ካብ ምውንጃልን ምድሓን ዝብል እዩ። ቤተ ክርስቲያን ኣካል ናይ ዓለም ሓቆፍ ምትሕብባር እውን ካብ ኰነት፡ ንናይ መሬት ውድናዊ ኪደት ናይ ኣማዞን ቀንዲ ሕይወታውያን ማእከል ዝገብር ኪደት ንምድጋፍን ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ነቲ ከባቢ ንምክልኻል ዘኽእሎን ክይተሃስየ ንዓለም ኤኰኖሚ ከበርክቶ ዝኽእል ጸጋታት በገባብ ንምጥቃም ነቲ ኣብ ዓለም ዝኽስት ዘሎ ምዝባዕ ካባቢ ኣየርን ብከላን ንኽውገድ ዝድግፍ ሓድሽ ዓይነት ኣነባብራ ከረጋግጽ ተተባብዕ።

ምክልኻል ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ናይ እምነት ጠለብ እዩ

ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ምክንኻል  ፖለቲካዊ ግዴታን ማሕበራዊ ሓላፍነትን ክንየው ናይ እምነት ጠለብ እዩ፡ ነዚ መሰረት ገይሩ እቲ ሰነድ፡ ኣብ ቅድሚ እዚ ክርቲያናዊ ሓላፍነት’ዚ  እቲ ሰነድ፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣዕናዊ ምጥቃም ጸጋታትን ምውጻእ ማዕድናትን ብምኹናን፡ ምስ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያንን ብምትሕብባር እቲ ከባብን ተቐማጦን ዝጐድእ ማሕበራውን ምህዳራውን ቅልውላዊ ዘስዕባ እንዳስትሪታት እገዳ ርእሰ ማል ክግበር ተነቓቕሕን ነዚ መደብ’ዚ ትድግፍ፡ ምዃና የመላኽት። ኣብ ከባቢ ኣማዞን ካልእ ኣማራጽን ፍጥረን ተፈጥሮን ዘኽብር መደብ ልምዓት ክረጋገጽን ፍጥረትን ተፈጥሮን ዘይሃይስይ መደብ ብዅለ መዳይ ክተባባዕን፡ መንግስታ ከባቢ ኣማዞን ዘይጽንቐቕ መኸዘኒ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ገይርካ ካብ ምሕሳብ ክቑጠባን፡ ሓድሽ ተቐባልነት ናይ ዘለዎ ባህልን ብስነ ምርምራዊ ዝተደገፈ ሜላ ዘጣምር መርኣያ መደብ ልምዓት ተተባብዕ። ናይ ዕዳጋ መምዘኒ፡ ካብቲ ናይ ከባብን ሰብኣውን ክብርን መሰልን መምዘንታት ንላዕሊ ገርካም ምምልካት ከይህሉ የተሓሳስብ።

ምስ ኣማዞናዊ ማሕበረሰብ ቃል ኪዳናዊት ቤተ ክርስቲያን

ጸዋዕታ ሓላፍነት፡ ኩሉ ናይ እግዚኣብሔር ስራሕ ክዕቅብ ዝተጸውዔ እዩ። ስለዚህ ኵሉ ናይ ክንክንን ሓለዋን ጥብቅናን ተዋሳኢ እዩ፡ ቤተ ክርስቲያን ምስ ሕብረተሰብ ኣማዞን ቃል ኪዳናዊት እያ፡ ናይቲ ህዝቢ ጥበብን መድብለ ሕይወታውን ብምኽባር ዝዀነ ይኹን ዓይነት ግህሰት መድብላዊ ሕይወት ትቃወም፡ ኣብቲ ከባቢ ዘገልግሉ ወይ ንኸገልግሉ ዝለኣኹ ጓሶት ነፍሳትን ኣገልገልትን ማሕበራውን ምህዳራውን ግንዛበ ዘለዎ መታን ክዀኑ ነዚ ዝኣመተ ፍልዩ ሕንጸት ክረኽቡን እዚ ኸኣ ኣብ ምክንኻን ናይ ሓባር ቤና ዝዓዪ ናይ ተልእዀ ኣገልግሎት ክህሉ መታን እዩ።

ምክልኻል ሕይወት

እቲ ሰነድ ደጊሙ ቤተክርስቲን ኣብ ምክልኻል ሕይወት እትዓዪ ከምዝዀነትን ሕይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞትን ዝብል ምኽባርን፡ እቲ መዋቕራዊ ቅርጺ ዝሕዝ ዘሎ ናይ ሞን ሓጢኣትን ዓመጽን ኢፍትሓውነትን ኪደት ንኽውገድ መታን ቤተ ክርስቲያን ነቲ እትኣምነሉን እትዓየሉን ምክልኻል ሕይወት ዝብል ክብሪ፡ ብውስጠ ሃይማኖታውን ምስ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ብሓባር ብጐደና ዘተ  ኣቢላ ተነቓቕሕ ። ምህዳራዊ ምልዋጥን ምክልኻል ሕይወትን ኣብ ኣማዞንን፡ እዚ ንቤተ ክርስቲያ፡ እቲ ኣብቲ ከባቢ ቅድም ክብል ዝነበረ ናይ ብዙሕ መጉዳእቲ ሳዕቤን ዝዀኑ ሜላታት ባዕዳዊ መግዛእቲ ንኽዝስገር ዘብቅዕ ኣገባባት ኵሉ ቤተ ክርስቲያን ኣለልያን ተነቓቕሕን ተነቓቕሖን።

ምህዳራዊ ሓጢኣትን መሰል ዝስተይ ጽሩይ ማይን

እቲ ናይ ኣማዞናዊ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ምህዳራዊ ሓጢኣት ዝብል ሓድሽ ቃል ኣሳዂዑ፡ እዚ ምህዳራዊ ሓጢኣት ጸረ እግዚኣብሔርን ብጻይን ማሕበርሰንብ ከባብን ብግብርን ብምጉዳልን ዝፍጸም ማለት እዩ እንክብል ብምግላጽ፡ እዚ ንመጻኢ ወለዶን ንናይ ፍትሕን ክብርን ዝምልከት ምዃኑ የመላኽት፡ ኣብ መወዳእታ ሃገራት ዓለም ምስ ኣማዞን ዘለወን ምህዳራዊ ዕዳኤን ክተኻኽላ ዘብቅዔን እቲ ናይቲ ከባቢ መሬት ካብ ብሔራውን መድብለ ዓለም ለኻውያን ትካላት ሃድን ንምድሓን ንኣማዞናዊ ማሕበረሰብ ድጋፍ ዘቕርብ ዓለም ሓቆፍ መዋሊ ማሕበር ከቑማ እንክብል ጻውዒት የቐርብ። ናብ ከባቢ ኣየር በካሊ ጋዝ ዝፍንው ናይ ጸዓት ምንጪ ተጠቃምነት ዝትክእ ነቲ ዝፍነው በካሊ ጋዝ ንኽንክይ ዝድግፍ ናይ ልምዓት ፖለቲካ ምትብባዕ ዘለዎ ሕጹጽ ኣገዳስነት እቲ ሲኖዶስ ኣብ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ኣመላኺቱ፡ ምጥቃም ጽሩይ ጸዓት ክተባባዕን ሕዝቢ ዝስተይ ጽሩይ ማይ ናይ ምርካብ ዝብል ሓደ ካብቲ ኣገደስቲ ዝዀነ መሰሉን ክብሩን ክኽበረሉን፡ ከባቢ ዝብክል ምህርቲ ፕላስቲክ ምሉእ ብምሉእ ንኽወገድ ዝድግፍ ኣካይዳ ክህሉን፡ ቅሪት ንጸዓት ምጥቃም ዝብል ኣሰራርሓ ክውገድን ቀጥዒ ኣልቦ ኣጠቓቕማ ስጋን ዓሳብ ንመግብነት ምንካይን ቁጥብ ዓይነት ኪደት ኣነባብራን ተኸላ ኦም ክተባባዕ እቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ኣተሓሳሲቡ፡ ኣብ ኣማዞን ምስ ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሕብረትን ምስ ናይ ከባቢ ኣማዞን ቤተ ርስቲያናዊ መረብታዊ መክብብ ማሕበርን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽርን ብምትሕብባር ማሕበራዊ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክህልው ምዒዱ፡ ኣስዒቡ ኣብቲ ናይ ሰብኣዊ ኵለንተነናዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዛዕባ ኣማዞን ዝምልከት ቤት ጽሕፈት ክቐውም እቲ ሰነድ ሓሳብ የቕርብ።

ሓምሻይ ምዕራፍ፥ ንሲኖዶሳዊ ለውጢ ሓድሽ ጉዕዞ

ክህነታውነትን ብቐጥታ ዝፍጸም ጸቕጥታት ብምስናፍ ናይ ዘተን ጽን ናይ ምባልን ምስማዕን መንፈሳዊ ልልያን መሰረት ገርካ ንብድሆታት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ግቡእ መልሲ ምሃብ። እዚ ነቲ ቤተ ክርስቲያን ብስኒትን በቲ ዘሀይውት መንፈስ ቅዱስን ብተባዕ ወንጌላውነትን ተመሪሓ ዝተጸወዓትሉ ሲኖዶሳዊ ምልዋጥ እተረጋግጸሉ ባህርያት እዩ።

ሲኖዶሳውነት፡ ልኡኻውነትን ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ውፉይ ሕይወት ንጡፍ ግደ

እቲ ዓቢይ ብድሆ ብናይ መንፈስ ቅዱስ ብርሃን ተመሪሕካ ናይ እግዚኣብሔር መደብ ንምግልጋል ናይ ግዜ ምልክታ ምስትውዓልን እትስዕቦ መገዲ ምልላይን እዩ። ሲኖድሳውነት ንምልምማድ ዝድግፍ ኣገባብ ዝተፈላለየን ካብ ማእከላውነት ዝተላቀን ምስተን ኣሕዋት ዝዀና ኣቢያተ ክርስቲያንን ምስ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ምትእስሳር ብዘየዳኽም መገዲ ንናይ ከባቢ ኪደት ትኵር ምዃን ይሓትት። ሲኖዶሳውነት ምስ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ምትእስሳርን ቀጻልነትን ብዘለዎ ኣገባብ ኣብ ናይ ሓባር ሓላፍነትን ልኡኻውነትን ናይ ኩሉ፡ ናይቶም ንጡፍ ሓለፋ ተዋሳእነትን ዘለዎም ኣብ ናይ ዓለማውያን ምእመናን (ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን) ሱታፌን ዝትርጐም እዩ። ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕይወትን ተልእዀን ናይ ዓለማውያን ምእመናን ሱታፌ ኣብ ምኽክርን ኣብ ወሳንነትን -  እቲ ሰነድ - ናይ ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን  ሱታፌ ኣብ ዘደልው ተልእዀ ምንቕቓሕን ብማዕርነት ክበራታዕን ክሰፍሕን ኣለዎ ይብል። ውልቃውነት ብምውጋድ ማለት ሓላፍነት ብተበራረይ ክኸውን ብምግባር፡ ሓደ ጳጳስ ኣብ ናይ ሰበኻኡ ንናይ ሰበኻኡ ማሕበረ ክርስቲያን ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓልዮ ካህን እውን ኣይኹን ንሓደ ናይ ሰበኽኡ ኣባል ዝዀነ ዓለማዊ ምእመን ንዝተወሰነ ናይ ዓመታት ገደብ ሓላፍነት ከልብስ ይኽእል። ክህነታዊ ጉዳይ ዝምልከት ሓላፍነት ናይ ካህን ኰይኑ እዩ ዝተርፍ። እቲ ሲኖዶስ ኣስዒቡ ኣብቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ፡ ኣማዞናዊ ወጅሂ ዘለዎ ውፉይ ሕይወት ዝብል ሓሳብ ብምቕራብ፡ ኣብ ከባቢ ኣማዞን ምስ ድኻታትን ዝተነጸሉን ሓቢርካ ምጉዓዝ ዝብል ጸዋዕታ ኣብ መንጐ ተወለድቲ ይዅን ደቀባት ኣማዞን ምንቕቓሕን ምትብባዕን። ውስጠ-ሃይማኖታውን ብህልትውናን ዘማእከለን ኣብ መንጐ ዝተፈላለየ መንፈሳውነትን ኣማዞናዊ ቆዝሞሳውን ዘተ ዘማእከለ ሕንጸት ዝቐስም።

ሰዓታት ደቀንስትዮ

እቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ብሰፊሕ ኣብ ህልውነትን ሰዓትን ደቀንስትዮ ኣተኵይሩ፡ ናይ ቀዳሞት ወለዲ ኣሕዛብ ጥበብ ከምዘመላኽቶ፡ መሬት ወጅሂ ጓለንስተይቲ ከምዘለዋን ደቀናት ኣብ ከባቢ ኣማዞን ህይዉት ህልውናን ኣብ ምንቅቓሕ ሰብኣውነት ዓቢይ ሓላፍነት ከምዘለወን ይፍለጥ። ነዚ መሰረት ብምግባር እቲ ሲኖዶስ ናይ ጓለንስተይቲ ድምጺ ክስማዕን ጽን ክበሃልን ምኽሪ ክሕተታን ውሳኔ ኣብ ዝውሰደሉ ኩነት ብንቕሓት ክዋስኣ ኣለወን ይብል። ስለዚህ ኣብ ናይ ሲኖዶሳዊ መክብበ ቤተ ክርስቲያን ግደኤን ከበርክታን ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ብዝለዓለ ሓይሊ ናይ መርሕነት ሓላፍነት ክርከባን ማለት ኣብ ቤት ምኽሪ ሓልዮ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ኣብ ውሳኔ መርሕነታዊ ሓላፍነት ክዋስኣ ዝብል እዩ። ናይ ፍጥረትን ናይ ሓባር ቤትናን ተዋሳእትን ዓቀብትን ክዀና እንከለዋ፡ ብዙሕ ግዜ ናይ ኣካላውን ግብረ ገባውን ሃይማኖታውን ቅትለት ደቀንስትዮን ዓመጽ ግዳያት ኰይነን ይርከባ፡ ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ መሰለንን ክብረንን ብፍላይ ከኣ ግዳይ ስደትን ምዝብልናን ንዝዀና ደቀንትዮ ትጣበቕ፡ እቲ ኢየሱስ ንደቀንስትዮ ዝጸገዎ ተልእዀ ኣፍልጦ ብምሃብ ነቲ Ministeria quædam-ገለ ገለ ተልእዀታት  ብዝብል ኣርእስቲ ጳውሎስ ሻድሻይ ብዝነበሮም ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣን መሰረት ብሓዋርያዊ ምዕዳን ኣገባብ ኣብ ዝደንገግዎ ሕጊ፡ ደቀንትዮ እውን ብግቡእ ኣገባብን ምስንዳዋትን ኣብ ስርዓት ሊጡርጊያ ዝግለጽ ናይ ነባቤን ኣሰናይነትን ተልእዀ ክወሃበ እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ እቲ ሲኖዶስ ኣብ ናይ ፍጻሜ ሰነዱ የተሓሳቦ። በዚ መንጽር’ዚ ማሕበረሰብ ካቶሊክ ብደቀንስትዮ ዝምራሕ ምግባር ዝከኣል ኰይኑ ነዚ ብምስትውዓል፡ እዚ ኣገልግሎት’ዚ ብትክኽል ቅዋሜ ክህልዎ ምግባር ግድን ይኸውን። እቲ ሲኖዶስ ኣስዒቡ ኣብ ከባቢ ኣማዞን ኣብ ዝተኻየዱ ናይ ሓባር ምይይጥ ቀዋሚ ድቁና ንደቀንስትዮ ክፍቀድ ዝብል ሓሳብ ከምዘቕረበን እዚ ጉዳይ’ዚ ኣብ ቫቲካን ዝጽናዕ ዘሎ ጉዳይ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ማዕርገ ድቁና ንደቀንስትዮ ምፍቃድ ዝብል ሓሳብ  እቲ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ንኸጽንዕ ኣብ 2016 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘቖምዎ ናይ መጽናዕቲ ድርገት ተመክሮታቱን ዘቕርቦ ኣስተንትኖንን ብምክፋል ክምራሕ ከምዘለዎ ኣበው ሲኖዶስ ሓሳቦም የቃልሑ።

ቀዋሚ ድቍና

እቲ ሲኖዶስ ሕንጸት ንቀዋሚ ድቁና ሕጹጽን ኣዚዩ ኣገዳስን ምዃኑ ኣመላኺቱ፡ ድቁና ትሕቲ ሓዋርያዊ ስልጣን ጳጳስ ኰይኑ ንማሕበረሰብ ኣገልግሎትን ሎሚ ንህልው ኩነታት ከባብን ቤተ ክርስቲያንን ግምት ብምሃብ ንኵለንተናዊ ምህዳርን ሰብኣዊ ምዕባለን ማሕበራዊ ግብረ ኖልዎን ንድኻታትን ተኣፈፍቲ ክፍሊ ሕብረተሰብ ህላዌ ክርስቶስ ምዃኖም እምንቶ ብምሃብ ምግልጋል ዝብል እዩ። ስለዚህ ኣብ ናይ ቀለም ሕንጸትን መጽናዕትን ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሕንጸት ዘድልዮ እዩ። ኣብዚ ሕንጸት እዚ እውን ናይቲ ንቀዋሚ ድቍና ዝሕጸይ በዓልቲ ቤቱን ደቃቱን ክጠቓለሉ እቲ ሰነድ ይሓትት። ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ኣቢያተ ክርስቲያንን ውስጠ ሃይማኖታውን ናይ ሓባር ዘተ ኣብ ምንቅቓሕን ኣብ ናይ ኣማዞናዊት ቤተ ክርስቲያን ታሪኽን ኣብ ስነ ጾታውን ኣብ ስነ ፍትወትን ስነ ቆዝሞሳዊ ራእይ ደቀባትን ኣብ ኵለንተናዊ ምህዳርን እውን ዝሕነጽ፡ ነዚ ሕንጸት ዘሳልጥ ጉጅለ መደበይና ማዕርግ ዝተቀበሉን ዓለማውያን ምእመናንን ዝሓቑፍ ክኸውን ኣለዎ። ምስቶም ኣብ ገማግም ወሓይዝ ኣማዞን ዝነብሩ ማሕበረሰብ ዝነብርን ዝንበርን ቀዋሚ ድቁና።

ናይ ካህናት ሕንጸት

ናይ ካህናት ሕንጸት ብህልው እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ ወንጌል ዝነብሩን ሕገ ቀኖና ዝፈልጡን፡ ኣብ ኣብነት ክርስቶስ ዝጸንዔ ሓልዮት ዝነብሩን ጓሶት ምስንዳው፡ ንሕዝቢ ቀረባ ዝኸውን ጽን ናይ ምባልን ምስማዕን ብቕዓት ዘለዎ፡ ናይ ኣቦ ሓልዮት ብምስትርኣይ ዝፍውስን ብዘይ ጸቕጢ ዘጸናንዕን፡ ንማዕርገ ክህነት ዝሰናደው ተመሃራይ ዘርኣ ክህነት ኣብ ዝወሃቦ ሕንጸት ኵለንተናዊ ምህዳርን ምህዳረ ቲዮሎጊያን ቲዮሎግያ ዘፍጥጥረትን ቲዮሎጊያ ደቀባት ላቲንን ስነ ምህዳራዊ መንፈሳውነትን ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣማዞንን ስነ ሰብእ ኣብ ባህሊ ኣማዞንን ዝብል መደብ ሕንጸት እውን ክጠቓለል ኣለዎ እንክብል እቲ ናይ ፍጻሚ ሰነድ ይሓትት። እቲ ናይ ሕንጸት ማእከል ካብ ከባቢ ኣማዞንን ወጻኣን እውን ዝመጹ ዝቕበል ኣብ ጉዳይ ኣማዞን ሕንጸት ክረኽቡ ንዝደልዩ እውን ክፉት ዝዀነ ኣብ ናይ ኣማዞን ጭቡጥ ኩነት ዝተሳዂዔ ክኸውን እውን የተሓሳስብ።

ሱታፌ ኣብ ቅዱስ ቁርባንን ማዕርገ ክህነትን

ንማሕበረ ክርስቲያን ሱታፌ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ማእከላዊ እዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብዙሓት ኣብ ከባቢ ኣማዞን ዝቕመጡ ማሕበረሰብ ኣብ ሱታፌ ቅዱስ ቁርባን ጸገም ከምዘለዎምን ብዘይ ሱታፌ ቅዱስ ቁርባን ኣዋርሕ ብዝግደደ እውን ልዕሊ ሓደ ዓመት እውን ከምዘቑጽርን፡ መስዋዕተ ቅዳሴን ምስርጢረ ንስሓን ስርዓተ ቀንዴል እውን ዝሰርዕ ካህን ዳርጋ ዘይበጽሖ እዩ። ግትኣተ ስጋዌ ሩካቤ ካህን ምሉእ ብምሉእ ንማሕበረ ክርስትያን ንኸገልግል ዘብቅዖ ካብ እግዚኣብሔር ዝወሃብ ጸጋ ምዃኑ ኣፍልጦ ብምሃብን ካህንነት ግትኣተ ሩካቤ ስጋ ዝብል ባህርይ ዝጠልብ እውን ኣይኹን፡ እግዚኣብሔር ግትኣተ ሩካቤ ስጋ ዝንበሮ ክህነታዊ ጸዋዕታ ከብዝሕ መታን ንጸሎት ዘነቓቕሕ እውን እዩ። ነዚ መሰረት ብምግባር እቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ - ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣን ብቑዓትን ኣብ ማሕበረሰብ ዝፍለጡን ቀዋሚ ዲያቆናት ዝዀኑን ግቡእን ቀዋሚት ስድራ ቤት ዘለዎም ናይ ማሕበረ ክርስቲያን ሕይወት ብስብከት ቃል ኣምላኽን ቅዱሳት ምስጢራት ብምስራዕ  ዝናብዩ ብቑዕ ክህነታዊ ሕንጸት ረኹቦም ነቲ ኣብ ከባቢ ኣማዞን ዝርከብ ማሕበረሰብ ዘገልግሉ ንማዕርገ ክህነት ድልዋት ንኽብሎም ዘብቅዖ መምዘንታትን ነዚ ንኽፍጽም ዘኽእል መጋበርያ ክቐርበሉን ዝብል ሓሳብ ከቕርብ እንከሎ፡ ምስ እዚ ብምትሕሓዝ ገለ ገለ ኣበው ሲኖዶስ እዚ ሓሳብ እዚ ኵለንተናዊ ምግምጋም ወይ ኣቀረርባ ክግበረሉ ዝብል ሓሳብ ከምዘቕረቡ የመላኽት።

ድህረ ሲኖዶስ ናይ ከባቢያዊት ቤተ ክርስቲያን ውድብን ኣማዞናዊ መንበረ ጥበብን

ናይ ከባቢ ኣማዞን ስፍሓ ሰበኻዊ መልክዓ ምድሪ ግምት ብምሃብ ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ቁምስናታትን ንናይ ኣማዞን ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓቶ ወጻኢታት ዝገጥም መዋሊ ማሕበር ብምቛም ንምጥርናፍን ብናይ ኣማዞናዊ ከባቢ መንጽር እትውጠን ናይቲ ከባቢ ቤተ ክርስቲያን ምሕሳብ የድሊ፡ በዚ መንጽር’ዚ  ምስ ናይ ከባቢ ኣማዞን ኣቢያተ ክርስቲያን መክበባዊ መረብታዊ ማሕበርን ምስ ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሕብረት ብምትሕብባር ነቲ እቲ ዝተኻየደ ኣማዞናዊ ሲኖዶስ ዘቕረቦ ሓሳብ ናቱ ገይሩ ዝዓዪ ድህረ ኣማዞናዊ ሲኖዶስ ናይ ከባቢያዊት ቤተ ክርስቲያን ውድብ ምቛም ኣገዳሲ እዩ ቢሉ፡ ኣብ ናይ ውስጠ ናይ ትምህርቲ ጨናፍርን ብህልውትናን ውስጠ ባህላዊ መጽናዕቲ ዝካየደሉ ብፍላይ ኣብ ናይ ቅዱስ መጽሓፍ መሰረትን ምኽባር ባህልታትን ልምድታትን ናይ ደቀባት ባህሊ ምኽባርን ዝብል ኣማዞናዊ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ክቐውም እቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ የተሓሳስብ።

ኣማዞናዊ ስርዓተ ኣምልዀ (ሊጡርጊያ)

ኣማዞናዊ ማሕበረሰብ ናይ ዓለም ራእይን ባህሉን ልምድታቱ ትእምርታቱን ነቲ ናይቲ ከባቢ ኣንስራዊ ስርዓታቱን  ዋጋ ዝህብ ናይ ገዛእ ርእሱ ሊጡርጊያ ክፍጥር ንዝብል ሕቶ ብሓቀይና ካቶሊካዊ ኣገባብ መልሲ ንምሃብ ነዚ ጉዳይ’ዚ ብፍሉይ ዝምልከት ብቕዓት ዘለዎ ናይ ሊጡርጊያ ውርሻን ቲዮሎጊያን ስርዓትን ናይ ኣማዞን መንፈሳውነትን ዘገልግል ኣማዞናዊ ሊጡርጊያ ብጥንቃቔ ዘዳልውን ዘጽንዕን ድርገት ክቐውም ከምዘድሊ እቲ ሰነድ የመላኽት። እዚ ነቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ 23 ዝተፈላለዩ ስርዓተ ኣምልዀ ዘህብትን ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል መጋበርያን እምነት ኣብ ሓደ ናይ ገዛእ ርእሱ ባህሊ ዝገልጽ እውን እዩ። እቲ ስርዓት ሊጡርጊያ ምስቲ ኣብ ዘለሉ ከባቢ መልክዓ ተፈጥሮ ዝሰማማዕ እዩ። ኣብ መወዳእታ እምነት ንምብህልታው ዝግበር ኪደት ንምድጋፍ ቅዱሳት መጻሕፍትን ናይ ሊጡርጊያ መጻሕፍትን ቅዱሳት መስጢራትን ብምኽባርን ቀንዲ ሕመረቱ ብዘይምስሓት ምስቲ ናይቲ ከባቢ ኵለ መዳያዊ ኩነት ኣላዚቡ ብናይ ኣማዞን ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ንምትርጓም ዝዓዪ ሽማግለ ምቛም ሕጹጽ ምዃኑ እቲ ሰነድ ኣመልኪቱ፡ ብደረጅ ሊጡርጊያ ሙዚቃን ማህሌትን ክተባባዕ ከምዘለዎን ኣተሓሳሲቡ፡ እቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ኣብ ኣማዞን እትኽበር ቅድስተ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘኣማዞንን ኣኖ ኣማዞን ቅድስተ ማርያም ሓለዋ ብዝምሕጸን  ጸሎት ይዛዘም።

30 October 2019, 17:06