ሲኖዶስ፥ ኢየሱስ ማእከል ናይ ውህደትና እዩ

ብዛዕባ እቲ ኣማዞን ዘድልዮ ዘይምፍላጥ ዝፈጥሮ ጭንቀት ዘለኵም ትመስሉ፡ ኣማዞናውያን ናይ ገዛእ ርእሱ ዛዕባ ቆስሞስ ራእይ ዘለዎምን፡ ነቲ ዝኸበቦ ዓለም ዝርእየሉ ናይ ገዛእ ርእሱ መነጽር ዘለዎ እዩ

እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካንብሓልዮት ቅዱስ ኣቦና ዛዕባ ኣማዞን ዝመክር ዘሎ ሲኖዶስ ዕለት 27 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ምስ መላእ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስን ሓቢሮም ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፍሳውያን ነጋዶን ናይ ከባቢ ኣማዞን 309 ዝተፈላለዩ ኣማዞናውያን ዓሌታት ወኪሎም ኣብቲ ሲኖዶስ ዝተረኽቡን ኣሳቲፉ ብዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝዛዘም ምዃኑ ዝፈልጠ ኰይኑ፡ ዕለት 24 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ዝተኻየደ ናይቲ ሲኖዶስ ኣኼባ መሰረት ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምእተወሃበን፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ስነ ስርዓት ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ናይ ካህናት ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል በኒያሚኖ ስተላን፡ ኣብ ብራዚል ናይ ሰበኻ በለም ዶ ፓራ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኣልበርቶ ታቨይራ ኮረኣን፡ ኣብ መክሲኮ ናይ ዛፓተካ ዓሌት ደቀባት ኣባል ኣባ ኤለኣዛር ሎፐዝ ሀርናንደዝን ኣብ ብራዚል ናይ ኣማዞናውያን ዓሌት ባራሳና ኣባል ገዳማዊት እናቴ ማሪሉሰ ዶ ሳቶስ መስኵይታን ኣብ ፐሩ ናይ ኣማዞናውያን ዓሌት ኣሻኒንካ ኣባል ዓለማዊ ምእመን ደሊዮ ሲቲኮናትዚ ካማይተሪን ከምእተሳተፉ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ኢየሱስ ክርስቶስ ሕመረት እዩ፡ ንሱ የዋህደና፡ ነዚ ዝበሉ ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሳተፉ ኣብ ፐሩ ናይ ኣማዞናውያን ዓሌት ኣሻኒንካ ወኪሉ ኣብቲ ሲኖዶስ ዝሳተፉ ዘለዉ ዓለማዊ ምእመን ደሊዮ ሲቲኮናትዚ ካማይተሪ ብዛዕባ ኣብቲ ሲኖዶስ ከም ሓሳብ ዝቐረበ ኣማዞናዊ ስርዓተ ኣምልዀ ዝብል ነጥቢ መሰረት ካብ ሓደ ጋዜጠይና ንዝቐረበሎም ሕቶ ክምልሱ እንከለዉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ከምዝዀነን፡

ብዛዕባ እቲ ኣማዞን ዘድልዮ ዘይምፍላጥ ዝፈጥሮ ጭንቀት ዘለኵም ትመስሉ፡ ኣማዞናውያን ናይ ገዛእ ርእሱ ዛዕባ ቆስሞስ ራእይ ዘለዎምን፡ ነቲ ዝኸበቦ ዓለም ዝርእየሉ ናይ ገዛእ ርእሱ መነጽር ዘለዎ እዩ፡ ፍጥረት ናብ እግዚኣብሔር ንኽንቀርብ ይድርኸና፡ ኣብ ባህልናን መነባብሮናን ናይ እግዚኣብሔር ወጅሂ ንኸነለልይ ይድግፈና፡ ከም ደቀባት ምስ ኩሉ ሕይወት ዘለዎ ፍጥረት ብስኒት ንነብር፡ ስለዚህ ከም ደቀባት ዘድልየና ነገር ዘሰንበደኵም ትመስሉ፡ ልባትኩም ኣይተትርሩ፡ ኣለስልስዎ፡ እዚ ናይ ኢየሱስ ዕድመ እዩ፡ ብውህደት ንኽንነብር ዝጽውዓና እዩ፡ ኣብ ውህደት ንጽናዕ፡ ከም ደቀባት ነዚ ኢና ሃረር እንብል፡ ናይ ገዛእ ርእስና ስርዓት ኣምልዀ ኣሎና፡ እቲ ዝተሓተተ ኣማዞናዊ ስርዓተ ኣምልዀ ኢየሱስ ክርስቶስ ምእኩል ምግባር ዝብል እዩ፡ ኣብዚ ሲኖዶስ ዘሕበረና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ፡

እንክብሉ ከምዝገለጹ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣግልግሎት ክፍሊ ዜን ቫቲካን ረዲዮ ሎሞናኰ ኣስዒቦም፡

ንሕዝቢታት ደቀባት እቲ ሲኖዶስ ተስፋ እዩ

ካማይተሪ ኣሲቦም፡ እቲ ዛዕባ ኣምዞን ዝመክር ሲኖዶስ ንደቀባት ተስፋ እዩ፡ ኣማዞን ዘለዎ ክብሪ ግቡእ ቦታ ስለ ዘይተወሃቦ ይሳቐን ገዓሩ እውን የስምዕ፡ መሰልን ክብርን ከምዘይብሉ ዝሕሰብ ሰማዒ ዝሰኣነ ሕዝቡ ይቕተል ፡ እዚ ሲኖዶስ’ዚ ምስ ኣማዞን ምርኻብን ምዝታይን ዝብልን ንኣማዞን ጥራሕ ዘይኰነ ንመላእ ዓለም ዓቢይ ቦታ ዝሃበ እዩ ከምዝበሉን፡

ነዊሕ ናይ ልልያ ጉዕዞ

ብዛዕባ ምስ’ቲ ሲኖዶስ ዝተተሓሓዙ ትጽቢታት ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ንዝቐረበ ሕቶ ኣብ ብራዚል ናይ በለም ዶ ፓራ ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኣልበርቶ ታቨይራ ኮረኣ ክምልሱ እንከለዉ፡ ኣብዚ ዝተረኽብና ዝርዝር ሃረርታና ውሳኔታትናን ሒዝና ኣይኰናና፡ እንታይ ደኣ ብሓባር ንኽንጓዓዝን እቲ ናይ ሓባር ጉዕዞ ዝወልዶ ሓሳብ ኣብ ኢድ ቅዱስ ኣቦና ንምቕራብ እዩ እንክብሉ ከምዝመለሱ ኣፍሊጦም።

ግትኣተ ሩካቤ (ምናነ) ጸጋ እዩ

ግትኣተ ሩካቤ ስጋ - ምናነ ኣብ ክህነታዊ ሕይወት ጽባቔ እዩ፡ ስለዚህ ልክዕ ከምቲ ብሸኽላ ኣብ ዝተሰርሔ ሳርማ ከምዘሎ ሃብቲ ክንከናኸኖ ይግብኣና እንክብሉ ናይ ካህናት ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል በኒያሚኖ ስተላ ኣብ ክህነታዊ ሕይወት ግታኣተ ሩካቤ ዘለዎ ዓቢይ ትርጉምን ንመላእ ሕይወት ዝብልን እዩ ቢሎም፡ ጸዋዕታ ክህነትን ጸዋዕታ ተክሊልን ናይ መላእ ሕይወት ዝብል ውሳኔ እዩ፡ ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ግትኣተ ሩካቤ ስጋ ንካህናት ኰነ ንመላእ መንእሰያት ዓቢይ ብድሆ ምዃኑ የብርሁ።

ጸዋዕታ ሚዛናውነት ይሓትት

ግላዊ ጸሎት ስርዓትን ኣደብን ጽንዓትን ይሓትት፡ ስለዚ ኣብ ክህነት ዝንበር ግትኣተ ሩካቤ ስጋ (ምናነ) እዞም ሰለስተ ኣገባባት ከም ቅድመ ኩነት ይጠልብ፡ ንግትኣተ ሩካቤ ስጋ ሚዛን ዘሐልዉ እያቶም፡ ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ክህነትን ኣብ ገለ ገለ ናይ ምስራቕ ስርዓት ኣብ ዝኽተላ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን እውን ዝንበር ዓይነት ክህነት ጽባቔኡ ንመንእሰይ ወለዶ ብቓልን ሕይወትን ምምስካር የድሊ፡ እቲ ሲኖዶስ ከመላኽቶ ይኸውን ዝበሃል ዘሎ ሓደስቲ ዓይነት ተልእዀ ንናይ ሲኖዶስ ኣበውን ንናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳጳሳትን ልልያ ዝምልከት ጉዳይ እዩ ከምዝበሉ ሎሞናኰ ኣፍሊጦም።

ኣማዞናዊ ስርዓተ ኣምልዀ

ብዝዕባ ኣማዞናዊ ስርዓተ ኣምልዀ ዝበሃል ዘሎ ጉዳይ ዝምልከት ካብ ጋዜጠይናታት ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፡ እዚ ጉዳይ’ዚ ኣብቲ ሲኖዶስ ክለዓል ባህርያዊ እዩ፡ ሕዝቢ ኣማዞን ብቛንቁኡን ባህሉን ትእምርትታቱን ምስ ናይ ከባቢኡ ስርዓተ ኣገባብን ኣቢሎም ክራኸቡ እዮም ዝደልዩ፡ ኣማዞን መድብለ-ዓሌት እዩ፡ በማኢት ዝቝጸሩ ዓሌታትን ቋንቋታትን ዝሓቁፍ እዩ፡ ስለዚህ ነዚ መሰረት ዝገበረ ዝንገር ዘሎ ኣማዞናዊ ሰርዓተ ኣምልዀ እቲ ሲኖዶስ ዝህቦ ውሳኔ ምጽባይ የድሊ እንክብሉ ከምዝመለሱ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ሎሞናኰ ኣስዒቦም፡

እምነትን ብህልትውናን

ኣብ መክሲኮ ኣባል ዓሌት ደቀባት ዛፖተካ ኣባ ኤለኣዛር ሎፐዝ ሀርናንደዝ፡ እምነትና ብባህልናን ቋንቋናን ክንነብሮን ክንገልጾን ኢና እንደልይ፡ ቤተ ክርስቲያን ክርስቲያናዊ ሓሳባት እተብጽሓሉን እትዝርግሓሉን ዝተፈላለዩ ወጅህታት ክህልዋ ይግባእ፡ እዚ ኸኣ ናይ ዝብጽሖ ከባቢ ባህልን ቋንቋን ልምድን ግምት ምሃብ ዝብል እዩ ክብሉ እንከለዉ ኣብ ብራዚላዊ ኣማዞን ዓሌት ደቀባት ባራሳን ኣባል ኣናቴ ማሪሉሰ ዶስ ሳንቶስ መስኪታ፥ ብዛዕባ ኣማዞናዊ መንፈሳውነት ዝብል ሓሳብ ኣማእኪለን ኣብ ዝሃበኦ መልሲ፡ ቅዱስ ኣቦና፥ ናይ ደቀባት መንፈሳውነት ብመንጽር እቲ ዝስበኽን ዝንበርን ቃል ኣምላኽ ብምንባብን ብመሕትት ቃል ኣምላኽ ምዕሟቕ የድሊ እንክብሉ ከምዝገለጽዎ እዩ፡ ስለዚህ ብህልትውና ኣብ ስብከተ ወንጌል ኣገዳሲ እዩ፡ ቃል ኰነ ኣባና እውን ሓደረ ዝብል ቃል ወንጌል መሰረት ዘለዎ እዩ ዝብል መልሲ ከምዝሃባ ኣመልኪቶም።

ሲኖዶስ፥ ኢየሱስ ማእከል ናይ ውህደትና እዩ
25 October 2019, 17:37