ካርዲናል ላዳሪያ፥ ሲኖዶስ፡ ወንጌላዊ ተልእዀ ንቤተ ክርስቲያን መሰረታዊ እዩ ካርዲናል ላዳሪያ፥ ሲኖዶስ፡ ወንጌላዊ ተልእዀ ንቤተ ክርስቲያን መሰረታዊ እዩ 

ካርዲናል ላዳሪያ፥ ሲኖዶስ፡ ወንጌላዊ ተልእዀ ንቤተ ክርስቲያን መሰረታዊ እዩ

ብህልትውና ብርግጽ ንከባቢ ኣማዞን ጥራሕ ዝምልከት ኣይኰነን፡ ኣብ ዝዀነ ይዅን ከባቢ ዓለም ሕዝብታትን እቲ ኣሃዱ ዝዀነ ናይ ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ ምስቲ ዝበጽሖ ከባቢ ምልዛብ ማለት እዩ

ብህልትውና ማለት እቲ ኣብ ዝዀነ ይኹን ዝተፈላለየ ናይ ኣህዛብ ባህልታት ወትሩ ኣሃዱ ዝዀነ ናይ ቤተ ክርስቲያን መልእኽቲ ምልዛብ ማለት እዩ፡ ነዚ ዝበሉ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፍራንሲስኮ ልዊስ ላዳሪያ ፈረር ብዛዕባ እቲ ኣማዞን ዝመክር ዘሎ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ደጋጊሙ ዘመላኽቶ ዘሎ ብህልትውና ዝብል መሰረታዊ ሓሳብ ኣማእኪሎም ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘያየድዎ ቃለ አምሕትት ዘስመሩሉ ሓሳብ እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ዋሕዲ ካህናት ኣብ ዝረኣየሉ ማእለያ ዘይብሉ ሰፊሕ ከባቢ ኣማዞን፡ ሓድሽ ዓይነት ተልእዀ ምምዕባል የድሊ፡ ነቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ከባቢ ህልው ምዃና መሰረት ዝገበረ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ምዃን ዝተሳዅዔ ብዝበለጸ ንናይ መላእ ማሕበረሰብ ጉስነት ሰናይ ዝብል ተልእዀታት ምምዕባል ማለት እዩ፡ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ምዃናዊ ኣመክንዮ ዝጸንዔ።

ናይ ትምህርተ ክርስቶስ ተልእዀን፡ ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ቃል ኣንባብን ዝብሉ ዓለማውያን ምእመናን ዘጠቓልል ተልእዀ፡ ክንየው ንዝብል ተልእዀ ቤተ ክርስቲያን መልሲ ክትህበሉ ዝብል ሕቶ እዩ፡ ስለዚህ እቲ ሲኖዶስ መኺሩሉን ርእይቶ ሂቡሉን ምስ ኣብቀዔ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ውሳኔ እዩ ይኹን ኣይኹን ዝብሎ፡ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ ጴጥሮስን ኣብ ትሕቲ ጴጥሮስን እያ።

ብህልትውና ብርግጽ ንከባቢ ኣማዞን ጥራሕ ዝምልከት ኣይኰነን፡ ኣብ ዝዀነ ይዅን ከባቢ ዓለም ሕዝብታትን እቲ ኣሃዱ ዝዀነ ናይ ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ ምስቲ ዝበጽሖ ከባቢ ምልዛብ ማለት እዩ፡ ምልዛብ ማለት ከም ድላይካ ምልውዋጥ ማለት ኣይኰነን፡ ስለዚህ ነዚ መሰረት ብምግባር፡ ስልጣናዊ ትምህርቲ ድዩ ጠመቓውን ሃምነናውን ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን፡ ንምቕያር ዘይኰነስ ንኽፍጸም እዩ፡ ኣብዚ ናይ እምነት ትውፊታውን ባህላውን ቀኖናውን ሃምነናውን ትሕዝቶ ዓቂብካ ምስ ዝራኸቦ ባህሊ ክላዘብ ምግባር ናይ ቤተ ክርስቲያን ጸዋዕታዊ ሓላፍነት እዩ ምስ በሉ፡ ካህናት ናይ ልኡካነ ወንጌላውነት መንፈስ ክነብሩ ዝተጸውዑ እያቶም፡ እዚ መሰረታዊ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ካርዲናል ላዳሪያ፥ ሲኖዶስ፡ ወንጌላዊ ተልእዀ ንቤተ ክርስቲያን መሰረታዊ እዩ
19 October 2019, 16:45