ሲኖዶስ ዛዕባ ኣማዞን፡ ሻብዓይ ኣኼባ፥ ኵለንተናዊ ሕንጸት ምህዳር ዜጋዊ ንምግባር ሲኖዶስ ዛዕባ ኣማዞን፡ ሻብዓይ ኣኼባ፥ ኵለንተናዊ ሕንጸት ምህዳር ዜጋዊ ንምግባር 

ሲኖዶስ ዛዕባ ኣማዞን፡ ሻብዓይ ኣኼባ፥ ኵለንተናዊ ሕንጸት ምህዳር ዜጋዊ ንምግባር

ኣማዞን ነቲ ዘለዎ ሃብቲ ብዙሕነት ሕይወትን ባህልታትን ነቲ ናይቲ ከባቢ ሕዝብን ኵሉ በቲ ምዕቡል ብዝበሃል ዓለም ናይቲ ከባቢ ሃብቲ ንምብሓትን ንናይ ገዛእ ርእሱ መኽሰብ መፈጸሚ ንምግባር ብዝብል ስሱዕ ከይዲ ኤኮኖሚ ንሓደጋ ተቓሊዑ ከምዝርክብ

ዕለት 12 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. እቲ ዛዕባ ኣማዞን ዝመክር ዘሎ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ 175 ኣበው ሲኖዶስ ኣሳቲፉ ኣብ ዘካየዶ ሻብዓይ ኣኼባ፡ ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ክቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ በዓል ቅድስተ ማርያም ዘኣፓረሲዳ ኣብ እትብዕለሉ ዕለት ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ እቲ ናይ ሲኖዶስ ሻብዓይ ኣኼባ ነታ ናይ ሃገርን ሕዝብን ብራዚል ሓላዊት ቅድስቲ ኣማድነት ከምዘወከፉን፡ ኣብቲ ኣኼባ ተቐባልነት ንዘለዎ ኵለንተናዊ ምዕባለን ንውስጠ ርክብ ዝተፈላለየ ናይ ትምህርቲ ጨናፍርን ብሔራዊ ሰገር ርክባት ናይ ትምህርቲ ጨናፍርን፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዛዕባ ኵለንተናዊ ሕንጸትን መጋበርያ ውህደትን ካብቲ ሰብ ከም ጓሓፍ ዝሓስብ ባህሊ ንምርሓቕን ናብ ምርኻብ ባህሊ ምቕራብን ምህዳር ዘማዕደው መደብ ሕንጸት ዘለዎ ኣገዳስነትን ኣዚ ኸኣ ብኣማዞናዊ መንጽር ክነቓቓሕን፡ ሰናይ ምንባርን ሰናይ ናይ ሓባር ናብራን ሰናይ ግብርን ዝብሉ ሓሳባት ከምዝቐረበ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣመልኪቱ።

ምህዳር ዜጋ ምግባር (ንምዝግናይ)

ኣማዞን ነቲ ዘለዎ ሃብቲ ብዙሕነት ሕይወትን ባህልታትን ነቲ ናይቲ ከባቢ ሕዝብን ኵሉ በቲ ምዕቡል ብዝበሃል ዓለም ናይቲ ከባቢ ሃብቲ ንምብሓትን ንናይ ገዛእ ርእሱ መኽሰብ መፈጸሚ ንምግባር ብዝብል ስሱዕ ከይዲ ኤኮኖሚ ንሓደጋ ተቓሊዑ ከምዝርክብን፡ ነዚ ዓይነት ጐዳኢ ርክብ’ዚ ንምውጋድ ኣብ መንጐ ሰብን ከባብን ዘሎ ርክብ ዳግም ዘተኻኽል ኵለንተናዊ ሕንጸት ኣገዳሲ ከምዝዀነን፡ እዚ በቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ይሴባህ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቶም ዘመላኽትዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ መሰረት ዝምራሕ ኰይኑ፡ ብዝሓነት ዘኽብር ዓመጽን ኢፍትሓነት ዝኣልይ ናይ ደቀባት መሬትን ከባቢ ሓምላይ ሃብትን ኣግራብን ምምንዛዕ ካብ ዝብል ዓይነት ኤኮኖሚ ናጻ ምልቓቕን ከምዘድሊ እቲ ሻብዓይ ኣኼባ ከምዘተሓሳሰበ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ስራሕን ዘህዝን ፍጻሜ ንግድ ሰብን

እቲ ኣኼባ ነቲ ብዙሕ እዋን ብስነ እደ ጥበባዊ ዕባልሎን መኽሰብን ጥራጥ ብዝብል ኤኮኖሚ ዝምዝመዝ ስራሕን ምህዳርን ኣመላኺቱ ስራሕን ምህዳርን ዝተመራዀሱ ምዃኖም ብምዝኽኻር ናይ ዘፍጥረት ቲዮሎጊያ ብምንቕቓሕ ኣብ ልዕሊ ስራሕን ምህዳርን ዝፍጸም ጸቕጢ ኰነ ምዝመዛ ንምውጋድ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ቤተ ክርስቲያን ተጊሃ ክትዓይን፡ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ናይ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት መሰልን ክብርን ምንቕቓሕ ከምዘድልን፡ ተሓላቕን ተሓባባርን ኤኮኖሚ ምትብብዕን፡ ምዝመዛ ሰብኣዊ ጉልበትን ኣብ ልዕሊ ሕቲ ዕድመ ዝፍጸም ምዝመዛን ክውገድ ከባብያውን ዓለም ሓቆፋዊ ሕግታት ኣብ ግብሪ ክውዕሉን ንናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ክብርን መሰልን ብዅለ መዳይ ትጉህ ኣስተዋጽኦ ክቐርብ ኣለዎ ቢሉ ከምዘተሓሳሰበ ዝሓበረ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡

ግደ ደቀንስትዮ

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ምቅዋምን ንኽውገድ ብርቱዕን ህርኩትን ጻዕሪ ምክያድን፡ ኣብ ተልእዀ ኣስፍሆተ ወንጌል ንናይ ዓለማውያን ደቀንስትዮ ተልእዀ ዝብል ሓሳብ እውን ከምዝቐረበን፡ ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ተሳትፎን ምትሕብባርን ደቀንስትዮ ምስ ኣባላት ውሉደ ክህነትን፡ ኣብ ከባቢ ኣማዞን ዘገልግላ ናይ ዝተፈላለያ ማሕበር ደናግል፡ ንጸዋዕታን ኣብ ውፉይ ኣገልግሎትን ልኡካነ ወንጌልን ጸዋዕታ ኣብ ደቀባት ኣማዞን ዘለወን ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ዘመላኽት ሓሳብ ከምዝቐረበን፡ ኣገልግሎተን ካብ ክህነታውነት ብዝረሓቀ ብመንጽር ሲኖዶሳዊ መክብ ክረአይን ክትግበርን ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ከምእተቓልሔ ኣፍሊጡ።

ዛዕባ ጸዋዕታ ዝምልከት ሕቶ

ዋሕዲ ጸዋዕታን ጸዋዕታ ኣብ ምንቕቓሕ ቡክራት ቤተ ክርስቲያንን ዝብል ሓሳብ እቲ ሻብዓይ ኣኼባ ከምእተስተንተነሉን፡ ብኻልእ መዳይ ነቲ ዘሎ ዋሕዲ ጸዋዕታ ሰብ-ሓዳር ብሱላት ኣብ እምነትን ምኵራትን ኣብ ክህነታዊ ጸዋዕታ ሱታፌ ክህልዎምን ማዕርገ ክህነት ክቕበሉን ዝብል ሓሳብ እውን ዳግማይ ተላዒሉን ነዚ ጉዳይ እዚ ዘጽንዕ ፍልዩ ናይ ቤተ ክርስቲያን ዓለም ሓቆፋዊ ድርገት ክቐውምን ቀዋሚ ድቁና ዘለዎ ኣገዳስነት እውን ከምተመልከተ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ስደተይናታት ቍጽሪ ዘይኰነ ሰባት እያቶም

ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ኣተኵሮኦም ኣብቲ ማሕበራዊ ሕቶ ኣብ ዝዀነ ዛዕባ ስደተይናታት ኣንቢሮም ንስደት ዝዳርግ ማሕበራውን ፖለቲካውን ምህዳራውን ኤኮኖሚያውን ወይ ውን ጽልእ ዓሌትን ሃይማኖታዊ ኣሳዶን ዝብሉ ምኽንያት ንምውጋድ ዝድግፍ ብትክኽል ነዚ ጉዳይ’ዚ ዝጨመተ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምቕራብ ከምዘድሊ ደጊሞም ብምዝኽኻር ስደተይናታት ቍጽሪ ዘይኵኑስ ሰባት እያቶም ስለዚህ ምስቲ ሰብኣዊ ምዃኖም ዝተኻኸል ምሕደራን እውነተይና ኵለንተናዊ ድጋፍ ክቐርበሎም ከምዝግባእ ሓቢሮም።

ሓላፍነት ወንጌላዊ ተልእዀ ቤተ ክርስትያንን ኤኮኖሚያዊ ብድሆን

እቲ ሻብዓይ ኣኼባ ናይ ቤተ ክርስቲያን ወንጌላዊ ልኡክነት ዝብል ሓላፍነትን እዚ ኸኣ ኣብቲ 38 ሚሊዮን ሕዝቢ ዝርከበሉ ከባቢ ኣማዞን ብተግባር ክትርጐም እንከሎ፡ ሕይወትን ቃልን ዘጣመረ ምስክርነትን ውህበትን ውበትን ዘጣመረ፡ ናይ ምምራኽ ብቕዓት ዘለዎን፡ ናይ እትወጽእ ቤተ ክርስቲያን መግለጺ ክኸውን ዝብል እዩ፡ ብስራተ ወንጌል ኣብ እምነት ዝሓንጽ ክኸውን ናይ ሕዝብታት ባህላውን ማሕበራውን ሃብቲ ብወንጌል ክህብትም ምግባርን፡ ኣብቲ ንሓድነት ዝኣመተ ምስ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝግበር ናይ ሓባር ዘተን ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኣብ ዝግበር ዘተን፡ ከባብን ምህዳርን ኣብ ምክልኻልን ዘተ ኣብ መንጐ ሕዝብታትን ኣብ ምንቕቓሕ ዓቢይ ግደ ዘለዎ ክኸውን ከምዘተሓሳሰበ ዝሓበረ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡

ብሰማዕነት መሰል ዝሳተፍፉ፥ ኣማዞን ኣቕሓ ንድግ ኣይኰነ፡ ኣይፋል ንባዕድዊ መግዛእትን

ኣብ መዕጸዊ እቲ ሻብዓይ ኣኼባ፡ ብሰማዕነት መሰል ካብ ዝሳተፉ፥ ኣማዞን ዝተዓደሎ ጸጋታት ንምጥቃም ዝብል ነቲ ከባቢ ኰነ ነቲ ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ዘየናሕስይ ተመጽዋቲ እምበር ተጠቃሚ ዘይገብር ናይ ኤኮኖሚ ኪደት ሓደገይናንቱን ሕዝብን ከባቢ ኣማዞንን ንሓደጋ ዝዳርግ ምዃኑን ኣመላኺቶም፡ ናይቲ ከባቢ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ንምጥቃም ዝመርሕ ስርዓትን ሕግን ናይቲ ከባቢ ጽባቔን ሃብትታትን ተቐማጦን ዘይከላኸል ናይቶ ዝምዝምዙ ጥቕሚ ሓለፋ ዝብል ከምዝዀነን፡ ኣብቲ ከባቢ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ዓይነት ምዝመዛን ዓመጽን ኰኒና ንዝምልከቶ ኣካል ኣቤት ትብል፡ ኣብ ኣጠቓቕማ ናይ ተፈጥሮ ጸጋታትን ምህዳርን ተቐማጦን ዘኽብር ከይዲ ኤኮኖሚ ክረጋገጽን ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ተጠቓሚ ዝገብር ክኸውን ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ኣይፋል ነቲ ኣማዞን ከም ኣቕሓ ንድግ ንዝምልከትን ንባዕዳዊ መግዛእትን ቢሎም ካብ ኣማዞናዊ ስነ መጐት ዝብገስ ዓይነት ኤኮኖሚን ምህዳራውን ቤተ ክርስትያናውን ኣመለኻኽታ እውን ኣገዳሲ እዩ ከምዝበሉ የመልክት።  

ሲኖዶስ ዛዕባ ኣማዞን፡ ሻብዓይ ኣኼባ፥ ኵለንተናዊ ሕንጸት ምህዳር ዜጋዊ ንምግባር
12 October 2019, 18:46