ኣማዞናዊ ሲኖዶስ፥ ጠመተ ኣማዞን

ዓሌታት ደቀባት ኣማዞን ናይ ባህልን እምነት ሃብትን

ናይ ሕይወት ታሪኻትን ጭቡጥ ጸገማትን ጥራሕ ዘይኰነ ምእንቲ ሰናይነት ንእንነብረሉ ዓለምን መላእ ዘረእሲ ሰብን፡ ክስማዕን ምስትውዓልን ዝሓትት መንፈስን ጠመተን ናይቶም 390 ናይ ከባቢ ኣማዞን ዓሌታት ደቀባት፡ ሎሚ ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዛዕባ ኣማዞን ኣብ ዝመክር ሲኖዶስ ብዝውክሉ ይቃላሕ፡ እቶም ዓሌታት ደቀባት ኣማዞን ናይ ባህልን እምነትን ሃብቲ ብምዃኖም እዚ ነቲ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ኣማዞን ንከመላኽትዎ ዝሓስብዎ መገድታት መሰረት እዩ፡ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ፡ ነቲ ህልው ኵነታት ከባቢ ኣማዞን ብመንጽር ናይቲ ከባቢ ተቐማጦ ደቀባት ብምጥማት ኣብቲ ናቶም የዕንቲ ዘሎ ጠመተ እግዚኣብሔር ብምልላይ መወልን ምትሕብባርን ምትሕልላይን ምንእቕቓሕን ሓደስቲ ስርዓትን ኣማዞናዊት ቤተ ክርስቲያንን ዝብሉ ሓሳባት ኣብ ምቕራብ ይርከብ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣማዞናዊ ሲኖዶስ፥ ጠመተ ኣማዞን

 

19 October 2019, 10:45