ድለ

ናይ ዕለት 17 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ጽማሬ ዋዕላ ሲኖዶስ ናይ ዕለት 17 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ጽማሬ ዋዕላ ሲኖዶስ 

ናይ ዕለት 17 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ጽማሬ ዋዕላ ሲኖዶስ

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ፓውሎ ሩፊኒ፡ ብዘስምዕዎ ናይ መእተዉ ቃል ነቶም ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ቃሎም ዘስምዑ ተጋባእያን ሲኖዶስ ከምዘላለዩን

እቲ ዕለት 17 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ናይ ቅድስቲ መበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉብኤ ኣዳራሽ ዝተወሃበ መግለጺ ጽማሬ ዋዕላ ሲኖዶስ፥ መሰልን ክብርን ደቀባት፡ ኣስፍሆተ ወንጌልን ብህልውትናን ኣብ ዝብል መሰረታዊ ሓሳብ ዘማእከለ ከምዝነበረን፡ ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ካብ ብራዚል ዝመጹ ብፁዕ ኣቡነ ሮከ ፓሎስኪን ኣባል ማሕበር ሳሊዚያውያን ኣባ ኹስቲኖስ ሳርመቶ ረዘንደን ናይ ረፓብሊካዊት ብራዚል ኣኽባሪ ሕጊ ዶክተር ፈሊሲዮ ኣራውዦ ፖንተስ ኹኒዮርን ዛዕባ ኣማዞንን ደቀባትን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣማዞንን ዘማእከለ ቃል ምስክርነት ከምዘስምዑ ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ካብ ኤኳዶር ዝመጻ ናይ ደቀባት ኤኳዶር ወከልቲ ፓትሪዚያ ጓሊንጋን ጉያና ለያህ ሮዘን ከምእተሳተፋን እዘን ደቀባት ክልተ ደቀንስትዮ ነቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ብዘስምዐኦ ዘረባ ከምዘበገሳ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ፓውሎ ሩፊኒ፡ ብዘስምዕዎ ናይ መእተዉ ቃል ነቶም ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ቃሎም ዘስምዑ ተጋባእያን ሲኖዶስ ከምዘላለዩን፡ መምህር ለያህ ረዘ፥ ንሰን ኣብቲ ዝርከባሉ ኣማዞናዊ ከባቢ፡ ድርብ ልሳብ ዝምህራ ከምዝዀናን፡ ናይ ድርብ ልሳን ትምህርቲ ምስ ኢየሱሳውያን ልኡካነ ወንጌልን ምስተን ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያንን ብምትሕብባርን በቲ ናይቲ ከባቢ ናይ መግስቲ ኣካላት ብዘቕርቦ ምትሕብባር እውን ዝተበገሰ ምዃኑ ክሕብራ እንከለዋ፥

ኣብ ኤኳዶር ናይ ኪቻው ዘስራያኩ ደቀባት መሰልን ክብርን ዝጣበቓ ፓትሪሲያ ጉኣሊንጋ እውን ብወገነን፡ ኣብ ኤኳዶር ናይ ደቀባት መራሕትን ሕዝብታ ደቀባትን ዝወርዶም ጸቕጥን ዘጓንፎን ስቓይን ዘርዚረን እቲ ኣብ ልዕሊ ደቀባት ዝፍጸም በደል ከብቅዕን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ደቀባት ክሕሎን ዝተፈላለዩ ተበግሶታት ምስ ቤተ ክርስቲያን ብምትሕብባር ዘነቓቕሓ ምዃነን ከምዝሓበራ ዝገለጻ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ዶኒኒ ኣስዒበን፡ ፈሊሲዮ ደ ኣራውዦ ፖንተስ ዡኒዮር፥ ናይ ሕጊ ኣማኻሪ ናይ ደቀባት ስርዓትን ሕግን ሊቅ እውን ብወገኖም፡ ኣብ ብራዚል ናይ ከባቢ ኣማዞን ደቀባት ብዝተፈላለዩ ናይ ኤኮኖሚ ምዕባለ ኣገባባት ምኽንያት መሬቶም ዝምንዝዑን ምስ ምንዛዐ መሬት ደቀባት ተተሓሒዙ ዘጋጥሞም ዝተፈላለዩ ዓይነት ሽግራትን ዘርዚሮም፡ ናይ ከባቢ ኣማዞን ምህድራዊ ሜላ ንናይ ኤኮኖሚ ምዕባለ ብዝብል ምስምስ ከዕንው ማንም ኣካል መሰል የብሉን ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ኣብ ብራዚል ናይ ሰበኻ ፖርቶ ቨልሆ ሊቀ ጳጳስ ኣብ ብራዚል ተልእዀ ወንጌል ናብ ደቀባት ዝሓልይ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ሮከ ፓሎስኪ፡ ደቀባት ሰብኣዊ መሰሎምን ክብሮም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ከዝገሃስን፡ ባህሎምን ቋንቋኦምን መሬቶም ናይቲ ዝወርዶም ጸቕጢ ኣደዳ ከምዝዀነን ኣብሪሆም፡ ኣብ ብራዚል ኣብ 1988 ዓ.ም. ዝረቐቐ ሕጊ፡ ካብ 1993 ዓ.ም. ናይ ደቀባት ካባቢ መሬት ክውሰንን ምልኩት ክኸውን ዝብል ውሳኔ ስዒቡ፡ እቲ ሓደ ሲሶ እውን ምልኩት ከይኰነ ከዝተረፈን፡ እዚ እውን ኰነ ተባሂሉ መሬት ደቀባት ንምብሓት ዝተሃቀነ ሜላ እዩ ቢሎም፡ ናይዚ ኵነት’ዚ ተጠቀምቲ ህብረ ኢንዳስትሪታትን ህብረ ትካላትን እያተን፡ መሬቱ ዝምንዛዕ ናይቲ ከባቢ ሕዝብን ደቀባትን ዘየርብሕ ብዝገደደ ናብ ድኽነትን ስእነት መግብን ስደትን እዩ ዝዳረግ ኢሎም። ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝብልዎ ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ከባቢ ካብ እተሳልጦ ዝተፈላለዩ ናይ ሰብኣዊ መደባትን መደብ ሕንጸትን ኣስፍሆተ ወንጌል ብምስክርነት ናይ ወንጌል ሓሴት እንተዘይኰነ ብኣገባብ ግብረ ምስዳዕ ኣይኰነትን እተካይድ፡  ክርስትና ካብ ላዕሊ ብጸቕጢ ዝቐርብ ዘይኰነስ ማለት ናይቲ ከባቢ ባህሊ ዝሓክኽ ናይ ባህሊ ጸቕጢ ከይኑ ዝቐርብ ዘይኰነስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ባህሊ ዘሎ ናይቲ ኣብ መጀመሪያ ቃል ዝነበረ ደሓር ዝተሰብአ ዘርኢ ብምልላይ ምስ ኢየሱስ ምርኻብ ዝብል ብስራት ሓድሽ ሕይወት እያ እተካይድ ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግልት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ዶኒኒ ኣስዒበን፡ እቲ ናይ ዕለት 17 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ዝተኻየደ ኣኼባ ሲኖዶስ መሰልን ክብርን ደቀባት፡ ኣስፍሆተ ወንጌልን ብህልውትናን ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ከምዝነበረ ኣፍሊጠን።

ናይ ዕለት 17 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ጽማሬ ዋዕላ ሲኖዶስ
18 October 2019, 16:13