ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን፥ ስነ ምግባራዊ መርሕነት ነገልግሎት ናይ ሓባር ቤትና

እቲ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ሎረንዞ ባልዲሰሪን ናይ ሲኖዶስ ልኡካን ኣቦ መንበርን ናይ መላእ ከባቢ ኣማዞኦን ቤተ ክርስቲያናዊ ማሕበር መረብታዊ ርክብ ኣቦ መንበርን ብፁዕ ካርዲናል ፐድሮ ሪካርዶ ባረቶ ኺመኖን ብዘስምዕዎ መደረ ተበጊሱን

ዕለት 19 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ነቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝካየድ ዘሎ ዛዕባ ኣማዞን ዝመክር ሲኖዶስ ኵነት መሰረት፡ ጆሰፍ ራትዚንገር-በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ባህሊ ማሕበር ናይ ከባቢ ኣማዞን ብድሆታት፡ ኣብ መንጐ ዓለም ሓቆፍ ውድባትን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ምትሕብባር ዘለዎ ኣገዳስነት፡ ስነ ምግባራዊ መርሕነት ብዝብል ኣርእስቲ ዘሰናደዎ ዓውደ መጽናዕቲ ከምእተኻየደ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ መግንብ ሕርሻን ሓልዮ ውድብን ናይ ዓለም ሓቆፍ መዋሊ ናይ ሕርሻ ልምዓትን ዓለም ሓቆፍ ናይ መግቢ መርሓ ግብሪ ሓልዮ ውድብ ልኡካንን ኣብ ማድሪድ ተቕዋም ራዞን ኣቢየርታን (ርህው ምኽንያት) እተሰምየ ተቕዋምን ብምትሕብባርን ብማሕበር ጆን ተምፕለቶን ብዘቕረቦ ሓገዝ ዝተዳለወ እውን ምዃኑ ዝሓበራ ማሶቲ ኣስዒበን፡ ማሕበር ተምፕለቶን ኣብ ዓለም ንስነ ምግባራዊ መርሕነት ዝሓቀኑ መደብ ሕንጸት ዘተባብዕን ነዚ መደብ እዚ መሳለጢ ኵሉ ዘቕርብ እውን ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡  

እቲ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ሎረንዞ ባልዲሰሪን ናይ ሲኖዶስ ልኡካን ኣቦ መንበርን ናይ መላእ ከባቢ ኣማዞኦን ቤተ ክርስቲያናዊ ማሕበር መረብታዊ ርክብ ኣቦ መንበርን ብፁዕ ካርዲናል ፐድሮ ሪካርዶ ባረቶ ኺመኖን ብዘስምዕዎ መደረ ተበጊሱን፡ ኣብ ናይ መግብን ሕርሻን ዓለም ሓቆፍ ውድብ ዛዕባ ጉዳይ ከባቢ ኣየርን ብዝሓ ሕይወታውያንን መሬትን ሃብቲ ማያትን ናይ ዝግደስ ቤት ጽሕፈት ኣመሓዳሪ ረነ ካስትሮ ሳላዛርን ኣብ ሕርሻ ልምዓት መዋሊ ማሕበር ናይ ዕደ ጥበባዊ ኪደት ኣማኻሪ ማቲያ ፕራየር ካለቲን ኣብ ባርቸሎና ናይ ስነ ማሕበረሰብኣዊ መምህር ፕሮፈሰር ፍራንቸስኮ ቶራልባን ዘረባ ከምዘስምዑን ነቲ ዓውደ መጽናዕቲ ዘላዘቡ ናይ ማሕበር ጆሰፍ ራትዚንገር-በነዲክቶስ መበል 16 ኣቦ መንበር ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ክዀኑ እንከለዉ እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብተን ሰለስተ ዓለም ሓቆፍ ውድባት ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኪካ ኣረላኖን ብዘስምዕዎ መደረና ኣብ ሲኖዶስ ዝሳተፉ ዘለዉ ካብ ቦሊቪያ ከባቢ ኣምዞን ዝመጹ ደቀባት ብዘቕረብዎ ምእርኢት ከምእተዛዘመ ማሶቲ ገሊጸን።

ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን፥ ስነ ምግባራዊ መርሕነት ነገልግሎት ናይ ሓባር ቤትና
21 October 2019, 17:10