ሲኖዶስ፡ ብፁዕ ካርዲናል ባልዲሰሪ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሕና ናብ ሓደስቲ ስጉምቲ ሲኖዶስ፡ ብፁዕ ካርዲናል ባልዲሰሪ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሕና ናብ ሓደስቲ ስጉምቲ 

ሲኖዶስ፡ ብፁዕ ካርዲናል ባልዲሰሪ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሕና ናብ ሓደስቲ ስጉምቲ

ብፁዕ ካርዲናል ባልዲሰሪ ኣስዒቦም፡ እቲ ሲኖዶስ ብዛዕባ ሓደ ውሱን ከባቢ ዝመክር እውን እንተዀነ፡ ሕቶ ናይቲ ከባቢ ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዘገድሳ እዩ፡ ምእንቲ እዚ እዩ ብጀካ ካብ ከባቢ ኣማዞን ካብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ ካብ ካልኦት ሃገራት ናይ ኣትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ልኡካን ክሳተፉ ዘድለየ

ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ጠቕቅላሊ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ሎረንዞ ባልዲሰሪ፡ ኣብቲ ናይ ሲኖዶስ ናይ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ እቲ ሲኖዶስ ናይ ምንጽጻርን ሱታፌን ሓባራዊ ዓቕምን ዝንበረሉ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ኣብዚ 185 ናይ ሲኖዶስ ኣበውን 6 ብመሰል ልኡካን ዝሳተፉ 12 ፍሉያት ዕዱማትን 25 ክኢላታትን 55 ብናይ ሰማዕነት መሰል ኣሳቲፉ ኣብ ዝካየድ ዛዕባ ኣማዞን ዝመክር ሲኖዶስ፡ ደቀባት ኣማዞን ጽን ዝብል ከምዝዀነ ብፁዕነቶም ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ ሓደስቲ መገድታት ዘለልይ ዓውደ ዘተ፡ እቲ ናይቲ ሲኖዶስ ርእሰ ጉዳይ፡ ኣማዞን፡ ንቤተ ክርስቲያንን ንኵለንተናዊ ምህዳርን ሓደስቲ ስጉምቲ ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ ብሓደ መዳይ ንቤተ ክርስቲያን ብዶሆ ክኸውን እንከሎ፡ ብኻልእ ሸነኽ እውን ብዛዕባ ናይ ከባቢ ኣየር ንብረት ዝምልከቱ ሕቶታት ኣማእኪሉ ኵለንተናዊ ምህዳር ዘማእከለ መልሲ ንምሃብ ዝፍትን እውን እዩ። ንሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብ ኣማዞን ሓደስቲ መገድታት ዘመላኽትን ናይቲ ከባቢ ጭቡጥ ኩነት ግምት ዝህብን ስግኣታታቱን ብድሆታቱን ብምልላይ ቤተ ክርስቲያን እትህቦ መልሲ ቅርጽ ዘትሕዝ እዩ።

እዚ ሲኖዶስ፥ ዝተኻየደ ቅድመ ምስንዳውን ፍጻሜታቱን ውሳኔታቱ ናብ ምትግባርን፡ ዝብሉ ሰለስተ ኣርካን ከምዘለዎ ዝሓበሩ ብፁዕ ካርዲናል ባልዲሰሪ ኣስዒቦም፡ እቲ ሲኖዶስ ብዛዕባ ሓደ ውሱን ከባቢ ዝመክር እውን እንተዀነ፡ ሕቶ ናይቲ ከባቢ ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዘገድሳ እዩ፡ ምእንቲ እዚ እዩ ብጀካ ካብ ከባቢ ኣማዞን ካብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ ካብ ካልኦት ሃገራት ናይ ኣትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ልኡካን ክሳተፉ ዘድለየ፡ ብኻልእ መዳይ እውን እቲ ናይ ከባቢ ኣማዞን ሕቶ ኣብ ካልእ ከባቢ እውን ዝጽነባረቕ እዩ፡ ኵሉ ናይቲ ቑሸት ዝዀነ ዓለም ኣካል እዩ፡ እታ እንኰ ናይ ክርስቶስ ቤተ ክርስቲያን እትነብሮ ኵነት ዝምልከት እውን ምዃኑ የብርሁ።

ብፁዕነቶን ናይዚ ዝተኸፍተ ሲኖዶስ ኣበጋግሳኡን ካበይን መኣዝን ህላነኡን ዝተኻየዱ ምድላዋትን ኩሉ ዘጠቓለለ ታሪኽ ናይቲ ሲኖዶስ ብሓጺሩ ገሊጾም፡

ናይቲ ሲኖዶስ ስነ ሜላ

እቲ ንዝቕጽል ሰለስተ ሰሙን ዝካየድ ሲኖዶስ ዝውከሶ ሰነድ እቲ ቅድም ክብል ዝተሰናደው ዘተን ምይይጥን ርክባትን ዝወለዶን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይዅንታ ዝሃብሉ ናይ መዛተይ ሰነድ ክኸውን እንክሎ፡ ኣብ ፍጻሜ እቲ ሲኖዶስ ዝተመያይጠሉን መልሲ ይዀኑ ዝበሎምን ዘተጠቓልል ናይ ፍጻሜ ሰነድ ከምዘቕርብን እቲ ሰነድ ዕለት 26 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኣብ ናይ መወዳእታ ኣኼባ ድምጺ ምስ ተወሃበሉ፡ እቲ ብድምጽ ዝጸደቕ ሰነድ ንር.ሊ.ጳ. ክመሓላለፍ ዝእረም እንተሎ ኣሪሞምን ዝውሰኽ እንተሎ ወሲዀምን ውሳኔ ምሃብ ናይ ር.ሊ.ጳ. ሓላፍነት ይኸውን።

ጋዜጣዊ መግለጽታት ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ

ናይዚ ሲኖዶስ ከይዲ ዘገባ ድዩ ጸብጻባትን ከይድታቱን ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ህየንተ ፓውሎ ሪፉኒ ብዝምራሕ ናይ ሲኖዶስ ፍሉይ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፍን ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ጃኮሞ ኮስታን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ኣመሓዳሪ ማተዮ ብሩኒን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ትርኒየሊን ናይ ከባቢ ኣማዞን ኣቢያተ ክርስቲያን መርመባዊ ርክባት ጉዳይ ዝሓልይ ማሕበር ወሳኒ ሽማግለ ዋና ጸሓፊ ማውሪሲዮ ሎፐዝ ኦሮፐዛን ንናይ ኣማዞን ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ጳጳሳዊ ድርገት ሓላፊት እናቴ ማሪያ ኢረነ ሎፐስ ዶስ ሳንቶስን ካልኦት ኣርባዕተ ብር.ሊ.ጳ. ዝተሓርዩ ኣባላት ሲኖዶስ ኣበውን ብኣባልነት ዝሓቁፍ ከምዝዀነ ዝሓበሩ ካርዲናል ባልዲሰሪ ኣስዒቦም፡ ዕለታዊ ከይዲ ሲኖዶስ ጸማሪ ሓበሬታ ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ህየንተን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ዝወሃብ ኰይኑ፡ ወግዓዊ ዝርጋሔኡ ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ሓላፍነት ከምዝዀነ ይሕብሩ።

ብፁዕ ካርዲናል ባልዲሰሪ፥ ነቶም ነዚ ሲኖዶስ ዝከታተሉ ናይ ኣማዞን ደቀባት እናሓሰቡ፡ ኣብ ልቢ እቲ ሲኖዶስ ምዃኖም ገሊጾም፡ ድምጽኹምን ሕቶታትኵምን ኩሉ ቤተ ክርስቲያን ናታ ገይራ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ብተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣቢላ ከምዝጸወዓትን ነዚ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ምስጋና ይዀኖ ሎሚ ዓለም ቆላሕታኡ ኵሉ ናባኹምን፡ ናብ ባህልታትኵምን መንፈሳውነትኵምን ናብቲ ኣብ ክርስቶስ ዘለኩም እምነትን ኣቢሉ ይርከብ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ነቲ ናይ ከባቢ ኣማዞን ሕዝቢ ትጽቢታት ዝበረኸ ክኸውን ንቕድስቲ ድንግል ማርያም ዘኣማዞን ነወክፍ፡ እቲ ር.ሊ.ጳ. ዘተሓሳስብዎ ኵለንተናዊ ምህዳር ውሑስ ንምግባር ዝተበገሰ መላእ ናይቲ ሃብታምን ውበትን ውህበትን ዝዀነ መሬት ንናይ ኣማዞን ህዝቢ ጸጋን ቡራኬን፡ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ወንጌል ዘርኢ ዘእንግድ ልሙዕ መሬት መታን ክኸውን ኣብ መንጐ እምነትን ባህልን ዘተ ዘተባብዕ ክኸውን ንጽልይ እክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ኣጠቓሊሎም።

ሲኖዶስ፡ ብፁዕ ካርዲናል ባልዲሰሪ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሕና ናብ ሓደስቲ ስጉምቲ
08 October 2019, 17:09