ስልማት ራትዚንገር 2019 ዓ.ም. ንካናዳዊ ናይ ፍልስፍና ሊቅ ታይሎርን ንኣሪቃዊ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ስልማት ራትዚንገር 2019 ዓ.ም. ንካናዳዊ ናይ ፍልስፍና ሊቅ ታይሎርን ንኣሪቃዊ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ  

ስልማት ራትዚንገር 2019 ዓ.ም. ንካናዳዊ ናይ ፍልስፍና ሊቅ ታይሎርን ንኣሪቃዊ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ

ካናዳዊ ናይ ፍልስፍና ሊቅን ኣፍሪቃዊ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ንስልማት ራትዚንገር 2019 ዓ.ም. ብቝዓት ተባሂሎም

ንናይ 2019 ዓ.ም. ሽልማት ጆሰፍ ራትዚንገር በነዲክቶስ መበል 16 ካናዳዊ ናይ ፍልፍና ሊቅ ወዲ 87 ዓመት ዝዕድመኦም ናይቲ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ካብ መዳይ ሕንጸት ዝንጽል ባህሊ ብዕምቆት ዝተመራመሩን ታይሎርን ኣፍሪቃዊ ተወላዲ ቡርኪና ፋሶ ወዲ 53 ዓመት ዕድመ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ በረን ብቑዓት ክብል ማሕበር ዮሲፍ ራትዚንገር ከምዝሓረዮም ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣለሳንድሮ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቻርለስ ታይሎር ኣብ 1931 ዓ.ም. ኣብ ካናዳ ከተማ ሞንትረኣል ዝትወልዱን ኣብ መክጉል መንበረ ጥበብ ዝተመሃሩን ደሓር እውን ኣብ እንግልጣር ኦክስፎርድ መንበረ ጥበብ ብፍልስፍና ሊቕነት ዘመስከሩን፡ ናይ ስነ ፍልስፍና ታሪኽን ናይ ስነ ፖለቲካ ፍልስፍናን ናይ ማሕበራዊ ስነ ምርምር ፍልስፍናን ብጥልቂ ዘጽንዑን፡ ቆዝሞሳዊ - ፖለቲካን ኣብ መንጐ ሃይማኖታትን እዋናውነትን ዘሎ ርክብን ብፍላይ ሃይማኖን ግብር ገብን ካብ ማሕበራዊ ሕይወትን ባህልን ሕንጸትን ዝንጽል ባህልን ዝድህስሱ ዝደረስዎም መጻሕፍቲ ኣብ ዓለም ተደናቕነት ንኽረኽቡ ከምዝገበሮምን፡ ናይቲ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ካብ ባህልን ሕንጸትን ዝንጽል ፍልስፍና ዓበይቲ ተንተንቲ ካብ ዝበሃሉ እዚዮም ወሩይ ምዃኖም ይንገረሎም።

ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ወለዶም ካብ ቡርኪና ፋሶ ንሶም ኣብ ኣይቮርይ ኮስት ዝተወልዱ፡ ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይ ስነ ቅዱስ መጽሓፍት ተቕዋም ሊቕነት ኣመስኪሮምን  ካብ 2007 ዓ.ም. ኣብ ኣይቮርይ ኮስት ርእሰ ከተማ ኣቡጃ ኣብ ዝርከብ ናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን ናይ ቲዮሎጊያ መንበረ ጥበብ ናይ ብሉይ ኪዳን ስነ ትንተናን ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ቋንቋታትን መምህር ኣባ ፓውል በረ እውን ተሰላሚ ኰይኖም ከምእተሓርዩ ክፍለጥ እነክሎ፡ ኣባ በረ ኣብ ኣፍሪቃ ንናይ ቲዮሎጊያ ምዕባለ ዝተፈላለዩ ናይ ስነ ምርምር መደባት ዘነቓቕሑን ኣብ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ጠቕላላ ዋና ጸሓፊ ቤት ጽሕፈት ብዘለዎም ቲዮሎጊያዊ ሊቕነት ዝተሓባበሩን ምስ ኣግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘተ ዝሓልዮ ዓለም ሓቆፍ ድርገት ኣባልን ይና ብዙሓት ናይ ቲዮሎጊያ ማሕበራት እውን ኣባል ምዃኖ ይንገር።  

ስልማት ራትዚንገር 2019 ዓ.ም.
01 October 2019, 18:01