ሲኖዶስ ዛዕባ ኣማዞን፥ እምነት ካብ ከይጋገይ ዝብል ፍርሒ ኣዚዩ ዝበርዔ ይኹን ሲኖዶስ ዛዕባ ኣማዞን፥ እምነት ካብ ከይጋገይ ዝብል ፍርሒ ኣዚዩ ዝበርዔ ይኹን 

ሲኖዶስ ዛዕባ ኣማዞን፥ እምነት ካብ ከይጋገይ ዝብል ፍርሒ ኣዚዩ ዝበርዔ ይኹን

ነቲ ኣብ ዓለም ዝሰፍሕ ዘሎ ሄዶንነትን (ስጋዊ ጣዕሚ እቲ ዝበለጸ ሓጐስ እዩ ዝብል ባህልን) ዕውሉም ዓለማውነትን ዝብል ባህሊ ብብቕዓት ንምክልኻል ዝብል ግንዛበ ዝወሃቦ ብዙሓት ክርስቲያን ዝነብርዎ ግትኣተ ሩካቤ-ንጽሕና ኣብቲ ከባቢ ኣማዞን ብናይ ደቀባት ባህሊ ክእንገዱ ከምዝገበሮም

ዕለት 13 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. እቲ ዛዕባ ኣማዞን ዝመክር ዘሎ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ድሕር ፍርቂ መዓልቲ 166 ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ኣሳቲፉ ናይቲ ክሳብ ዕለት 27 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ናይ ዝቕጽል ምይይጥ ሻድሻይዋዕላ ሻምናይ ኣኼባ ብምክያድ ናይ ቀዳማይ ሰሙን መርሓ ግብሪ ከምዘጠናቐቐ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ሓቢሩ፡ ናይቲ ሻምናይ ኣኼባ ሕመረት፡ ማእከላውነት ክርስቶስ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእዀ ኣብ ኣማዞን ዝብል ኰይኑ፡ ኣብ ኣማዞን ምስ ወንጌል ሌላ ዘለዎም ክንድይ ይዀኑ ዝብል ሕቶ ተላዒሉን፡ እዚ ሕቶ እዚ ንኣማዞን ጥራሕ ዝምልከት ዘይኰነ፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣስፍሆተ ወንጌል ዘለዎ ልዑል ኣገዳስነት ዘተሓሳስበን እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣስፍሆተ ወንጌል ብበይናውነት ዝፍጸም ኣይኰነን፡ ስለዚህ እቲ ኣኼባ፡ ንናይ ወንጌል ሓሴት ብቑዕ ምስክርነትን ነቶም ማእለያ ዘይብሎም ብድሆታት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብቑዕ መልሲ ንምሃብ ዝድግፍ ሓደ ብቑዕ ጉጅለ ክቐውም ዝብል ሓሳብ እውን ከምዝቐረበ ዝሓበረ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣስዒቡ፡

ኣስተንትኖን ዛዕባ ግትኣተ ሩካቤ (ንጽሕና)ን ክህነትን

እቲ Viri probati - ኣብ እምነት ምኵራት ብዝብል ሓሳብ ምርዑዋት ብሱላትን ዓበይትን ኣብ እምነት ጽኑዓትን ነቲ ኣብቲ ሳንቡእ ዓለም ተባሂሉ ዝንገረሉ ከባቢ ኣማዞን (ኣብ ዓመት እውን ሓደ መዓልቲ ቅዳሴ ንዘይበጽሖምን ማሕበረ ክርስቲያን) ዝረአይ ዘሎ ዋሕዲ ክህነት መልሲ ንምሃብ ማዕርገ ክህነት ክቕበሉ ዝብል ሓሳብ ኣብቲ  ሻምናይ ኣኼባ ብዝተፈላለየ መገድን ኣገላልጻን ክም እተለዓለ ክፍለጥ እንከሎ፡፡ እዚ ሓሳብ’ዚ ግና ስለምንታይ እዩ ብፍሉይ ንኣማዞን ጥራሕ ዝምልከ ኰይኑ ዝቐርብ ዝብል ርእዮቶ ቀሪቡን፡ ነዚ ሕቶ’ዚ ብፍሉይ ዝምልከት ናይ ገዛእ ርእሱ ሲኖዶስ ምጽዋዕ ከየድለየ ኣይክተርፍን ዝብል ካልእ ርእዮቶ ስዒቡን፡ ካብቶም ብናይ ሰማዕነት መሰል ካብ ዝሳተፉ ዘለዉ፡ ነቲ ኣብ ዓለም ዝሰፍሕ ዘሎ ሄዶንነትን (ስጋዊ ጣዕሚ እቲ ዝበለጸ ሓጐስ እዩ ዝብል ባህልን) ዕውሉም ዓለማውነትን  ዝብል ባህሊ ብብቕዓት ንምክልኻል ዝብል ግንዛበ ዝወሃቦ ብዙሓት ክርስቲያን ዝነብርዎ ግትኣተ ሩካቤ-ንጽሕና ኣብቲ ከባቢ ኣማዞን ብናይ ደቀባት ባህሊ ክእንገዱ ከምዝገበሮም ክሕብሩ እንከለዉ፡ ነዚ ኵሉ ግምት ብምሃብ ብዛዕባ ንጽሕና-ግትኣተ ሩካቤን ዘለዎ ክብሪ ብጥንቃቔ ክስትንተን ዝብል ሓሳብ ከምዝቐረበን ንክህነታዊ ሕይወት ድልው ንምባል ዝመርሕ ሓድሽ ኣገባብ ከምዘድልን፡ ካብ ዝተፈላለያ ሰበኻታትን ገዳማትን ናብ ኣምዞን ተላኢዀም ንኸገልግሉ ምትብብባዕ ከምዘድልን፡ እዚ ሓሳብ’ዚ ንናይ ቤተ ክርስቲያን ሱታፌ ኣይሃስን ንጽሕና-ግታኣተ ሩካቢ ዘለዎ ክብሪ ኣናኢስካ ንኸይረኣይ ዝሕግዝ ምዃኑ ክምልከት እንከሎ፡ በጻሒ ዘይኰነ ህልውነት ዝብል እዩ፡ ንዋሕዲ ክህነት ኣብ ኣማዞም መልሲ ንምሃብ ዝብል ሓሳብ ዘይኰነ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣማዞን ኣማዞናዊ መንነት ዘለዋ ክትከውን ዝድግፉ መገድታት ምሕባር ኣገዳሲ ምዃኑ ዘመላኽት እዩ። እምነት ኣብ መንፈስ ቅዱስ ካብ ከጋገይ ዝብል ፍርሒ ኣዚዩ ዝበርትዔ ምዃኑ ንምምስካር ዘኽእል ባይታ ምፍጣር ከምዘድሊ እቲ ሻምናይ ኣኼባ ከምዘመላኸተ ኣፍሊጡ።

ዝዀነ ይዅን ዓይነት ክህነታውነት ብምግጣም ሱታፌ ደቀንስትዮ ክብ ምባል

እቲ ሻምናይ ኣኼባ ኣስዒቡ እውን ብዛዕባ ግደ ደቀንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝብል ሓሳብ እውን ኣማእኪሉ፡ ኣብ ሃዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓላፍነት ንደቀንስትዮ ምርግጋጽን፡ ከም መምህር ትምህርተ ክርስቶስን ኣደን ኣብ ዝብል ሓሳብ ጥራሕ ዘይኰነስ ሎሚ ጓለንስተይቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ናይ ወሳኒ ኣካል ድምጺ ዘለዋ ከይና ከምዘላን፡ ነዚ ምትብባዕን ካብዚ ሓሊፉ እውን  ቤተ ክርስቲያን ካብቲ ክህነታውነት ዝብል ዓይነት ከይዲ ንኽትላቐቕ ዝድግፍ ናይ ዕርቅን ቃል ኪዳንን ምልክት እያ ኣብ ዝብል ኣመለኻኽታ ዝቖመ ሓድሽ ናይ ኣገልግሎት ሓላፍነት ክወሃባ ጻውዒት ቀሪቡን፡ ሎሚ እውን ዕንቅፋት ነገልግሎትን ሕውነትን ምትሕብባርን ዝዀነ ክህነታውነትን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝረአይ ምዃኑ እቲ ኣኼባ ብምዝኽኻር እዚ መሰናኽል እዚ ክስገር ሱታፌ ደቀንትዮስ በገባብ ሓድሽ ናይ ኣገልግልቶ ተልእዀ ምትንቕቓሕ የድሊ ከምዝበለ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣፍሊጡ።

መንፈስ ቅዱስ ኣብ ምስማዕ፡ ሕድ ሕዳዊ ምርኻብ

መንፈስ ቅዱስ ጽን ኣብ ምባል ጽኑዕ ዝዀነ ሲኖዶስ፡ ነቲ ኣብ ኣማዞን ኰነ ኣብ መላእ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ከባቢ ናይ ምዕናው ኪደትን ብክላ ከባቢ ኣየርን ንምውጋድ ምህዳራዊ ምልዋጥ ከምዘድሊ ተገሊጹ፡ ተፈጥሮ ንኽነመሓድሮን ክንከናኸኖን ዝተወሃበና እዩ፡፡ እቲ ጽቡቕን ህይዉት ኣማዞን ናይ ኣታኽትሊ ስፍራ፡ ካብቲ ገነት ኣብ ምድሪ ምዃን ባህርይኡ በቲ ዝወርዶ ሰደብ ባርዕ ሓውን ዕንወትን ናብ ገሃነም ኣብ መሬት ከይቕየር ናይ ኩሉ ሓልዮት የድልዮ፡ ብሓባር ምጉዓዝ ማለት ናይ እነብረላ መሬት ገዓር ጽን ምባልን፡ ካብቲ ዘጋጥማ ዘሎ ዝተፈላለየ ናይ ምዝመዛ ዓመጽ ንኽትላቐቕን ብሓባር ምዕያይ ማለት ምዃኑ ኣብቲ ሲኖዶስ ዝሳተፉ ዘለዉ ልኡካን ደቀባት ኣብ ዘቕረብዎ ሓሳብ ገሊጾም፡ ጽቡቕ ምንባር ማለት ኣብ ጣዕምን ሄዶንነትን ምንባር ማለት ዘይኰነስ፡ ንብጻይካን ንመሬትን ቀረባ ምዃን ማለት እዩ ቢሎም፡ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ኢማዕርነት ምውጋድን ዓውሎማውነት ንናይ ሰብኣዊ ሕይወት ረብሓ ዝብል እምበር ኣህላኽነትን ቀጥዒ ኣልቦ ናብ ዝዀነ ርእሰ ማልነትን ዝብል ማለት ከምዘይኰነን፡ ናይ ደቀባት ሕይወት ከም ዋጋ ዘኽፍል ንናይ ከባቢ ኣማዞን መሬት ዝምዝምዝ ከይዲ ኤኮኖሚ ክውገድን ምህዳራውን ኵለንተናውን ምልዋጥን ናይ ሰላምን ፍትሕን ምልክት ዝዀነ ምዕሩይ ዕዳጋ ምስፋሕ ወሳኒ ምዃኑ እቲ ሻምናይ ኣኼባ ከምዝሓበረ ዝገለጸ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣስዒቡ፥

ወጅሂ ደቀባት ዘለዎ ገዳማዊ ሕይወት/ውፉይ ሕይወት

ኣማዞን ዘጋጥሞም ስቓይ ንኸብቅዕ ዝድግፍ ቀጻሊ ኣተኵሮ ክረክብን፡ ኣብ ባህልን ያታን ደቀባት ኣማዞን ዘርኢ ቃል ምስትውዓልን ማለት፡ ኣብቶም ኣስፍሆተ ወንጌል ዝቐረበሎም ደቀባት ህልወተ ክርስቶስ ጽን ምባል የድሊ፡ ወንጌል ናይ ሓደ ውሱን ባህሊ ውርሻ ኣይኰነን፡ እዚ ኣመለኻኽታ’ዚ ወጅሂ ደቀባት ዘለዋ ቤተ ክርስቲያን ንኽትህሉ ዝድግፍ እዩ፡

ገዳማውን ውፉይ ሕይወትን ኣብ ኣማዞን ወጅሂ ደቀባት ኣማዞን ዘለዎ ክኸውን መታን ኣብ ናይ ደቀባት ኣማዞን ባህልን ክርስቲያናዊ መንፈሳውነትን ሰብን ተፈጥሮን ንምክንኻን ዝድግፍ ኵለንተናዊ ምህዳር ዘነቓቕሕ ቀጻሊ ሕንጸት የድልዮ ዝብል ሓሳብ እውን ከምዝቐረበ ኣፍሊጡ።

ሲኖዶስ ዛዕባ ኣማዞን፥ እምነት ካብ ከይጋገይ ዝብል ፍርሒ ኣዚዩ ዝበርዔ ይኹን
14 October 2019, 16:31