ድለ

ሲኖዶስ ዛዕባ ኣማዞን፡ ንናይ ዓለማውያን ደቀንስትዮ ኣገልግሎት ተልእዀ ሲኖዶስ ዛዕባ ኣማዞን፡ ንናይ ዓለማውያን ደቀንስትዮ ኣገልግሎት ተልእዀ 

ሲኖዶስ ዛዕባ ኣማዞን፡ ንናይ ዓለማውያን ደቀንስትዮ ኣገልግሎት ተልእዀ

ብህልትውና ዓቢይ ብድሆ እዩ፡ ካብ ላዕሊ ብጸቕጢ ዝቐርብ ባህሊ ኣይፋል ክበሃል ኣለዎ፡ ንኻልእ ምእንጋድ ሲኖዶሳዊ መንጽር ወሳኒ እዩ። እዚ ደጋዊ ማእከል ክኸውን ዝድግፍ

ዕለት 9 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. እቲ ዛዕባ ኣማዞን ዝመክር ዘሎ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ 174 ኣበው ሲኖዶስ ኣሳቲፉ ኣብ ዘካየዶ ሓምሻይ ኣኼባ፡ ኵለንተናዊ ጥዕና ኣማዞን ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘተኰረን፡ ርእሰ ማልነት ዝብል ህልዩ ዝኽተል ኤኮኖሚያውን ፖለቲካውን መስርሕ ከባቢ ኣማዞን ዘጽንትን ኣብቲ ከባቢ ዝኽሰት ሰደድ ባርዕ ሓውን ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ሓምላይ ሃብትን ኣግራብን ምብዳምን ኣልቦ ሕጊ ሕርሻን ነቲ ከባብን ሕዝብን ናይ መላእ ዓለም ጥዕና ንሓደጋ የቃልዕ ከምዘሎ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሕዝቢ ከባቢ ኣማዞን ብፍላይ እቶም ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎም ተኣፈፍቲ ግብረ ምጽናት ዓሌት ይወርዶም ከምዘሎን ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ንኽንጸሉ ይግደዱ ስለ ዘለዉ ናይቲ ከባቢ ሕዝብን መሬትን ኵነት ብቐረባ ዝከታተል ናይ ማሕበረሰብ ኣማዞን ሰብኣዊ መሰልን ክብር ንምክልኻልን ከም ማሕበረሰብ ተደላይነቱ ዘነቓቕሕን ቤተ ክርስቲያናዊ ዓለም ለኻዊ ተዓዛቢ ኣካል ክቐውም ዝብል ሓሳብ ከምዝቐረበ ምንጪ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቀጻሊ ዘተ፥ ቤተ ክርስቲያን ናብቲ ኣማዞናዊ  ክፍሊ ሕብረተሰብ ንኽትበጽሕ

ቤተ ክርስቲያን ንነፍሲ ወከፍ ማሕበረሰብ ኣማዞን ንኽትበጽሕ እተካይዶ ጻዕሪ ዝግምታውን ኣብ ገለ ገለ እዋን እውን ካብቲ ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰብ ዝረሓቐትን ኰይና ከምእትርከብ፡ ነዚ ናይ ቤተ ክርስቲያን ዘይምርኻባ ዝፈጥሮ ባዶነት ብዝተፈላለያ ሓዳስያን ጴንጠቖስጣውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ክምላእ ይረአይ ኣሎ።

ስለዚህ ኣብ ምክብባርን ፍርያምን ዝዀነ ዘተ ምስ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያንን ካልኦት ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ምኽዋን ሕጹጽን ኣገዳስን እዩ፡ እዚ ንእትወጽእ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ከባቢ ኣማዞን መሰረታዊ እዩ፡ ብህልትውና ዓቢይ ብድሆ እዩ፡ ካብ ላዕሊ ብጸቕጢ ዝቐርብ ባህሊ ኣይፋል ክበሃል ኣለዎ፡ ንኻልእ ምእንጋድ ሲኖዶሳዊ መንጽር ወሳኒ እዩ። እዚ ደጋዊ ማእከል ክኸውን ዝድግፍ እዩ።

ንናይ ኣማዞን ህዝብታት መልሲ ክህቡ ዝኽእሉ ኣገልገልቲ

ሓደስቲ ተልእዀታት ብምፍጣር ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእዀ ንኣማዞን ዓለማውያን ምእመናን ልዑል ግደ ክህልዎም ምትብባዕ፡ ቤተ ክርስቲያን መሃዚት ህብረ ተልእዀ ኰይና ደቀባት ኣማዞን ኣብ ተልእዀ ክሳተፉ እትድግፍን እትሓንጽን ክትከውን ኣለዋል፡ ካብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣትሒዙ ሊጡርጊያ ብህልው ክኸውንን ነዚ ኪደት’ዚ ዝድግፍ ዝተፈላለየ ሓሳብ ቀሪቡ እዩ፡ ቋንቋን ባህልን ዘኽብር። ስለዚህ ኣብዚ መዳይን ዝተመርዓዉ እውን ንማዕርገ ክህነት ዝብልን ካልኦት መፍትሕታትን ንምቕራብ ጳጳሳት ዓቢይ ሓላፍነት ይህልዎም፡ ብዓሚይቕ ልልያ ዝተሰነየ ሓላፍነት። ጾታዊ ሶውራ ዘተኣታተዎ ለውጥን ዘስዓቦ ማህሰይትን ንምፍዋስ ዝድግፍ ሕንጸት ንተመሃሮ ዘረኣ ክህነት መሰረታዊ እዩ፡ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ዘተኰረ ናይ ስነ ፍትወት ሕንጸት ክወሃብ ዝብል ካብ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ዝቐረበ ሓሳብ ኣብቲ ኣኼባ ክምእተቓለሔ ዝሓበረ ምንጪ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ብዙሓት ግትኣተ ሩካቤን ንጽሕናን ዘለዎ ክብሪ ንዳግማይ ርኽበትን ንጥልቂ ኣፍልጦን ዝመርሕ ሕንጸት ኣገዳሲ ምዃኑ ከመላኽቱ እንከለዉ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ መዳይ እቲ ልቢ ዝልውጥ መሰረታዊ ትምህርታ ከምእተቕርብን፡

ንናይ ዓለማውያን ደቀንስትዮ ናይ ተልእዀ ኣገልግሎት

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ምቅዋምን ንኽውገድ ብርቱዕን ህርኩትን ጻዕሪ ምክያድን፡ ኣብ ተልእዀ ኣስፍሆተ ወንጌል ንናይ ዓለማውያን ደቀንስትዮ ተልእዀ ዝብል ሓሳብ እውን ከምዝቐረበ ኣፍሊጡ።

ሓድነተ ኣብ ብዙሓነት

ብዙሕ እዋን እቲ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብተደጋጋሚ ዝቐርብ ሓድነት ኣብ ዝቡሕነት ዝብል ሓሳብ፡ ኣብ ናይ ኢየሱስ ቤት ትምህርቲ ዝጸንዔ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ካብ በጻሕነት ናብ ህልውነት ዝሰጋገር መለኰታዊ ሓልዮት ዘበስርን ዘረጋግጽን ንምክንኻን ናይ ሓባር ቤትናን ዘተባብዕ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ጉስነትን ምንባር የድሊ፡ እዚ ምስቶም ቀረባና ጥራሕ ዘይኰነ ምስቶም ርሑቓትና እውም ምስ ዝዀኑ ክንበር ዘለዎ ጉዳይ እዩ፡ ኵለንተናዊ ሕውነትን ኵለንተናዊ ምህዳርን ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝሰፍሕ ዘሎ ኢጐነታዊ ኣገባብ ዝኽተል ምንባር ኣብ ሰናይ ምንባር ኣስተንፍሶ ዝገበረ ኣብ ኢየሱሳውነት ክህነጽ ዘለዎ ምንባር እዩ። ኣብ ቅድሚ እቲ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ እውን ዝረአይ ዘሎ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር፡ ቤተ ክርስቲያን ኵለንተናዊ ምህዳርን ኵለንተናዊ ሕንጸትን ንኸተነቓቕሕ ዝድርኻ ‘ጽቡቕ ኣጋጣሚ’  ምዃኑ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ከምዘመልከቱ ምንጪ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና የመላኽት።

ስደተይናታትን ናይ ከተማታት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን

ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ኣተኵሮኦም ኣብቲ ማሕበራዊ ሕቶ ዝዀነ ኣብ ዛዕባ ስደተይናታት ኣንቢሮም ንስደት ዝዳርግ ማሕበራውን ፖለቲካውን ምህዳራውን ኤኮኖሚያውን ወይ ውን ጽልእ ዓሌትን ሃይማኖታዊ ኣሳዶን ዝብሉ ምኽንያት ንምውጋድ ዝድግፍ ብትክኽል ነዚ ጉዳይ’ዚ ዝጨመተ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምቕራብ ከምዘድሊ ሓቢሮም።

ቲዮሎጊያ ደቀባትን ዞባዊ ባህልን

ኣብቲ ዝተኻየደ ሓምሻይ ኣኼባ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ወጅሂ ደቀባትን ተቐማጦ ዞባታትን ዘለዋ ቤተ ክርስቲያን ምቕራጽ የድሊ እንክብሉ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ እትርከበሉን ኣብ ዘላትሉን ከባቢ ከምቲ ከባቢ ኰይናን ነቲ ከባቢ መሲላን ናይ ዓለም ግና ከይኰነት ምሉእ ቅርበትን ክህልዋ ዝብል ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣሞርኵይዞም፡ ናይ ደቀባት ባህላዊ ተንከፍ ዝዀነ ክብሪ፡ ነቲ ናይ ምዕራብ ሕክምና ኣማራጺ ዝዀነ ባህላዊ ኣፋውስን ብዙሓነት ሕይወት ንምዕቃብን ናይ ኣማዞን ህብረ ባህልታትን ንምዕቃብ ምድጋፍ ከምዘድልን፡ እዚ ቲዮሎጊያ ደቀባትን ዞባዊ ባህልን ዝብል ኣርእስቲ ብትኽክል ዝምልከት እዩ ይብሉ፡ እቲ ኣኼባ ከምቲ ልሙድ ብዝዓረገ ጸሎት ሰዓታትን ኣብ መወዳእታ እውን ህልዉ ጽንኵር ኩነታት ኤኳዶር ዘማእከለ ጸሎት ዓሪጉ ከምእተዛዘመ ምንጪ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ሓቢሩ።

ሲኖዶስ ዛዕባ ኣማዞን፡ ንናይ ዓለማውያን ደቀንስትዮ ኣገልግሎት ተልእዀ
10 October 2019, 16:29