ሲኖዶስ ዛዕባ ኣማዞን፡ ቤተ ክርስቲያን ምህዳራዊ ሓጢኣት ክትናዘዝ፡ ካህናት ቅዱሳት ክዀኑን ሲኖዶስ ዛዕባ ኣማዞን፡ ቤተ ክርስቲያን ምህዳራዊ ሓጢኣት ክትናዘዝ፡ ካህናት ቅዱሳት ክዀኑን 

ሲኖዶስ ዛዕባ ኣማዞን፡ ቤተ ክርስቲያን ምህዳራዊ ሓጢኣት ክትናዘዝ፡ ካህናት ቅዱሳት ክዀኑን

ኣብ ከባቢ ኣማዞን ዝፍጸም ዕንወት ዝረኣይ ምህዳራዊ ምንቁልቋል ከም ቅቡል እናሓሰብካ ምንባር ዝከኣል ኣይኰነን፡ ክውገዝን ኣብ ቅድሚ እቲ ምፍሳስ ደም ንጹሓ ዝንበር ዘይተገዳስነት ማሕበረሰብ ዓለም ብዘይ ምድሕሓር ክገጥሞን ኣብ ምወጋዱን ክዓዪ

ዕለት 8 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ እቲ ዛዕባ ኣማዞን ዝመክር ዘሎ ሲኖዶስ ናይ ካልኣይ ውዕሎኡ መጠቓለሊ መደብ ራብዓይ ኣኼባኡ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተመሪሖ ከምዘካየደን፡ ኣብዚ ኣኼባ’ዚ 182 ብፁዓን ኣበዊ ሲኖዶስ ከምእተረኽቡን ምንጪ ዜና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብፍላጥ ኣብ ልዕሊ ተቐማጦን ደቀባትን ከካቢ ኣማዞን ዝፍጸም ግህሰት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን፡ መላእ ናይ ኣማዞን ሕይወት ንሓደጋ ዘቃልዕ ኣብ ኵሉ መናብሮ እቲ ከባቢ ዝፍጠር ቍስሊ፡ ዝብል ሓሳብ ናይቲ ራብዓይ ኣኼባ ኣስተንትኖ ማእከል ከምዝነበረ ዝሓበረ ምንጪ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣስዒቡ፡

ኣይፋል ንዘይተገዳስነት፡ ሕራይ ንሓላፍነት

ቤተ ክርስቲያን ወትሩ ብዘለዋ ጽኑዕ ድምጺ ግብረ ገባውን መንፈሳውን ስልጣን ኣቢላ ማእለያ ዘይብሎም ንሕይወት ስግኣት ዝዀኑ ናይ ሞት ቅርጽታት ዘበሉ ብምቅላዕ ሕይወት ትከላኸል፡ ኣብ ሓደ ትርኢት ከም ተዓዘብቲ ንኽንከውን ዝድርኹና ውልቃውነትን ዘይተገዳስንትን ዝብሉ ኣሉታውያን ተግባራት ኣይፋል ትብል፡ ብዙሕ እዋን ነቲ ንሓደጋ ዝቃላዕ ሰብኣዊ ክብሪ ምእኩል ዝገብር ኣብ ሓላፍነትን ኵለንተናዊ ምህዳር ዝጸንዔ ንምህዳራዊ ምልዋጥ ሕራይ ምባል ከምዘድሊ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ከምዘተሓሳሰቡ የመልክት።

ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ነቲ ዝገሃስ ሰብኣዊ ክብሪ ክጥምት

ኣብ ከባቢ ኣማዞን ዝፍጸም ዕንወት ዝረኣይ ምህዳራዊ ምንቁልቋል ከም ቅቡል እናሓሰብካ ምንባር ዝከኣል ኣይኰነን፡ ክውገዝን ኣብ ቅድሚ እቲ ምፍሳስ ደም ንጹሓን ዝንበር ዘይተገዳስነት ማሕበረሰብ ዓለም ብዘይ ምድሕሓር ክገጥሞን ኣብ ምወጋዱን ክዓዪ ይግባእ። ማሕበረሰብ ዓለም ናይ ደቀባት ሕዝቢ ኣማዞን ናይ ከባቢኡ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታት ዓቃብን ብመስቀል ክርስቶስ ወንጌል ዘበስሩ ነቲ ዝረአይ ዘሎ ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ብከላን ንምግጣም ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ብመንጽር ሲኖዶስ ብምሕዝንበትን ብሓባርን ክጓዓዝ ምስኡ ቃል ኪዳናዊ ምትእስሳር ክህልው ዝብል ሓሳብ ዓቢይ ግምት ክወሃቦ ኣለዎ፡ ብሓባር ብምሕዝነት መንፈስ ምህዳር ምሕላውን ምክንኻንን፡ ቤተ ክርስቲያን ምስተን ካብ ታሕቲ ዝብገስ ማሕበራውያን ምንቅስቓሳት ጥምረትን ምሕዝነትን ገይራን ሓቢራ ኣማዞን ብቆዝሞሳዊ ርእየት ትርጉሙ ርዱእ ክኸውን ናይቲ ከባቢ ባህልን ንቡር ወግዕታትን ትምእምርቲ ከኽብር ሓቢራ ትዓዪ።

ምሕዳራዊ ሓጢኣት ዓቢይ ኣፍልጦ ክወሃቦ

ተቐባልነት ዘለዎ ቅኑዕን ማሕበራዊ ፍትሕን ሓቛፍን ኪደት፡ ባህልን ስነ ምርምራዊ ተበጽሖታት ዘጣመረ መደብ ልምዓት ኣገዳሲ እዩ፡ ኣብ ልዕሊ ምህዳር ዝፍጸም በደል - ጸረ እግዚኣብሔርን ጸረ ብጻይን ጸረ መጻኢ ትውልድን ዝዀነ ሓጢኣት እዩ፡ ሓጢኣት ምዃኑ ኣፍልጦ ብምሃብ ምህዳራዊ ምልዋጥ ምንቕቓሕ የድሊ፡ ኣብ ልዕሊ ምህዳር ዝፍጸም ሓጢኣት ብስርዓት ዘረድእ ናይ ገዛእ ርእሱ ቲዮሎጊያዊ ንባብ ክህልዎ ምግባር።

ናይ ከባብ ኣማዞን ደቀባታዊ ቀዋሚ ድቁና ምንቕቕሕ

እቲ ኣኼባ ነቲ ዘቕረቦን ዝተመያየጠሉን ሓሳብ፡ ኣብ ከባቢ ኣማዞን ንልኡካነ ወንጌልን ንዓለማውያን ምእመናን ንውፉያንን ዝወሃብ ሕንጸት ውሁድ ክኸውን ብዝብል ርእየት ማዕቢሉን ናይ ከባቢ ኣማዞን ደቀባታዊ ቀዋሚ ድቁና ምትብብዕን ብሓባር ኣብ ሓዋርያዊ ግብር ኖልዎ ኪደት ክጓዓዙን ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል ተዋሳእቲ ክዀኑን ኣገልግሎት ዓለማውያን ምእመናን እውነተይና ናይ መንፈስ ቅዱስ ኣስተርእዮ እውን ምዃኑ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ብኣጽንዖት ገሊጾም፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ትውሳኤ ደቀንስትዮ ካብቲ ዘለዎ ኣዚዩ ክብ ክብል እውን ከምዘተሓሳሰቡ ምንጪ ዜና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ኣስተንትኖ ዛዕባ ክህነታዊ ጸዋዕታ

ብዛዕባ ምስጢረ ክህነትን ማዕርገ ክህነትን ዝምልከት ሓሳብ ኣብቲ ጉባኤ ብተደጋጋሚ ከምእተለዓለን፡ ምእንቲ ክህነትዊ ጸዋዕታ ክጽለን፡ ኣብ ኣማዞንን ናብ ኣማዞንን ዝለኣዅ ሓደስቲ ናይ ወንጌል ኣገልግልቲ ክነቓቕሑን ክልኣኹን ኣማዞን ናብቲ ናይ ጐይታ ግራት ናብ ዝዀነ ፈጣሪ ጸሎት ዝዓርገሉ መንፈሳዊ ቤተ መቕደስ ክኸውንን ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርአይ ዘሎ ዋሕዲ ካህናት፡ ኣማዞናዊ ሽግር ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ እዋናዊ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ኵላዊ ሽግርን፡ ነዚ ዅሉ ግምት ብምሃብ ኣብ እዋናዊ ዓለም ክህነታዊ ጸዋዕታ ብኸመይ ይንበር ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘተኰረ ኣስተንትኖን ዝሓትት ኰይኑ፡ ናይ ሕልና መርመራን ክግበር ዝብሉ ሓሳባት እውን ቀሪቦም፡ ዋሕዲ ቅዱሳት፡ ካህናት ብዙሕ ግዜ ናይ ክርስቶስ ቅዶት ዘይብሎም ከይኖም ስለ ዝርከቡ፡ ኣባግዕ ክርስቶስ ንኽጓስዩ ጸዋዕታ ንዝስምዖን ምኽንያት ምርሓቕ ካብ ጸዋዕታ ከምዝዀኖም ብፁዓን ኣበው ሕቢሮም፡ ተቐዲሱ ዝቕድስ ካህን ኣብ ምንቕቓሕ ጸዋዕታ ዓቢይ ግደ ከምዘለዎ የዘኻኽሩ።

ቅዶት ቅድስናን መንእሰያት

ሰማእታት ኣማዞን ኵሉዕ ኣብነት ልክዕ ከምቶም ኣብ ከባቢ ኣማዞን ዝተቐትሉ ኣገልግልቲ እግዚኣብሔር ተባሂሎም ዝተሰምዩ ኣብ ኣማዞን ማታ ግሮሶ ዝተቐትሉ፡ ሳሊዝያናዊ ካህን ኣባ ሩዶልፍ ሊንከንባን ዓለማዊ ምእመን ሲማው ክርስቲኖ ኮገ ኩዱጐዱን፡ ዝዘከሩ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ፡ ንምህዳራዊ ምልዋጥ ምልዋጥ ናብ ቅድስና ዝሓትት ተግባር ከምዝዀነን፡ እዚ ንመንእሰያት እዚዩ ማራኺ ብምዃኑ ነዚ ወለዶ’ዚ ዝተሓደሰ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ የድልይ። ናይቶም ኣብ ጸዋዕታ ክህነቶም መሰናኽል ኰይኖም ናይ ዝርከቡ ዜናን ሓበሬታ ጥራሕ ኣብ ምቕራብ ካብዝጓየይ መራኸቢ ብዙሓን ናይ ብዙሓት ቅዱሳት ካህናትን ተመክሮን ምስክርነትን ዘቕርቡ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ከባቢ ኣማዞን ምትብባዕን፡ ንዓመጽ ዝድርኽን ጽግዕተይና ዕጸ ፋርስ ንኽኸውን ዝቐርበሉ መስሓትን ስእነት ስራሕን ባዶነት ህልውናን ንኽስምዖ ዝግበር ዘሎ ሓድሽ ወለዶ ናይ ብዙሓት ኵሉዓት ካቶሊካውያን መንእሰያት ኣብነታዊ ምስክርነት ክቐርበሉ ከምዘተሓሳሰቡ ምንጪ ዜና ኣግልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ዝኽሪ ነፍሰ ሄር ብፁዕ ካርዲናል ሰራፊም ፈርናንደስ ደ ኣራውዦ

ብዛዕባ ስደትን ጸኣት ስደተይናታትን ዝምልከት ሓሳብ እውን ቀሪቡ፡ ኣብ ኣማዞን ብዙሓት ስደተይናታት ከምዘለዉን ነዚ ክፍሊ ሕብረተሰብ’ዚ ግዱስ ዝዀነ ንእገንገዳ ዘተባብዕ መክበባዊ ተግባር ቤተ ክርስቲያን  እንገዳን ምክንኻንን ምንቕቓሕን ምውህሃድን ኣብ ዝብሉ ዕሴታት ዝቖመ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክተባባዕ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ሓደራ ከምዝበሉ ዝሓበረ ምንጪ ዜና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እቲ ብቕዱስ ኣቦና ተመሪሑ ዝተኻየደ ራብዓይ ኣኼባ ዕለት 8 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኣብ መበል 95 ዓመት ዕድመኦም ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ ኣብ ብራዚል ናይ በሎ ሆሪዞን ሰበኽ ልሂቅ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ሰራፊም ፈርናንደስ ደ ኣራውዦ ብጸሎት ዘኪሩ ዝተበገሰ ምንባሩ ኣፍሊጡ።

ሲኖዶስ ዛዕባ ኣማዞን፡ ራብዓይ ኣኼባ፥ ቤተ ክርስቲያን ምህዳራዊ ሓጢኣት ክትናዘዝ፡ ካህናት ቅዱሳት ክዀኑን
09 October 2019, 13:45