ድለ

ጋላገር፥ ድጋፍ ቅድስቲ መንበር ንናይ ዓለም ሓቆፍ ተቖጻጻሪ ኣቶማዊ ጸዓት ጋላገር፥ ድጋፍ ቅድስቲ መንበር ንናይ ዓለም ሓቆፍ ተቖጻጻሪ ኣቶማዊ ጸዓት 

ጋላገር፥ ድጋፍ ቅድስቲ መንበር ንናይ ዓለም ሓቆፍ ተቖጻጻሪ ኣቶማዊ ጸዓት

ናይቲ ውድብ ንጥፈታት ኵለንተናዊ ስብኣዊ ምዕባለ ምስ ዝብል መደብ ዝተኣሳሰረ ክኸውን

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፖውል ሪቻርድ ጋላገር፡ ዓለም ሓቆፍ ውድብ ምቁጽጻር ኣቶማዊ ጸዓት ኣብ ዝጠለቦ መበል 63 ጠቕላሊ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ቅድስቲ መንበር እዚ ውዱብ’ዚ ኣብ ኢራን ንዘካየድ ዘሎ ምርጋፍ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ምቁጽጻርን ከምኡ እውን ነቲ ንኵለንተናውነት ኑክለሳዊ ኣጽዋር ምድራት ንዝብል ውሳኔ ዓቢይ ስግኣት ዝዀነ ናይ ሰሜን ኰርያ ኣቶማዊ መርሓ ግብሪ መፍትሒ ክርከበሉ ዝድግፍ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረ ሰብ ንዘበግሶም ናይ ዘተ መደባት ትድግፍ ምዃና ከምዘረጋገጹ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍል ዜና ቫቲካን ረዲዮ ጃዳ ኣኵይሊኖ ገሊጸን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅድስቲ መንበር ዓለም ሓቆፍ ውድብ ተቖጻጻሪ ኣቶማዊ ጸዓት ንዘካይዶም ንጥፈታትን ምስፋሕ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ንምቁጽጻርን ኣብ ዓለም ምርጋፍ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ክትግበርን ንዘበርክቶ ኣገዳሲ ኣስተዋጽኦ ከምእትድግፍን ኣቡነ ጋላገር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ሓቢሮም፡

ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ

ናይቲ ውድብ ንጥፈታት ኵለንተናዊ ስብኣዊ ምዕባለ ምስ ዝብል መደብ ዝተኣሳሰረ ክኸውንን ኣብ ኑክለሳዊ ስነ ምርምር ምትሕብባር ክህሉን እዚ ከይዲ እዚ ኑክለሳዊ ዕደ ጥበባዊ ስነ ምርምር ንናይ ሰላም ረብሓ ዝብል ዕላማ ዘለዎ ክኸውን ብፁዕነቶም ኣተሓሳሲቦም፡ ዕደ ጥበባዊ ምዕባለ ንፍጥረት እግዚኣብሔር ዕቃበን ምዕሩይ ምሕደራን ዝብል ክኸውንን ምህዳርን ከባቢ ኣየርን ሃብቲ ማይን ውሕስነት መግብን ኣብ መዳይ ሕርሻ እውን ዘበርክቶ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ድኽነት ንምጥፋእ ዝድግፍን ተቐባልነት ንዘለዎ መደብ ምዕባለ ዝድርኽ ክኸውን ኣለዎ፡ ኣብዚ መዳይ ክህልዎ ዝኽእል ዓቢይ ድጋፍ እውን ቅድስቲ መንበር ኣፍልጦ ትህበሉ ከምዝበሉ ኣኵይሊኖ ኣፍሊጠን።

ሰብኣዊ ሓላፍነት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ቅድሚኦም እውን በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ መንጐ ሃገራት ሰብኣውነት ዘማእከለ ናይ ሓባር ዘተ ክህሉ እንክብሉ ዘቕረብዎ ጻውዒት ጠቒሶም፡ ከምቲ ይሴባሕ ዓዋዲ መልእክቲ ዝሕብሮ፡ ምዕባለን ዕደ ጥበባውን ስነ ምርምራውን ፍልቀት ሓላፍነትን ዕሴታትን ሕልናን ኣብ ዝምልከት ንናይ ሰብኣዊ ምዕባለ ብዝብል ከይዲ ዝምራሕ ክኸውን የተሓሳስቡ።

ኢራንን ሰሜን ኰርያን

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዝምልከት ዓለም ሓቆፍ ውዕሊ ብኽታማ ከምእተቐበለቶን ከምዘጽደቐቶን ኣዘኻኺሮም፡ ኣተሓሒዞም እቲ ናይ ኣቶማዊ ጸዓት ተቖጻጻሪ ዓለም ሓቆፍ ውድብ ኣብ ኢራን ንኵለሳዊ ጸዓት ንምቁጽጻር ካብ 2015 ዓ.ም. ድሕሪ ዝተበጽሔ ስምምዕ ዘካይዶ ናይ ምቁጽጻ መደባትን ብፍላይ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ተሄራን እቲ ዝተበጽሔ ስምምዕ ዘመልክቶ ደረታት ክንየው ተብል ምህላዋ ዝሕብር ኵነት ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ዘካይዶ ዘሎ ናይ ምቁጽጻ ጻዕሪ ዝድገፍ እዩ ቢሎም፡ ብተመሳሳሊ መገዲ እውን ሰሜን ኰርያ እቲ  ንውሱን ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዝብል ስምምዕ ኵለተናውነቱ ንሓደጋ ዘቃልዕ እታ ሃገር ኣተካይዶ ዘላ ኑክለሳዊ መርሃ ግብሪ መፍትሒ ንኽርከቦ ብምሉእ ዓቕምን ሓይልን ዘተ ክተባብዕ ሓደራ ቢሎም፡ እቲ ዓለም ሓቆፍ ውድብ  ሰላምን ውሕስነትን ምእትእምማንን ንምንቕቓሕ ዘካይዶ ጻዕሪ ኣገዳሲ እዩ ከምዝበሉ ኣኵይሊኖ ኣፍሊጠን።

ንጸረ መንሽሮ ፍወሳ

ብፁዕ ኣቡነ ጋላገር፥ እቲ ናይ ቪየና ውድብ ኑከለሳዊ ስነ ምርምር ሕማም መንሽሮ ንብዳህ ንዝግበር ናይ ሕክምና ስነ ምርምር ዝድግፍን ብፍላይ ኣብተን ዝማዕበላ ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ክተባባዕ ከምዘለዎ ሓቢሮም፡ እዚ ንናይ ስነ ሕክምና ምዕባለ ዝሓቀነ ስነ ምርምር ቅቡልን ክተባባዕን ዘለዎ መደብ እዩ እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከምዘጠቓለሉ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ጋላገር፥ ምርጋፍ ኑከለሳዊ ኣጽዋር፡ ድጋፍ ቅድስቲ መንበር ንናይ ዓለም ሓቆፍ ተቖጻጻሪ ኣቶማዊ ጸዓት ንጥፈታት
17 September 2019, 18:13