ኣብ ትእምርቲ ምርኻብ ዝብል ጸብጻብ መደብ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ናብ ኣፍሪቃ ኣብ ትእምርቲ ምርኻብ ዝብል ጸብጻብ መደብ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ናብ ኣፍሪቃ  

ኣብ ትእምርቲ ምርኻብ ዝብል ጸብጻብ መደብ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ናብ ኣፍሪቃ

ሰላምን ምስ ማሕበረ ክርስቲያን ንምርኻብን ዕርቅን ፍጥረትን ዝብሉ ቃላት ናይቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣናባቢ ከምዝዀነን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ፡ ዕለት 2 መስከረም 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 4 ክሳብ ዕለት 10 መስከረም 2019 ዓ.ም. ኣብ ኣፍሪቃ ማለት ኣብ ሞዛምቢክን ማዳጋስካርን ሞሪሸስን ዘካይድዎ መበል 31 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ርእሰ ጉዳይ ወግዓዊ ናይ መብርሂ ጸብጻብ ከምዘቕረቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ራዲዮ በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሰላምን ምስ ማሕበረ ክርስቲያን ንምርኻብን ዕርቅን ፍጥረትን ዝብሉ ቃላት ናይቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣናባቢ ከምዝዀነን፡ እዚ መበል 31 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ’ዚ ኣብቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግምዊ ካብ 1988 ክሳብ 1989 ዓ.ም. ኣብ ኣፍሪቃ ዘካየድዎ ምባጻሕ ኣሰር ዝገብር፡ ሞዛምቢክን ማዳጋስካርን ሞሪሸስን ዘጠቓልል ከምዝዀነ ብሩኒ ኣብ ቅድስቲ መንበር ንናይ ዝተፈላለያ ናይ ውሽጥን ወጻእን ሃገራት ናይ መራኸቢ ብዙሓን ልኡካን ጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ከምዘመልከቱ ዝሓበራ ካፐሊ ኣስዒበን፡

ሓሴትን ሞሳን ር.ሊ.ጳ.

ር.ሊ.ጳ. ምስተን ሓውሲ ከተማ ዝነበራ ሎሚ ብዙሕ ለውጢ ዝረኣየን ሃገራት ከምዝራኸቡን፡ እብዘን ብዙሕ ለውጢ ዘርኣያ ግና ሓድሽ ድኽነት እውን ዘለወን ህብረኣዊ ሃብትን ሰብኣውነትን ዝተዓደላ ሃገራት ንኽበጽሑን ወንጌል ንኸበስሩን ብዓቢይ ሓሴትም ሞሳን እዩ፡ ባዕሎም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብተን ሃገራት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዝበለዎ ምስተን በዓል ሃብታም መሬት ዝዀና ሃገራትን ህዝብን ቅድስናን ንኽራኸቡ ዝስምዖም ሓጐስ ዓቢይ እዩ።

ኣብዚ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዘካይድዎ ምብጻሕ ኣብ ናይ ሃገረ ቫቲካን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ካብ ዝዓዪ ሓደ በዓል ሞያ ክንክን ጥዕና ንኸሰንይዎም ካብ ዝተሓርዩ ዝጥቀሱ ምዃኖም ገሊጾም፡ ኣብዘን ሃገራት ኣብ ዘካይድዎ ወግዓዊ ምብጻሕ ኣብ ሞዛምቢክ 5 መደረ ብቛንቋ ፖርቱጋል ኣብ ማዳጋስካር 8 ኣብ ሞሪሸስን 2 ብቋንቋ ጣልያንይና መደረ ከምስዑ ምዃኖም ብሩኒ ከምዝገለጹ ካፐሊ ይሕብራ።

ኣብታ ኣብ 1992 ዓ.ም. ናይ ሰላም ስምምዕ ዝተኻየደላ ሃገረ ሞዛምቢክ

ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ብዘካየዶ ናይ ሽምግልና ጻዕሪ ኣብ ሞዛምቢክ ሰላም ንኽረጋገጽ ኣብ ሞንጐ መንግስትን ናይ ሞዛምቢክ ብሔራዊ ተቃዋሚ ሓይልን ኣብ ሮማ ናይ ሰላም ስምምዕ ሰነድ ከምእተፈረመን እቲ ናይ ሰላም ስምምዕ ዋላ እኳ ሰላም ዘረጋገጸ እንተነበረ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ 2019 ዓ.ም. ብዝምልከቶም ላዕለዎት ኣካላት ሞዛምቢክ ከምእተፈረመን ዘኪሮም፡ ናይ ቅዱስ ኤጂዲዮ ማሕበር መስራቲ ኣንድረያ ሪካርዲ ማፑቱ ኣብ ዝርከብ ሕልሚ ዝተሰምየ ጸረ ሕማም ኤይድስ መደብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ኣብ ዝሳለጠሉ ዘሎ ቤት ሕክምና ዚምፐቶ ምስ ቅዱስ ኣቦና ክራኸቡ ምዃኖም ገሊጾም፥

ምስ ናይ ከባቢ በይራ ምእመናን ዝካየድ ርክብ

ኣብ ሞዛምቢክ ኣብ ዘካይድዎ መደብ ምብጻሕ ከባቢ በይራ ዘየጠቓልል ከምዝዀነን እዚ ኸኣ እቲ ከባቢ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት 2019 ዓ.ም. በቲ ኣሽሓት ዜጋታት ንሞት ዝዳረገ ብርቱዕ ህቦብላ ብዘስዓቦ ዕንወት ምኽንያት ኣብ ዳግማይ ሕንጸት ይርከብ ስለ ዘሎ ምዃኑ ኣረዲኦም፡ ነቲ ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ቅዱስነቶም ፍቕሮም ክገልጹን ንኣኣቶም እውን መልእኽቲ ከመሓላልፉን እዮም። ምስ ማሕበረሰብ ኤክሰኣይ ኤክሰኣይ ማፑቱ ኣብ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ሕንጻ ክራኸቡን እታ ሰበኻ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቦኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ምስ ሰበኻ ቦኖስ ኣይረስ ምሕዝነት ዝተኣሳሰረ ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ብሩኒ ከምዝሓበሩ ካፐሊ የመልክታ።

ካብ ሕማም ለብዒ ንፍዮ ምስ ዝተረፉ ዜጋታት ዝካየድ ርክብ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ማዳጋስካር ኣብ ዘካይድዎ ምብጻሕ ካብ ወርሒ ሚያዝያ 2018 ክሳብ ወርሒ ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ተራእዩ ብዝነበረ 1,200 ዜጋታት ንሞት ካብ ዝዳረገ ለብዒ ንፍዮ ዝተረፉ ዜጋታት ምስ ዝውክሉ ሰለስተ ስድራ ቤት ኣብ ሞሮንዳቫ ናይ ዝተሓንጸ ካቴድራል መንበረ ታቦት ባርዀት ኣብ ዝፍጽምሉን ኣንታናናሪቮ ናይ ዝርከብ ቀርመለሳውያን ባሕታውያን ገዳም ድሕሪ ዘካይድዎ ርክብ ክራኸቡ ምዃኖም ዝሓበሩ ብሩኒ ኣስዒቦም፡ እዚ ኣብ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘካይድዎ ምብጻሕ ከምቲ ናይዚ መበል 31 ዓለም ለኻዊ መገሻ ትእምርቲ ከምዝሕብሮ ፍቕርን ሰላምን ዝመልከቱ መርሓ ፍጻሜታ ዝረጋገጸሉ እዩ ከምዝበሉ ካፐሊ ገሊጸን።

ኣብ ትእምርቲ ምርኻብ ዝብል ጸብጻብ መደብ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ናብ ኣፍሪቃ
03 September 2019, 17:44