ዓውደ ኣኼባ መማክርት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዓውደ ኣኼባ መማክርት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ  

ዓውደ ኣኼባ መማክርት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ

እቲ ዕለት 28 መስከረም 2013 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘቖምዎ መማክርት ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት

ክሳብ ዕለት 19 መስከረን 2019 ዓ.ም. ዝቕጽል ናይቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ላዕለዋይ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን መዋቕር - ኩሪያ ሮማ መደብ ሕዳሴ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝዓዪ ናይ ቅዱስነቶም መማክርት ጉባኤ ብፁዓን ካዲናላት ዓውደ ኣኼባ ብቕዱስነቶም ተመሪሑ ሎሚ ዕለት 17 መስከረም 2019 ዓ.ም. መበል 31 ዓውደ ኣኼባ ከምዝጀመረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ መማክርት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ጉባኤ ካዲናላት ብመሰረት ናይ ቅዱስ ኣቦና መደብ ሕንዳሴ ላዕለዋይ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ምሕደራ - ኵሪያ ሮማና ዝምርሓሉ ኣብ ሓዋርያዊ ቅዋም ዘሎ ስርዓተ ሕጊ Praedicate evangelium - ወንጌል ኣበስሩ ብዝብል ኣርእስቲ ንምሕዳስ ዘርቀቖን ዘጽደቖን ሓርፋፍ ሰነድ ኣማእኪሉ ካብ ዕለት 25 ሰነ ክሳብ ዕለት 27 ሰነ 2019 ዓ.ም. ዘካየዶ ኣኼባ መሰረት ገይሩ ዝዝትይ ምዃኑ ናይቲ መማክርት ጉባኤ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ማርቸሎ ሰመራርቶ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም፡ እዚ ሓድሽ ቅዋም’ዚ፡ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ ዕለት 28 ሰነ 1988 ዓ.ም. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ Pastor Bonus - ሕያዋይ ጓሳ ብዝብል ኣርእስቲ ዘጽደቕዎ 193 ዓንቀጽ ዘለዎን ስዒቡ እውን በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2011 ዓ.ም. ብዝነበሮም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣን ሰለስተ ዓንቀጻት ኣጽዲቖምን ኣዊጆምን ክሕደስ ንዝገበርዎን፡ ዝትክእ ከምዝዀነ ሓቢሮም።

እቲ ዕለት 28 መስከረም 2013 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘቖምዎ መማክርት ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ናይ ተጉቹጋልፓ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኦስካር ኣንድረስ ሮድሪገዝ ማራዲያጋ በኣወሃሃዲ ስልጣንን ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤት ምሕደራ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጁዘፐ በርተሎን ናይ ቦምበይ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኦስዋልድ ግራሲያስን፡ ናይ ሙዩኒክን ፍሪሲንጋን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ራይንሃርድ ማርክስን ናይ ቦስተን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ሲን ፓትሪክ ኦማለይን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊንን ኣብ ኢጣሊያ ናይ ኣልባኖ ጳጳስ ናይቲ መማክርት ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ማርቸሎ ሰመራሮን ተወሳኺ ዋና ጸሓፊ ናይ ክረዚማ ስዩም ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ማርኮ መሊኖን ዝሓቑፍ ከምዝዀነ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የዘኻኽር።

ዓውደ ኣኼባ መማክርት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ
17 September 2019, 18:08