ምዝዛም መበል 31 ዓውደ ኣኼባ መማክርት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ምዝዛም መበል 31 ዓውደ ኣኼባ መማክርት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ 

ምዝዛም መበል 31 ዓውደ ኣኼባ መማክርት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ

እቲ መማክርት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ጉባኤ ስድስቱ ብፁዓን ካዲናላት ብመሰረት ናይ ቅዱስ ኣቦና መደብ ሕዳሴ ላዕለዋይ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ምሕደራ - ኵሪያ ሮማና ዝምርሓሉ ኣብ ሓዋርያዊ ቅዋም ዘሎ ስርዓተ ሕጊ

ናይቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ላዕለዋይ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን መዋቕር - ኩሪያ ሮማና መደብ ሕዳሴ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝዓዪ ዕለት 28 መስከረም 2013 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘቖምዎ መማክርት ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ካብ ዕለት 17 መስከረም 2019 ዓ.ም. ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተመሪሑ ዘካየዶ መበል 31 ዓውደ ጉባኤ ዕለት 19 መስከረም 2019 ዓ.ም. ከምዝዛዘመ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ጃዳ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ መማክርት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ጉባኤ ስድስቱ ብፁዓን ካዲናላት ብመሰረት ናይ ቅዱስ ኣቦና መደብ ሕዳሴ ላዕለዋይ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ምሕደራ - ኵሪያ ሮማና ዝምርሓሉ ኣብ ሓዋርያዊ ቅዋም ዘሎ ስርዓተ ሕጊ Praedicate evangelium - ወንጌል ኣበስሩ ብዝብል ኣርእስቲ ንምሕዳስ ዘርቀቖን ዘጽደቖን ሓርፋፍ ሰነድ ኣማእኪሉ ካብ ዕለት 25 ሰነ ክሳብ ዕለት 27 ሰነ 2019 ዓ.ም. ዘካየዶ ኣኼባ መሰረት ገይሩ ዘትዩን ነቲ ሓርፋፍ ቅዋም ብዕምቆት ዘንበበ እውን ምንባሩ ኣኵይሊኖ ገሊጸን፡ መበል 32 ዓውደ ኣኼባ ኣብ መባእታ ወርሒ ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ከምዝካየድ ኣፍሊጠን።

እቲ ወንጌል ኣበስሩ ዝብል ኣርእስቲ ግዚያዊ እውን ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ካብ ኣቢያተ መማክርት ብፁዓን ጳጳሳትን ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ቅዱሳት ማሕበራትን ኣባይቲ ምኽርን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ዝቐረቡ ሓሳባት ዘእንገደ ኰይኑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብስልጣናዊ ትምህርቲ ድዩ፡ ዓዋዲ መልእኽትታቶምን ቃለ ምዕዳናቶምን ሓዋርያዊ ምዕዳናቶምን ሓዋርያዊ መልእኽታቶም ኣቢሉ ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖላዊ ኣገልግሎቶም ሓዋርያዊ መገሻታቶምን ዝገልጽዎ መሰረታዊ ሓሳብ ኣቃልቦ ዝገበረ ቀጻልነትን ፍልዩነትን ዝብሉ ሱታፌን መልሲ ቤተ ክርስቲያን ንእዋናዊ ሕቶን ዘጣመረ ከምዝኸውን ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ኣብዚ መበል 31 ዓውደ ኣኼባ መማክርት ኵሎም ኣባላት፥ ናይ ተጉቹጋልፓ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኦስካር ኣንድረስ ሮድሪገዝ ማራዲያጋ በኣወሃሃዲ ስልጣንን ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤት ምሕደራ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጁዘፐ በርተሎን ናይ ቦምበይ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኦስዋልድ ግራሲያስን፡ ናይ ሙዩኒክን ፍሪሲንጋን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ራይንሃርድ ማርክስን ናይ ቦስተን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ሲን ፓትሪክ ኦማለይን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊንን ኣብ ኢጣሊያ ናይ ኣልባኖ ጳጳስ ናይቲ መማክርት ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ማርቸሎ ሰመራሮን ተወሳኺ ዋና ጸሓፊ ናይ ክረዚማ ስዩም ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ማርኮ መሊኖን ከምእተሳተፉን ዝሓበራ ኣኵይሊኖ ኣስዒበን፡ እቲ ሓርፋፍ ሓዋርያዊ ቅዋም ቀዳማይ ንባብ ተገይሩሉን፡ ሱታፌን ሲኖዶሳውነትን ቤተ ክርስቲያን ዝብሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደጋጊሞም ዝብልዎ ሓሳብ መርገጺ ዝገብረ ምንባብ እውን ክምዝነበረ ገሊጸን፡ መበል 32 ዓውደ ኣኼባ ካብ ዕለት 2 ክሳብ ዕለት 4 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ከምዝካየድን፡ ንናይ 2020 ዓ.ም. መርሓ ግብሪ እውን ከምዝሓንጸጸን፡ እቲ ሓድሽ ሓዋርያዊ ቅዋም ነቲ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 28 ሰነ 1988 ዓ.ም. ኣብ ኣገልግሎት ክውዕል ዝገበርዎ 193 ዓንቀጽ ዘለዎን ቀጺሉ እውን በነዲክቶስ መበል 16 ክልተ ዓንቀጽ ብምስዃዕ ዝሓደስዎን ዝትክእ ከምዝኸውን የዘኻኽራ።

ምዝዛም መበል 31 ዓውደ ኣኼባ መማክርት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ
20 September 2019, 16:27