ድለ

ፓሮሊን፥ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ናይ ር.ሊ.ጳ. ሉቻኒ ፍሽኽታ ይሓብር ፓሮሊን፥ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ናይ ር.ሊ.ጳ. ሉቻኒ ፍሽኽታ ይሓብር 

ፓሮሊን፥ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ናይ ር.ሊ.ጳ. ሉቻኒ ፍሽኽታ ይሓብር

ንኡስን ካብቲ ብሕርሻ ዝመሓደር ገጠር ዝመጻእኵን እየ፡ እቲ ድኻን ሓመድን እየ፡ ሰናይ ፍረ ዝህብ እንተድኣ ኰይኑ ካብዛ ሰዓት እዚኣ ኩሉ ክፍልጦ ዝደሊ፡ ኵሉ ካባይ ዘይኰነ ካብ ሓልዮትን ጸጋን ምሕረትን እግዚኣብሔር እዩ

ናይ እግዚኣብሔር መስተንክርን ሕይወት ር.ሊ.ጳ. ሉቻኒን ብዝብል ኣርእስቲ ብኒኮላ ስኮፐሊቲን ፍራንቸስኮ ታፋረልን ዝተደርሰን ብቤት ማሕተም ኣረስ ዝተሓትመ መጽሓን ንንባብ ከምዝበቕዔን፡ እዚ መጽሓፍ’ዚ ናይ ኣልቢኖ ሉቻኒ ሕይወት ታሪኽ መርሓ ሓሳብ ገይሩ፡ ትሑትን ተራን ብተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ምዃን መላእ ዘርኢ ሰብን ቤተ ክርስቲያንን ንኸገልግሉ ዝተጸውዑ ምዃኖም ብዕምቆት ዘብርህ እዩ፡ እዚ መጽሓፍ’ዚ ዕለት 27 መስከረም 2019 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ዋና ሕንጻ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣብ ዝርከብ ማርኰኒ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ጳጳሳዊ ናይ ሕገ ሰነዳት ሓልዮ ቤት ምኽሪ ልሂቅ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፍራንቸስኮ ኮኮፓመሪዮን ኒኮላ ስኮፐሊቲን ጋዜጠኡይና ራፋኤለ ልዊሰ ከምእተሳተፉ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ፓሮሊን፥ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ናይ ር.ሊ.ጳ. ሉቻኒ ፍሽኽታ ይሓብር

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ እግዚኣብሔር መስተንክርን ሕይወት ር.ሊ.ጳ. ሉቻኒን ናይ ዘርእስታ መጽሓፍ መቕድም ደራሲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን፡ ኣብቲ ዝደረስዎ መቕድም ይብሉ ር.ሊ.ጳ. ኣልቢኖ ሉቻኒ - ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ናይ ኢጣሊያ ቨነቶኣዊ ከባብን ናይታ ከባቢ ፍልዩ መግለጺ ሃይማኖተይናነት ኣናስር ዝገበረን ኣብ ዘካየድዎም ወግዓውያን ርክባትን ትምህርትታቶምን ስብከቶምን ዘለዎም ልዑል ናይ ባህልን ናይ ቤተ ክርስቲያን ጠመቕን ሃምነናውን ትምህርቲ ዓሚዩቕ ኣፍልጦ ከምንዝበሮም ዝስትውዓል ምዃኑ ይገልጹ፡

ሉቻኒ ኣብ ኩሉ ሰብ ልቢ

ናይ ር.ሊ.ጳ. ሉቻኒ ተክለ ሰብነት፡ ከም ጓሳ፥ በሊሕን ትኵርን እቲ ጥልቂ ሰብኣውነቶም ዝገልጽ ፍሽኽታኦም ዘይተፈልዮን ንዅሉ ኣንጋድን ስንድውና ብፍላይ ንዝተናዕቁን ድኻታትን፡ ናይቲ ንእግዚኣብሔር ዘሎካ ፍቕሪ መምዘኒ ንብጻይካ ዘሎካ ፍቕሪ እዩ ዝብል ቃለ ወንጌል ዝነብር ተክለ ሰብነት፡ እዚ መንፈሳውን ሰብኣውን ጽፈት’ዚ ሉቻኒ ናብ ናይ ኵሉ ሕዝቢ ልቢ ውሽጢ ክኣተዉ ከምዝገብሮም ካርዲናል ፓሮሊን የብርሁ። ሉቻኒ ኣብ ኢጣሊያ ቨነቶ ክፍለ ሃገር ኣውራጃ በሉኖ ኣብ እትርከብ ከተማ ካናለ ኣጐርዶ ማዕርገ ጵጵስና ምስ ተቐበሉ፥

ንኡስን ካብቲ ብሕርሻ ዝመሓደር ገጠር ዝመጻእኵን እየ፡ እቲ ድኻን ሓመድን እየ፡ ሰናይ ፍረ ዝህብ እንተድኣ ኰይኑ ካብዛ ሰዓት እዚኣ ኩሉ ክፍልጦ ዝደሊ፡ ኵሉ  ካባይ ዘይኰነ ካብ ሓልዮትን ጸጋን ምሕረትን እግዚኣብሔር እዩ፡

ዝብል ቃል ዝተሰምሮ ዘረባ ኣስሚዖም ከምዝነበሩ ይዝከር።

እግዚኣብሔር ኣቦን ኣደን እዩ

እቲ መጽሓፍ ንንባብ ኣብ ዘብቅዔ ዓውደ ጉባኤ ተሳቲፎም ቃሎም ዘስምዑ ብፁዕ ካርዲናል ኮኮፓልመሪዮ፡ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ምስ ተሓርዩ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጉባኤ ኣስተምህሮ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፡ እግዚኣብሔር ኣቦ እዩ፡ ብዝያዳ ኣደ እንክብሉ ዘስምዎ ቃል ዘይርሳዕ ምዃኑ ገሊጾም፡ እዚ ብሓቂ ፍሉይ ናይቲ ድሕሪኦም ዝተሓርዩ ኣርእስቲ ሊቃነ ጳጳሳትን ሎሚ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እግዚኣብሔር ንኣና ዘለዎ ሓልዮትን ቡቕባቔን ብዝብል ሓሳብ ንዝህብዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ ገምሪ ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ናይ እግዚኣብሔር ኣደነት ቲዮሎጊያ ብዕምቆት ዘስረጹ እዮም ከምዝበሉ ሎሞናኰ ይሕብሩ።

እቲ መጽሓፍ ንንባብ ዝበቕዓሉ ዕለት 28 መስከረም፡  ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ድሕሪ 33 መዓልታት ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣገልግሎቶም ዝዓረፉሉ ዕለት ዝዝከረሉ ክኸውን እንከሎ፡ ሎሚ ቤተ ክርስቲያን ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ዝብል ስያመ ሂባቶልን ብፅዕና ንኽእወጀሎም እውን ኣብ ኣርጀንቲና ርእሰ ከተማ ቦነስ ኣይረስ ሰበኻ ብኣኦም ኣማላድነት እግዚኣብሔር ፈውሲ ተኣምር ኣብ ልዕሊ ሓደ ምእመን ፈጺሙ ዝብል ካብ ቦኖስ ኣይረስ ዝቐረበ ሰነድ ብናይ ቅድስና ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ይጽናዕ ከምዘሎ ይንገር።

ፓሮሊን፥ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ናይ ር.ሊ.ጳ. ሉቻኒ ፍሽኽታ ይሓብር
28 September 2019, 18:53