ድለ

2019.08.23 ርክብ ጉጅለ ሥራሕ መንጎ ቬትናምን ቅድስት መንበርን 2019.08.23 ርክብ ጉጅለ ሥራሕ መንጎ ቬትናምን ቅድስት መንበርን 

ኣብ ከተማ ቫቲካን ርክብ ጉጅለ ሥራሕ መንጎ ቬትናምን ቅድስት መንበርን ተኻዪዱ

ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዜናና ተገሊጹ ዝነበረ ዝሓለፈ ዕለት 21ን 22ን ነሐሰ 2019 ዓም ኣብ ከተማ ቫቲካን ርክብ ጉጅለ ሥራሕ መንጎ ቬትናምን ቅድስት መንበርን ተኻዪዱ ኣብ ፍጻሜ እቲ ርክብ ከኣ መግለጺ ሂቦም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከትማ ቫቲካን

ነቲ ርክብ ብማእከልነት ዝመርሑ ናይ ክልቲኤን መንግሥታት ወከልቲ ክኾኑ ከለው ብወገን ቅድስት መንበር ርክብ ምስ መንግሥታት ናይ ዝከታተል ቅድስት መንበር ቤትጽሕፈት ምኽትል ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኣንትዋን ካሚለሪ ብወገን ጉጅለ ቬትናም ከኣ ቶ ኣን ዱንግ ምኽትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቬትናም ነበሩ። ኣብቲ ብሓባር ዝሃብዎ መግለጺ ከምዝተመልከተ ከኣ ክልቲኦም ወገን ብዛዕባ ርክብ ቬትናምን ቅድስት መንበርን ከምኡ እውን ኩነታት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ሃገረ ቬትናም ብዝምልከት ዓሚቚ ዘተ ከምዘካየዱ እንክገልጹ ክልቲኦም ወገና በዚ ዝተረኸበ ኣዎንታዊ ውጽኢት ናይ ዘተ ዕቅበቶም ገሊጾም።

ቬትናምን ነጻነት እምነትን

ንመንግሥቲ ቬትናም ወኪሎም ዝመጸ ተጋባእቲ መንግሥቶም ነቲ ካብ ነዊሕ ዓመታት ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ዘሕለፈ ኩነት ነጻነት እምነትን ሃይማኖትን ኣብዚ ግዜዚ መንግሥቶም ንጹር ፖሎቲካ ክውን ክገብርን ነዚ ነጻነት እዚ ዘረጋግጽ ሃዋሁ ንምፍጣርን ንምዕባሌ ናይታ ኣብ ቬትናም እትርከብ ካቶሊካዊት ማሕበረ ክርስትያንን ከምዝሠርሕ ገሊጾም። ቅድስት መንበር ከኣ ብወገና ነዚ ሠናይ ተበግሶ እዚ ብምምጓስ ኣብ ቬትናም ዝርከቡ ምእመናን ካቶሊካውያን ጸዋዕታኦምን ንምርግጋጽ ሕያዎት ክርስትያንን ንፉዓት ዜጋታትን ኰይኖም ንክነብሩ በዚ ከኣ ንሠናይ ነገርን ምዕባሌን ሃገረ ቬትናም እጃሞም ከበርክቱ ዘለዋ ሃረርታ ገሊጾም።

ኩነታት ቤተክርስትያን ኣብ ቬትናም

ኣብቲ ርክብ ናይ ክልቲኤን ሃገራት ወከልቲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሃገረ ቬትናም ዘሎ ህልው ኩነታት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን እውን ዘትዮም። ኣብ መንጎ ቅድስት መንበርን ሃገረ ቬትናምን ክግበር ንዘለዎ ርክባትን ኩነታቶምን ብዝርኢ እውን ዘትዮም።  ብከመይ ዝበለ ኣገባብ ጳጳሳዊ ወኪል ክሠርሕ ከምዘለዎን ብዛዕባ ኣብ ቬትናም ክኽፈት ዘለዎ ቤትጽሕፈትስ ይኹን መንበሪ ጳጳሳዊ ወኪል ቅድስት መንበር ተዛቲዮም ኣብ ቀረባ ግዜ እቲ ቤትጽሕፈት ከምዝሰናዶ እውን ገሊጾም።

ርክብ ምስ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ

ኣባላት ክልቲኡ ጉጅለታት ብዝተገብረ ርክብን ዘተን ዕጉባት ምዃኖም ድሕሪ ምግላጽ ብዝለዓለ ደረጃ ንክቅጽልን ክልቲኦም ዝገበርዎ ስምምዓት ንክቅጽልን ንብጽሕሪ ሕጂ እውን ከምዚ ዓይነት ጉባኤታት ክድንፍዕ ልዕል ብዝበለ ደረጃ እውን እንተዝግበር ኢሎም። በዚ ኣጋጣሚ ወከልቲ መንግሥቲ ቬትናም ምስ ቅዱስነቶም ተራኺቦም ሰላምታ ከምዝተለዋወጡን ምስ ዋና ጸሓፊ ቅድስት መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፕየትሮ ፓሮሊን ከምዝተራኸቡ ከምኡ እውን ንዋና ጸሓፊ ምስ መንግሥታት ዝራኸብ ክፍሊ ቅድስት መንበር ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ ፓል ሪቻርድ ጋላገር ከምዝተራኸቡ ተገሊጹ።

23 August 2019, 19:30