2019.08.29 2013.07.06 ቅድሚ ሽድሽተ ዓመት ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስን ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ኣኪለ ሲልቨስትሪኒን 2019.08.29 2013.07.06 ቅድሚ ሽድሽተ ዓመት ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስን ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ኣኪለ ሲልቨስትሪኒን 

ብፁዕ ካርዲናል ኣኪለ ሲልቨስትሪኒ ሎሚ ኣብ ሮማ ዓሪፎም!

ንምሥራቃውያን ኣብያተ ክርስትያን ናይ እትሓሊ ማሕበር ቅድስት መንበር ሓላፊ ነበር ብፁዕ ካርዲናል ኣኪለ ሲልቨስትሪኒ ኣብ 95 ዓመት ዕድሜኦም ሎሚ ኣብ ሮማ ዓሪፎም። እዞም ንቤተክርስትያን ንነዊሕ ዘገልግሉ ምናዳ ኸኣ ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ዓቢ ኣበርክቶ ከምዝገበሩ ይንገር።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ትሕቲ ር.ሊ.ጳ ካብቶም ዝለዓለ ሥልጣን ዘለዎም ካርዲናላት ንካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ኤርትራን ብቐረባ ዝተኸታተሉን ብኣካል ካብ ዝበጽሑን ሓደ ዝኾኑ ነፍሰኄር ኣኪለ ሲልቨስትሪኒ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ዓውዲ ብዙሕ ዘበርከቱን ምናዳ ኸኣ ኣብ ዳግመ መጽናዕቲ ብስምምዕ ላተራነንሰ ዝፍለጥ ኣብ መንጎ መንግሥቲ ጣልያንን ቅድስት መንበርን ዝተገብረ ስምምዕ ዘመሓየሹ እዮም።

ሓጺር ታሪኽ ሕይወት ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ሲልቨስትሪኒ!

ኣብ ብሪሲገላ ዝተባህለት ሰበኻ ፋኤንዛ ትርክብ ዓዲ ሃገረ ጣልያን ብ25 ጥቅምቲ 1923 ዓም ተወልዱ። ወዲ 19 ዓመት ምስ ኮኑ ኣብ ገዳም ዘርአ ክህነት ኣትዮም ብ13 ሓምለ 1946 ዓም መዓርገ ክህነት ተቀበሉ። ኣብ በሎኛ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ሊቅነቶም ኣመስከሩ። ነቲ ዝተረፎም ከኣ ብ1948 ዓም ንሮማ ብምኻድ ኣብ ጳጳሳዊ  መካነ ጥበብ ላተራነንሰ ብሕጊ ተመረቑ። ብ1952 ዓም ከኣ ክፍሊ ጳጳሳዊ ኣካዳሚ ቤተክርስትያን ብምዃን ብዕለት 1 ታሕሳስ 1953 ዓም ዲፕሎማስያዊ ሥርሖም ሀ ኢሎም ጀመሩ። ኣብ ናይ ቅድስት መንበር ዝምድናታት መንግሥታት ተጸሚዶም ከኣ ንጉድያትን ርክባትን ሃገራት ቬትናም ቻይናን ኢንዶነሽያን ተኸታተሉ። ቀጺሎም ካብ 1958 ክሳብ 1969 ምስ ዝተፈላለዩ ዋናታት ጸሓፍቲ ቅድስቲ መንበር እናተሓባበሩ ሰሪሖም። ክሳብ 1973 ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ጉባኤታት ንቅድስት መንበር ወኪሎም ካብ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ምውጋድ ክሳብ ውዑል ሀልሲንኪ ተዋሲኦም።

ብ1973 ዓም ናይ ቤትምኽሪ ጉዳይ ሕዝባዊ ርክባት ቤተክርስትያን ምክትል ጸሓፊ ኰይኖም ብ1979 ዓም ሥዪመ ኖቫሊቻና ተባሂሎም ሊቀጳጳስ ተመርጹ ብ27 ግንቦት ናይ ዓመቱ ከኣ ኣብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራነንሰ ተቀብኡ።

ካብ 1980 ዓም ክሳብ 1987 ዓም ብዙሕ ተልእኮታት ፈጸሙ። ዕለት 28 ሰነ 1988 ዓም ኣብ ዝተገብረ ብኮንቺስተርዮ ዝፍለጥ ዕጽው ጉባኤ ካርዲናላት ከኣ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ካርዲናል ሸምዎም።  ብሰኛቱራ ኣፖስቶሊካ ዝፍለጥ ዝለዓለ በትፍርዲ ቅድስት መንበር ሓላፊ እውን ገበርዎም።

ካብ ግንቦት 1991 ዓም ክሳብ 25 ሕዳር 2000 ዓም ንምሥራቃውያን ኣብያተ ክርስትያን ናይ እትሓሊ ማሕበር ቅድስት መንበር ሓላፊ ኰይኖም ኣገልገሉ።

ብሞት ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ኣኪለ ሲልቨስትሪኒ ቊጽሪ ካርዲናላት ናብ 215 ይወርድ ካብዚኦም 118 ር.ሊ.ጳ ክመርጹን ክምረጹን ዝኽእሉ ኰይኖም እቶም ዝተረፉ 97 ከኣ ብገደብ ዕድመ ክመርጹን ክምርጹን ዘይክእሉ እዮም።

ብድምጺ ንምክትታል!
29 August 2019, 19:26