ውግእ ኢድሊብ ሲርያ ውግእ ኢድሊብ ሲርያ 

ቅድስቲ መንበር ንሕጻናት ካብ ዕጥቃዊ ግጭት ንምድሓን ልዑል ጻዕሪ ክግበር ትጽውዕ

ብዕለት 2 ነሓሰ 2019ዓምፈ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኒውዮርክ ዝኾኑ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳስ በርናርዲቶ ኣውዛ፣ ብዛዕባ ውሕስነት ሕጻናትን ዕጥቃዊ ግጭታትን ኣመልኪቶም ከምዝዘተዩ ተፈሊጡ።

ዮናስ ስዩም - ከተማ ቫቲካን

ቅድስቲ መንበር ነቲ ኣብ ዝተፋላለየ ኩርናዓት ዓለምና ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝርአ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ብፍላይ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣብ ግዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርና ምቚራን ብትሪ ብምኹናን፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ኣበርቲዖም ብምስራሕ፣ ኣብ ውትህድርና ንዘለዉ ኮነ፣ ናይ ካልኦት ዝተፋላለዩ ግህሰታት ግዳያት ዝኾኑ ሕጻናት ብሁጽጽ ናጻ ክልቀቁን ናብ ንቡር ሕይወቶም ክምለሱን ጸዊዓ።

ቀዋሚ ተዓዛቢ ናይ ቅድስቲ መንበር ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኒውዮርክ ዝኾኑ ብፁዕ ኣቡነ በርናርዲቶ ኣውዛ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 2 ነሓሰ 2019ዓምፈ፣ ብዛዕባ ሕጻናትን ዕጥቃዊ ግጭትን ዘተኮረ ክፉት ዝርርብ ብምጥላብ ምይይጥ ከምዘካየዱ እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣፍሊጡ።

ካብ ትምህርቲ ወጻኢ

ሕጻናት እቲ ክመሃርሉን ክጻወትሉን ክስሕቅሉን ዝግባእ ወርቃዊ ግዜኦም ተመንጢሎም ኣደዳ እዚ ዘይበሃል ግፍዕን ግህሰትን ብምዃን፣ ነቲ ፍሉይን ክትካእ ዘይክእልን ናይ ቁልዕነቶም ጊዜ ካብ ምምንዛዕ ሓሊፉ ኣብ ሂወቶም ከቢድ በሰላ ብምግዳፍ ንናይ ቀጻሊ ኣካልውን ስምዒታውን፣ ስነ-ኣእምሮኣውን ሕብረተሰብኣውን ጉድኣትን ቃንዛን ይቃልዑ ከምዘለዉ ኣምሪሮም ሓዘኖም ገሊጾም።

እዚ ተርእዮታት’ዚ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝርአ ኮይኑ፣ ኣብ ገለ ቦታታት፣ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ካብ ትምህርቲ ብምቁራጽ ክዕስከሩን ኣብ ዓውደ ኩናትን ግጭታትን ክኣትዉን ይግደዱ ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብ ካልኦት ቦታታት’ውን፣ ብድኽነት ዝተጥቕዑ ስድራቤታቶም ንምሕጋዝ፣ ኣብ ልዕሊ ዓቕሞም ዝኾነ ጉልበታዊ ዕደናታት ተቖሪኖም ብምስራሕ ይሳቐዩ ከምዘለዉ ብፁዕነቶም ብምረት ገሊጾም።

እዞም ወኪል ቅድስቲ መንበር ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾኑ ፍሊፒናዊ ሊቀ-ጳጳስ፣ ንጠንቂ ናይዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም፣ መብዛሕትኡ ብሰንኪ ሕብረተ-ሰብኣውን ቁጠባውን ቅልውላው ዝሰዓበ ኮይኑ፣ ወተሃደር ምዃን ከም ናይ መጨረሽታ ተገዲዶም ዝኣትውዎ ኣማራጺ ከምዝኾነ ይገልጹ። እቲ ካብ ኩሉ ዝበኣሰ፣ ገለ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት፣ ብናይ ኣኽራርነት ስልጠና ተመልሚሎም፣ መሳርሒ ናይ እኩይ ግብረሽበራዊ ስራሓት ብምዃን ኣብ ቅትለትን ህልቂትን ደቂ ሰባት ይዋፈሩ ከምዘለዉ እውን ገለጾም።

ደቂ-ኣንስትዮ ከም መማህራን ሰላም

ብፁዕነቶም፣ ነቲ ደቀ-ኣንስትዮ ሰላም ኣብ ምስፋን ዘለወን ባህርያዊ ህያብ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ኣብ ስድራና ኮነ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ደቂ-ኣንስትዮ ዘለወን ተራ ኣዝዩ ልዑል ከምዝኾነ ብምግንዛብ፣ ካብ ማንም ጊዜ ንላዕሊ ኣብ’ዚ እዋን`ዚ ሰላም ኣብ ምስፋን እጃመን ከበርክታ ዝኽእላሉ መድረኽ ክኽፈተለን ጸዊዖም።

እዞም ቀዋሚ ተዓዛቢ ናይ ቅድስቲ መንበር፣ ነቲ ብቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮስ ኣብ ኢድሊብ ስርያ ንሕጻናት ዕላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ብምዝካር፣ ንቤት-ትምህርታትን ኣብያተ-ሕክምናን ከምኡ`ውን ንመንበሪ ገዛውቲ ዕላማ ብምግባር ዝፍጸም ኲናት ኮነ መጥቃዕትታት ኢሰብኣውን ተጻይ ስብኣውን ዓለም ለኻውን ሕግታት ከምዝኾነ ብምስማር ደው ክብል ይግባእ ኢሎም።

ብፁዕነቶም ኣብ መጨረሽታ፣ ንናይ ዓቃብ-ሰላም ንጥፈታት ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን፣ ኣባላት ሃገራትን ኣብ ውሕስነት ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት፣ ብፍላይ ካብ ዕጥቃዊ ኲናትን ግጭትን ክከላኸሉሎም ዝኽእልሉ ኣግባባት ንምርካብ ኣበርቲዖም ክሰርሕሉ ከምዘለዎም ተላብዮም።

ምብርባር ሕልና

ብፁዕነቶም ሓሳባቶም ንምድምዳም፣ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝግበር ዝርርብ፣ ንሕልና ናይ ሕብረተ-ሰብ ዓለም ብምብርባር፣ ነቶም መብዛሕትኡ ጊዜ ዘይፍለጡ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝወርዱ በደላት ብምዝካር፣ ኩሉ በብዝኽእሎ ሕይወቶም ከውሕስ ጸዊዖም። ኣስዒቦም`ውን ንውሕስነት ግዳይ ዕጥቃዊ ኲናት ኮነ፣ ግዳይ ካልኦት ዓበይቲ ግህሰታት ኮይኖም ዘለዉ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣበርቲዖም ክዓዩ ክምሕጸኑ እንከለዉ፣ ነቶም ብሰንኪ ጾታዊ ዓመጽ ናብዚ ዓለም ዝመጹን፣ ዝከላኸለሎም ዘይብሎም ዕሸላትን ሕጻናትን’ውን ከይተረፈ ማዕረ መሰል ካልኦት ደቂ-ሰባት ከምዘለዎም ብምግንዛብ ንውሕስነቶምን መሰሎምን ኣበርቲዖም ክሰርሑ ብምልባው ሓሳቦም ዛዚሞም።

ብድምጺ ንምክትታል!
07 August 2019, 18:17