209.08.17 Prefetto, Segretario e Sottosegretari del Dicastero laici, famiglia e vita 209.08.17 Prefetto, Segretario e Sottosegretari del Dicastero laici, famiglia e vita 

ምምስራት 3ይ ዓመት ስለምእመናንን ስድራቤትን ሕይወትን ዝሓሊ ቤትጽሕፈት ጨንፈር ቅድስቲ መንበር!

እቶም ኣቐዲሞም ብጳጳሳውያን ቤትጽሕፈታት ምእመናንን ስድራቤትን ዝዕየዩ ዝነበሩ’ሞ፡ ኣብ 2016ዓምፈ ሓድሽ ንምእመናንን ስድራቤትን ሕይወትን ዝሓሊ ጳጳሳዊ ተቍዋም ድሕሪ ምቛም፡ ነቶም ዝጸንሑ ተቍዋማት ብምትካእ ስርሑ ከምዝጀመረ ይዝከር።

ዮናስ ስዩም - ከተማ ቫቲካን

ቅ.ኣ.ር.ጳ.ፍራንቸስኮስ ብመንገዲ ሰዱላ ማተር (Sedula Mater) ዝብል ሓዋርያዊ መልእኽቶም፡ ቅድሚ 3 ዓመት ሓድሽ ንምእመናንን ስድራቤትን ሕይወትን ዝሓሊ ጳጳሳዊ ተቊዋም ምምስራቶም ከምዝተሓበረ ይዝከር።

ኣብ’ቲ ገጻት ጽሑፍ ናይ’ቲ መልእኽቶም ምስ እነንብብ፡ ‘እታ ፈቃር ዝኾነት እኖና ቤተክርስትያን፡ ካብ ዘመናት ጀሚራ፡ ስለምእመናንን ስድራቤትን ሕይወትን ብምሕላይ፡ ነቲ መሓሪ ዝኾነ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስን፡ ኣብ ደቂ ሰባት ዘለዎ ፍቕርን ሓልዮትን፡ ከምዘንጸባረቐትን ገና ተንጸባርቕ ከምዘላን ይፍለጥ’ ዝብል ከምዘሎ እንክዝከር፡

ሕጂ’ውን እንተኾነ ‘ኣብ ሮማ ዝተደኮና ጳጳሳውያን ተቍዋማት፡ ንህልው ኩነታት ብትኽክል ብምንባብ፡ ዘድሊ ምትዕርራይ ብምግባር፡ ኣብ ኩላኣዊት ቤተክርስትያን፥ ብፍላይ ምእመናንን ስድራቤትን ሕይወትን፡ ናይ ግዜና ንጡፋት መሰኻኽር ናይ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስን ወንጌልን ስለዝኾኑ፡ ዘድሊ ሓገዝ ክገበረሎም የዘኻኽር’ ዝብል ጽሑፍ ነንብብ።

ብቕዓትን ንጥፈታትን

እቲ ዝተመስረተ ንምእመናንን፡ ስድራቤትን፡ ሕይወትን ዝሓሊ ሓድሽ ጳጳሳዊ ተቍዋም፡ ‘ብምትብባዕ ኣመንቲ ምእመናንን፡ ከምኡ’ውን ንመንእሰያትን ስድራቤትን ብምኹስኳስ፡ ንደቂሰባት ብምሕላይ፡ ከም መደብ እግዚኣብሔር ኣብ ተልእኾ ወንጌል ክዓዩ ከምዘለዎም’ ናይ ምግባር ብቕዓት ከምዘለዎ ተገሊጹ።

ገለ ካብቶም ፍሉያት ንጥፈታት ናይ`ቲ ሓድሽ ጳጳሳዊ ተቊዋም እምበኣር፡ ‘ምትብባዕን ምውዳብን ዓለምለኻውያን ጉባኤታትን ካልኦት ክርስትያናውያን ናይ ሓውርያዊ ተልእኾ ተበግሶታት ማለት፡ ከም ንምእመናንን፡ ንመንእሰያትን፡ ንተክሊላዊ ተቊዋማትን፡ ንስድራቤትን፡ ንሕይወትን ዘማእከለ ብሓደ ወገን፣ በቲ ካልእ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሕብረተ ሰብ ብምእታው፡ ነቲ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ብመንእሰያትን፡ ስድራቤታውያን ተቍዋማትን፡ ሕይወት ደቂሰባትን ዝመሓላላፍ ሰብኣውን ማሕበረ-ሰብኣውን ንጥፈታት ንምትብባዕ’ ዝብል ከምዝኾነ ይፍለጥ።

ካልእ ተወሳኽቲ ንጥፈታት ናይ’ዚ ተቍዋም ከኣ ከም ‘ምጉስጓስ ጸዋዕታ፣ ዓለማውያን ምእመናን፡ ሰበኪዳንን ውልቅን፡ ምንቅስቓሳት፡ ኣባላት ድርጅትን ማሕበርን፡ ኣብ ቤተክርስትያንን ዓለምን ንተልእኾ ወንጌል ምትብባዕ’ ዝኣመሰሉ እንክኾኑ፡ ብተወሳኺ’ውን ከም ‘ንናባዪ ዘይብሎም ሕጻናት ምዕባይ፡ ንሽማግለታት ምእላይ፡ ዝኣመሰሉ ክርስትያናውያን ተግባራት፡ ኣብ ሲቪላውያን ተቊዋማት ብምኻድ ኽዕየዩ’ ንምግባር ዝቖመ ጳጳሳዊ ተቍዋም ከምዝኾነ ይንገር።

ሓድሽ ጳጳሳዊ ተቍዋምን፡ ጳጳሳዊ ናይ ሕይወት ቤትትምህርትን

 ብፁዕ ካርዲናል ከቪን ፋረል ሓለቓ ናይ’ቲ ሓድሽ ጳጳሳዊ ተቊዋም እንክኾኑ፣ ዕለት 2 መስከረም 1947ዓምፈ ኣብ ዱብሊኖ ሃገረ ኣየርላንድ ድሕሪ ተወሊዶም፡ ብዕለት 24 ታሕሳስ 1978ዓምፈ መዓርገ ክህነት ከምዝተቀበሉ እንክሕበር፡ ጸሓፊኦም ኮይኖም ዝተመዘዙ ኣባ ኣሌሳንድሮ ኣዊ መሎ ከምዝኾኑ ተነጊሩ።

እዚ ሓድሽ ንስለምእመናንን ስድራቤትን ሕይወትን ዝሓሊ ጳጳሳዊ ተቊዋም፡ ምስ ብ ር.ሊ.ጳ.ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝተሰምየ ብዛዕባ ስነፍልጠታዊ ተክሊልን ስድራቤትን ዝድህስስ ትምህርቲ ዝህብ ጳጳሳዊ ናይ ንባበ መለኮት ተቊዋም፡ ቀጥታዊ ርክብ ከምዘለዎ እንክንገር፡ ብመንጎይናነት ናይ’ዚ ጳጳሳዊ ተቊዋም፡ ምስ ጳጳሳዊ ቤት-ትምህርቲ ሕይወት ስሉሳዊ ርክብ ከምዘለዎም’ውን ተፈሊጡ።

ብድምጺ ንምክትታል
17 August 2019, 17:18