ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መስሕብ-በጻሕያን፡ ካርዲናል ቱርክሶን፥ ክቡር ስራሕ ንመንእስይ ወለዶ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መስሕብ-በጻሕያን፡ ካርዲናል ቱርክሶን፥ ክቡር ስራሕ ንመንእስይ ወለዶ 

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መስሕብ-በጻሕያን፡ ካርዲናል ቱርክሶን፥ ክቡር ስራሕ ንመንእስይ ወለዶ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ስልጣናዊ ትምህርቶም ብዛዕባ ናይ ስራሕ ክብሪ ደጋጊሞም ይገልጹ፡ ኣብ 2003 ዓ.ም. ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መስህብ-በጻሕያን ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ መስህብ ንገዛእ ርእሱ ካብቶም ምስ ናይ ሰብኣዊ ምሉእ ምዕባለን ናብዚ ምዕባለ እዚ ካብ ዘመስርቑ ናይ ማሕበራዊ ሕይወት መግለጽታት ሓደ ምዃኑ የብርሁ

ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ዕለት 27 መስከረም መስህብን ስራሕን፡ ብሉጽ መጻኢ ንዅሉ ብዝብል መርሕ ቃል ተሰንዩ ዝበዓል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ በጻሕያን ምኽንያት፥ እቲ ለምዘበን መበል 100 ዓመት ቅዋሜኡ ዘብዕል ዓለም ሓቆፍ ናይ ስራሕ ጉዳይ ዝሓልይ ውድብ፥ ናይ ስራሕ መጻኢ ዝብል ንዘካይዶ ዘሎ ጐስጓስ መሰረት ገይሮም፡ መንግስታት ንመንእሰይ ወለዶ ሰብኣዊ ክብሪ ምእኩል ዝገብር ናይ ስራሕ ዕድል ክፈጥሩ ጻውዒት ዘቕርብ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጉዳይ መስህብ ንስራሕ ብዝብል መንጽር ምምልካት ኣገዳሲ እዩ፡ ብፍላይ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ብዙሓት መነባብሮ ዝትንክፍ ጉዳይ ብምዃኑ ብዅሉ ማእገር መስህብ ዘለዎ ናይ ስራሕ ማዕቅን ምስትውዓል የድሊ፡ እቲ ናይ መስህብ ፖለቲካ ዝፈጥሮ ስራሕ ኣብ ክብርን ማዕርነትን ናጽነትን ዝጸንዔ ክኸውን ኣለዎ፡ ብሓጺሩ ሰብኣውነት ዘማእከለ ኰይኑ፡ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ዘቐድም ክኸውን ይግባእ፡ ከምዚ ምስ ዝኸውን መጋበርያ ሰላምን ውሕስነትን ግስጋሰን ማሕበራዊ ተነጽሎ ከይህሉ ንዝግበር ጻዕሪ ደጋፊ ኵይኑ ይርከብ።

መስህብ ንኵለንተናዊ ዕብየት

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ስልጣናዊ ትምህርቶም ብዛዕባ ናይ ስራሕ ክብሪ ደጋጊሞም ይገልጹ፡ ኣብ 2003 ዓ.ም. ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መስህብ-በጻሕያን ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ መስህብ ንገዛእ ርእሱ ካብቶም  ምስ ናይ ሰብኣዊ ምሉእ ምዕባለን ናብዚ ምዕባለ እዚ ካብ ዘመስርቑ ናይ ማሕበራዊ ሕይወት መግለጽታት ሓደ ምዃኑ የብርሁ፡ ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ኣብ መልእኽቶን ነዚ ጠቒሶም፡ ብዙሓት ብዘይቋምነትን ዝገደደ እውን ብዘይሕጋውን ግቡእን  ቅኑዕን ክፍሊት ኣብ ዘይብሉ ኩነት ክርከቡን፡ ካብ ኣባይቲ ስድራኦም ንኽፍለዩ ዘገድድን ንናይ ገፋዒ ውደራ ሕጊ ግዙኣት ክዀኑ ይግደዱ ቢሎም፡

ኣብ ስራሕ ዓለም ምዝመዛ ከይህሉ

ኣብተን በጻሕያን ዝማርኽ ናይ ተፈጥሮ ሃብትን ናይ መስህብ ጸዋዕታን ዘለወን ድኻታት ሃገራት እዚ ኤኮኖሚ’ዚ ክቡር ናይ ስራሕ ዕድል ዝፈጥር ኣክንዲ ዝኸውን ንምዝመዛ ዘቃልዕን ናይ ሕዝቢ ባህላዊ መንነት ንሓደጋ ዘቃልዕን ምህዳር ዝሃስን ኰይኑ ይርከብ፡ ስለዚህ ኣብ ናይ መስህብ ኤኮኖሚ ዝዋፈሩ መንእሰያት ግቡእን ቅኑዕን ክፍሊት ክረኽቡን ማለት ዓውዲ መስህብ ናይ ሰብኣውን ማሕበራውን ባህላውን ምዕባለ ዘተባብዕ ክኸውን ኣለዎ ዝበሉ ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ኣብ መልእኽቶም ኣስዒቦም፡

እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ክስተት

ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ በጻሕያን ጉዳይ ዝከታተል ማሕበር፡ ኣብ ዓለም ካብ 11 ናይ ስራሕ ዕድል እቲ ሓደ ናይ መስህብ ኤክኖሚ ዝፈጥሮ ምዃኑ ዝገልጽ ዝሃብዎ ጸብጻብ ተወኪሶም፡ መስህብ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ክስተት ብምሊዮን ዝቑጸሩ ዜጋታት ዝምልከትን ኣብ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ባህላውን ደረጃ ዓቢይ ጽልዋ ዘለዎን ክነየው ዝተነብረ ተስፋ እውን ዝብል ኰይኑ፡ ኣብ 1950 ዓ.ም. ብዝሒ በጻሕያን ኣስታት 25 ሚሊዮን ዝግምት ከምዝነበረን ኣብዚ እዋን’ዚ ሓደ ሚሊያርድ ዝግመት ሕዝቢ ዓለም ዝምልከት ኰይኑ ከምዘሎ ኣዘኻኺሮም።

ሓለዋ ሰብኣዊ ፍጥረት

ናይ መስህብ ኤኮኖሚ ናይ ሰብኣዊ ክብሪ ዝኽበረሉ ስራሕ ዝፈጥርን ብፍላይ ብመንእሰያት፡ ሰብኣዊ ክብሪ ዝማእከለሉን ከከም ባህሉን ከባቢያዊ መለለይኡ ናይ ኵሉ ውልቃውን ማሕበራውን ሰብኣዊ ዕብየት ዘተባብዕን ምሕዝነትን ሕውነትን ኣብ መንጐ ሰባትን ኣሕዛብን ዝድግፍ ይኹን ብዝብል ጻውዒት ብፁዕ ካርዲናል ፒተር ኮድዎ ኣፒያ ቱርክሶን ብምኽንያት 21 መስከረ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ በጻሕያን ዘመሓላለፍዎ መልእኽቶ የጠቓልሉ።

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መስሕብ-በጻሕያን
26 July 2019, 16:57