ድለ

ሓምላይ ዓዋዲ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና መሰረት ሃገረ ቫቲካን ናጻ ካብ ምጥቃም ፕላስቲክ ሓምላይ ዓዋዲ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና መሰረት ሃገረ ቫቲካን ናጻ ካብ ምጥቃም ፕላስቲክ 

ሓምላይ ዓዋዲ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና መሰረት ሃገረ ቫቲካን ናጻ ካብ ምጥቃም ፕላስቲክ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ኣቢሎም ኣመለኻኽታናን ዓይነት ኣነባብራናን ክቕየር ከዘለዎን፡ ብዓቐን ምንባርን ዘይምብኻንን ናይ ዳግም መስርሕ ስልቲ ምጥቃም ዘለዎ ኣገዳስነትን ይሕብሩን

ሃገረ ቫቲካን ኣብ 2019 ዓ.ም. ውሽጢ ይሴባሕ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝደረስዎ መሰረት ገይሩ ካብ ምጥቃም ፕላስቲክ ናጻ ከምዝኸውን ክሕበር እንከሎ፡ ድሮ ናጻ ካብ ፕላስቲክ ኣብ ዝብል ኪደት ዓበይቲ ፍጻሜታት ከምዝዓተረን፡  በዚ ውሳኔ’ዚ ኣቢሉ ምህዳርን ከባብን ዝብክል ዓይነት ኣነባብራ ንኽቕየር ብቓልን ብተግባርን የተባብዕ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዓለም ዘሎ ናይ ከባቢ ኣየር ብከላ ንምውጋድ ዝግበር ጻዕሪ ካብቲ ዘለዎ ብዕጽፊ ክብ ምባል የድሊ፡ እንተዘይኰነ ንመጻኢ ትውልዲ ዝርከብ ዓለም ኣዚዩ ዝተበከለን ንምትኽኻሉ እውን ኣብ ዘይከኣልሉ ደረጃ ዝበጸሐን እዩ ዝኽወን። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ኣቢሎም ኣመለኻኽታናን ዓይነት ኣነባብራናን ክቕየር ከዘለዎን፡ ብዓቐን ምንባርን ዘይምብኻንን ናይ ዳግም መስርሕ ስልቲ ምጥቃም ዘለዎ ኣገዳስነትን ይሕብሩን፡ ሰብ ናይ ተፈጥሮ ዓቃቢ እምበር ጐይታ ከምዘይኰነ ተገንዚቡ በዚ ግንዛበ መሰረት’ዚ ንኽነብር ክኽተሎ ዝግብኦ መገዲ የመላኽቱ።

እቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ናይ ሓምላይ ዓዋዲ መልእኽቲ እምበር ናይ ሓምላይ ምንቅስቓስ ኣይኰነን፡ ማሕበራዊ ጉዳይ ዝምልከት ኵለንተናዊ ምህዳራዊ ምዕባለ ወትሩ ብውልቅን ብብሔራውን ብዓለም ለኻውን ደረጃ ቀዳምነት ከወሃቦ ዝግብኦ መደብ ክኸውን ከምዘለዎ የተሓሳስብ።

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ተስፋ ዝህብ ዝተሓዳሰን ተቐባልነት ዘለዎ ጸዓት ንምርግጋጽ ዝካየድ ጻዕርን ምውፋር ሃብቲ ገንዘብን ይረአይ ምህላዉን እዚ ኸኣ ዓለምን ሕዝብን ብዛዕባ ክንክን ምህዳር ይስቆሮ ከምዘሎ ዘረጋግጽ ጭቡጥ ኩነት እዩ፡ ብዙሓት ሃገር ተሓዳስን ጹርይን ጸዓት ኣብ ምጥቃም ዘካይድኦ ዘለዋ ጻዕሪ ክበራታዕ እዩ ዘለዎ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘለዉ ብድሆታትን ጸገማትን፡ እዚ ኸኣ ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ናይ ተፈጥሮ ሃብትን እቲ ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝተሓንጸጸ ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ልምዓት ዘንበሮም ፍጻሜታት ንምርግጋጽ ዝግበር ጻዕሪ ወይ ዳርጋ የለን ክበሃል ዝከኣል እውን እዩ፡ በቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ቀጥዒ ኣልቦ ንኣይነትን ኢጐነትን ኣህላኽነትን ኣባኽኖትን ኤኮኖሚያውን ምህዳራውን ማሕበራውን ምትሕብባር ንምንቕቓሕ ዝግበር ጻዕሪ የሰናኽልን ናይ ሓባር ጥቕሚ ንሓደጋ የቃላዕ፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ኣብ ውሽጢ ተቐባልነት ዘለዎ ሰብኣውነት ዘማእከለ ሕጹጽ ውጻኢታቱ ጥራሕ ዘይኰነ ንመጻኢ ትውልዲ ዝሓስብ ከይዲ እውን ዘሰናኽል ይኸውን፡ እዚ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝካየድ ዘሎ ጐስጓስ ናጻ ክብ ምጥቃም ፕላስቲክ ኣብ ኩለን ሃገራት ክውን ኰይኑ እነነብረሉ ዓለም ካብ ብከላ ንምድሓን ዝግበር ጻዕሪ ዘተባብዕ እዩ።

ሓምላይ ዓዋዲ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና መሰረት ሃገረ ቫቲካን ናጻ ካብ ምጥቃም ፕላስቲክ
18 July 2019, 17:23