ስምምዕ ኣብ መንጐ ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስን ናይ ሩሲያ ሚኒስተር ክንክን ጥዕናን ስምምዕ ኣብ መንጐ ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስን ናይ ሩሲያ ሚኒስተር ክንክን ጥዕናን 

ስምምዕ ኣብ መንጐ ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስን ናይ ሩሲያ ሚኒስተር ክንክን ጥዕናን

ናይ ሩሲያ ሚኒስትር ክንክን ጥዕና ስክቮርትሶቫ ብናይ ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ ኣደ መንበር ሚሬላ ኤኖክ ተሰንየን ኣብቲ ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ ምብጻሕ ከምዘካየዳ

ናይ ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ ቤት ጽሕፈት ምሕዳራ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እቲ ኣብ መንጐ ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስን ፈደራላዊት ሩሲያ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ኣብ ዝምልከት ዝክረ ነገር ዝተበጽሔ ስምምዕ፡ ቤት ሕክምና ሕጻናት ሕጻነት ኢየሱስን ናይ ሩሲያ ናይ ክንክን ጥዕና መዋቕራት ኣብ ክንክን ጥዕና ዝምልከት ምዕባለ ንምርግጋጽ ናይ ሓባር ስነ ምርምር ንምክያድ ዝብል ምዃኑ ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ስምምዕ ብናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፍም ናይ ፈደራላዊት ሩሲያ ሚኒስትር ክንክን ጥዕናን ዝተኻየደን ኣብ ስነ ሕክምና ስነ ምርምር ዘተኰረ ምትሕብባር ዝብል ኰይኑ፡ እቲ ስምምዕ ብናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ናይ ሓፈሻዊ ጉዳያት ሓላፊ ብፁዕ ኣቡነ ፓውሎ ቦርጃን ናይ ሩሲያ ሚኒስተር ክንክን ጥዕና ቨሮኒካ ስክቮርትሶቫ ዝተፈረመ ከምዝዀነ ተገሊጹ።

ናይ ሩሲያ ሚኒስትር ክንክን ጥዕና ስክቮርትሶቫ ብናይ ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ ኣደ መንበር ሚሬላ ኤኖክ ተሰንየን ኣብቲ ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ ምብጻሕ ከምዘካየዳ ክፍለጥ እንከሎ፡ ብጠቕላላ ምዕባለ ቤት ሕክምና ሕጻነት ኢየሱስን ኣብቲ ቤት ሕክምና ዝተበጽሑን ዝካየዱን ስነ ምርምራት ዝምልከት ጉዳይ ሓፈሻዊ መግለጺ ከምዝቐረበ ክሕበር እንከሎ፡ ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ ኣብ ሩሲያ ርእሰ ከተማ ሞስካን ኣብ ናይ ሩሲያ ናይ ስነ ሕክምና ምርምር ብዝተፈላለየ መዳይ ኣስተዋጽኦ ዘለዎ ምዃኑ ይንገር።

ስምምዕ ኣብ መንጐ ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስን ናይ ሩሲያ ሚኒስተር ክንክን ጥዕናን
05 July 2019, 16:45