ር.ሊ.ጳ.ን ኣብ ኡክራይን ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ር.ሊ.ጳ.ን ኣብ ኡክራይን ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት 

ር.ሊ.ጳ.ን ኣብ ኡክራይን ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት

ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ ኡክራይን ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ሊቀ ጳጳሳት ስቪያቶስላቭ ሸቭቹክን ጴጥሮፖሊታንን ናይታ ቤተ ክርስትያን ሲኖዶስ ቀዋሚ ኣባላትን ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ናይ ጳጳሳዊ ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ኣባይቲ ጽሕፈትን ናይ ኩሪያ ሮማና ላዕለዎት ሓዋርያውያን ኣካላት ተሰንዮም ኣብ ዘካየድዎ ርክብ

ካብ ዕለት 5 ሓምለ ክሳብ ዕለት 6 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ብቕዱስ ኣቦና ተጸዊዑ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝተኻየደ ኣብ ኡክራይን ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ክልተ መዓልቲ ዓውደ ርክብ፡ ትእምርቲ ቅርበት ከምዝዀነ፡ እዚ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ኣስፍሆተ ወንጌልን ምስ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያን ናብ ውህደት ዝግበር ናይ ሓባር ዘተን ካብዚ ሓሊፉ እውን ህልው ማሕበራውን ፖለቲካውን ኵነታትን ሰብኣዊ ቅልውላው ኡክራይን ዝተመያየጠን ካብ ቅዱስ ኣቦና ስልጣናዊ ቃለ ምዕዳን ዝተለገሰን ከምዝነበረ ብዛዕባ እቲ ናይ ክልተ መዓልቲ ዓውደ ርክብ እደጊፎም ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ዲ ቡሶሎ ኣብ ዘቕረብዎ ጽማሬ እቲ ዓውደ ርክብ ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብሓልዮት ቅዱስ ኣቦና ዝተጠልበ ንኽልተ መዓልቲ ዝተኻየደ ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኡክራይን፡ ኣብ ጉዳይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ኣስፍሆተ ወንጌልን ናብ ውህደት ዝኣመተ ምስ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያን ዝግበር ናይ ሓባር ዘተን ብድሆታት ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኡክራን ማሕበራውን ፖለቲካውን ብፍላይ ውግእን ሰብኣዊ ቅልውላውን ዝብሉን ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኡክራይን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ማመናና ኣተቕርቦ ኵለ መዳያዊ ኣገግሎትን ኣርእስታት ኣማእኪሉ ዝመኸረ ከምዝነበረ ዕለት 6 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ድሕሪ ፍጻሜ እቲ ዓውደ ርክብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ከመልክት እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ነታ ናጻዊት ቤተ ክርስቲያን ቅርበቶምን ምስ መንበረ ጴጥሮስ ዘለዋ ምትእስሳርን ዝመስከሩሉን እታ ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ተኣዛዝነቶምን ዝመስከርሉ እውን ከምዝነበረ መግለጺ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ኣፍሊጡ።

ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እምንቲ ዝዀነ ቤተ ክርስቲያን፡ ናይ እምነት ሰማዕታታ የረጋግጽዎ

ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ ኡክራይን ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ሊቀ ጳጳሳት ስቪያቶስላቭ ሸቭቹክን ጴጥሮፖሊታንን ናይታ ቤተ ክርስትያን ሲኖዶስ ቀዋሚ ኣባላትን ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ናይ ጳጳሳዊ ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ኣባይቲ ጽሕፈትን ናይ ኩሪያ ሮማና ላዕለዎት ሓዋርያውያን ኣካላት ተሰንዮም ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፡ ቅዱስ ኣቦና፡ ታሪኽን ባህልን ትውፊትን መንፈሳዊ ሃብትን ሊጡርጊያን ቲዮሎጊያን ቀኖናውነታን ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘለዋ ተኣማንነትን፡ በቶም ናይ እምነት ሰማዕታት ደቃ ደም ዝጸንዔን ዝተሓትመን ምዃኑ ገሊጾም ኣድናቖቶም ከምዘረጋገጹ ዝሓበረ መግለጺ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ኣስዒቡ፥

ክስዓብ ዘለዎ ናይ ሓባር ተማቓራሒ ስልቲ

እቲ ኣብ ናይ ሕድ ሕዳዊ ጽን ምብህሃል መንፈስ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ፡ ብጸሎት ዝተሰነየን እታ ናይ ግሪክ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንምዕባሌኣን ፍርያምነታን ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝመርሕን ዘተባብዕን ክስዓብ ዘለዎ ናይ ሓባር ተመቓራሒ ስልቲ ዝተመስከረሉን እዚ ኣብ ናይ ኡክራይን ናይ ግብሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ካልኦት ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስትያን ዘሎ ሜላ’ዚ መንነትን ተልእዀን ክጸንዕ ከምዘለዎን ውህደትን ሓድነትን ተኣዝዞነትን ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘመላኸተ እውን ምንባሩ የነጽር።

ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እምንቲ ዝዀነ ቤተ ክርስቲያን፡ ናይ እምነት ሰማዕታታ የረጋግጽዎ
08 July 2019, 18:11