ሓለዋ ባሕሪ እተሰምየት ናይ ግብረ ሰናይ ኣድሕን ሕይወት መርከብ ኣብ ላምፐዱዛ ሓለዋ ባሕሪ እተሰምየት ናይ ግብረ ሰናይ ኣድሕን ሕይወት መርከብ ኣብ ላምፐዱዛ 

ሓለዋ ባሕሪ እተሰምየት ናይ ግብረ ሰናይ ኣድሕን ሕይወት መርከብ ኣብ ላምፐዱዛ

እቲ ዝመርሕ ዋልታዊ ኮኾብ ሰብኣዊ ሕይወት ምድሓን ዝብል እዩ፡ ካልእ ኩሉ ብኻልኣይ ደረጃ እዩ ዝቕመጥ ኢሎም።

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ፀሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፡ ኣቨኒረ ናይ እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዕለታዊ ጋዜጣ ዕለት 29 ሰነ 2019 ዓ.ም. ኣብ ዘካየዶ ናይቲ ጋዜጣ ዓውደ በዓል ኣብ ዝተሳፍሉ ፍጻሜ ካብ ጋዜጠይናት ብዛዕባ እታ ኣብ ከባቢ ባሕሪ ኢጣሊያ ደሴት ላምፐዱሳ ስደተይናታት ካብ ሓደጋ ሞት ብምድሓን ኣሳፊራ ኣብ ኢጣሊያ ዑቕባ ንኽረኽቡ ኣብ ጀርመን ናይ ዝርከብ ሓለዋ ባሕሪ ናይ እተሰምየ ኣድሕን ሕይወት ናይ ዘይመንግስታዊ ግብረ ሰናይ ማሕበር መርከብ ናብ ላምፐዱዛ ናይ ኢጣሊያ ወደብ ንኽትኣትው ፍቓድ ከይረኸበት ኣብ ከባቢ ላፐዱሳ ባሕሪ መዲትራኒያ መዓልታት ከምዘሕለፈት ክፍለጥ እንከሎ፡ ይዅን ደኣ እምበር ናብቲ ወደብ ላምፐዱዛ ንኽትኣትው ፍቓድ ከይተወሃበ ናብቲ ወደብ ላምፐዱዛ ንኸይትኣትው ብናይ ኢጣሊያ ናይ ዶባት ባሕሪ ሓለዋ ጸጥታ መርከብ ተኸቢባ እውን ትሕለው እውን እንተነበረት ብዘይ ፍቓድ ላምፐዱዛ ወደብ ከምዝኣተወትን ብዛዕባ እዚ ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፡ እቲ ዘገድስ ሕይወት ምድሓን እዩ፡ እቲ ዝመርሕ ዋልታዊ ኮኾብ ሰብኣዊ ሕይወት ምድሓን ዝብል እዩ፡ ካልእ ኩሉ ብኻልኣይ ደረጃ እዩ ዝቕመጥ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ ዓርቢ ናብ ቀዳም ዘውግሕ ለይቲ ዕለት 29 ሰነ 2019 ዓ.ም. እተን ናይታ መርከብ ኣዛዚት ቅድሚ 16 መዓልቲ ነቶም ስደተይናታት ካብ ሓደጋ ምጥሓል ኣድሒነን ኣብ ከባብ ላምፐዱዛ ናብ ወደብ ናይ መእተዊ ፈቓድ ክሓታ ድሕሪ ምጽናሕ ነቶም 40 ስደተይናታት ሒዘን ብዘይ ፍቓድ ናብ ወደብ ላምፔዱዛ ከቕርባ እንከለዋ ብናይ ኢጣሊያ ናይ ዶብ ሓለዋ ጸጥታ መርከብ ንኸይኣትዋ ተኸልኪለን ከብቅዓ ፍቓድ ከይረኸባ ናብ ወደብ ላምፐዱዛ ከምዝኣተዋን እታ መርከብ ኣብ ባሕሪ ንቀጻሊ መዓልታት እንተትጸንህ ብሓቂ ካብቶም ስደተይናታት ገሊኣቶም ርእሰ ቕትለት ከይፍጽሙ ዝብል ፍርሒ ከምዝነበረንን ነዚ ኵሉ ኣብ ግምት ብምእታው ብዘይ ፍቓድ ላምፐዱዛ ክኣትዋ ክምእተገዳ ናይታ መርከብ ኣዛዚት ካሮላ ራኸተ ብዘይ ፍቓድ ድሕሪ 16 ወደብ ላምፐዱዛ ኣትየን።

ወደብ ላምፐዱዛ ምስ ኣተዋ ንሓይሊ ጸጥታ ብዘይ ፍቓድ ወደብ ኢጣሊያ ብምእታወንን ምስታ ዝኸልከለተን መርካብ እውን ዳርጋ ናይ ምግጫው ሓደጋ ከጋጥም ዝኽእል ከምዝነበረን ናይ ኢጣልያ ወሰናስን ባሕሪ ሓላውትን ስደተይናታትን ንሓደጋ ሞት ኣቃሊዔን ብዝብን ክሲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዋን፡ ንሰን ነዚ ዅሉ በዲሀን ናብ ወደብ ላምፐዱዛ ንኽኣትዋ ዘገደደን ደህንነት ናይቶም ስደተይናታት ሕይወት ምዃኑ ክሕብራ እንከለዋል፡ ነዚ ኵሉ ብምሕሳብ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ሓገዝን ምትሕብባርን ከይጐድል ጻውዒት ኣቕሪቦም፡  ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባዊ ስነ ሜላ ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝምራሕ ወንጌላውነት ዝብል ወንጌል ዝነብር እዩ፡ ኣብ ዓበይቲ ናይ ሰብኣዊ ዕሴታት መሰረት ንምዕያይ ዝመረሕ፡ ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ምትሕብባርን ምእንጋድን ከይጐድል ሓደራ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ሰብኣዊ ሕይወት ምድሓን
01 July 2019, 17:39