ድለ

ጭቡጥ ሓገዝ ቤተ ክርስቲያን ንላቲን ኣመሪካ ቀዳሞት ተወለድቲ ክፍሊ ሕብረተሰብ ጭቡጥ ሓገዝ ቤተ ክርስቲያን ንላቲን ኣመሪካ ቀዳሞት ተወለድቲ ክፍሊ ሕብረተሰብ 

ጭቡጥ ሓገዝ ቤተ ክርስቲያን ንላቲን ኣመሪካ ቀዳሞት ተወለድቲ ክፍሊ ሕብረተሰብ

ቅዱስ ኣቦና ንከባቢ ሃገራት ኣማዞንን ቀዳሞት ተወለድትን ኣፍሮላቲን ኣመሪካውያንን ብጠቕላላ ንድኻታትን ዝተነጸሉን ክፍሊ ሕብረተሰብ ዘለዎም ትኵር ሓልዮት ፍሉጥ እዩ

ትካል ረድኤት ናይ ኣሕዛብ ምዕባለ (Populorum Progressio) እተሰምየ ናይ ቤተ ክርስቲያን ትካል ዝተፈላለዩ ናይ ክንክን ጥዕናን መደብ ሕንጸትን ክሳብ ንኣሽቱ ትካላት ዝኸይድ ዝተፈላለዩ ጭቡጥ መደብ ድጋፍ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ንቐዳሞት ተወለድትን ኣፍሮላቲን ኣመሪካውያንን ድኻታትን ክፍሊ ሕብረተሰብ የቕርብ ከምዘሎ ክሕበር እንከሎ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብጠቕላላ 138 ውጥን ምዕባለ ኣብ 17 ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብሓልዮት ናይ ረድኤት ትካል ናይ ኣሕዛብ ምዕባለ ይሳለጥ ከምዘሎን ኣዚ ዓቢይ መደብ’ዚ ዝሓለፈ ዓመት ናይቲ ትካል ረድኤት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉባኤ ኣብ ሃገረ ኮልምቢያ ርእሰ ከተማ ቦጐታ ካብ ዕለት 24 ክሳብ ዕለት 26 ሰነ 2018 ዓ.ም. ኣብ ዘካየዶ ዓመታዊ ምሉእ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ዝሓንጸጾ ምዃኑ ይፍለጥ።

እዚ ትካል ረድኤት ናይ ኣሕዛብ ምዕባለ እታ ኣብ 1967 ዓ.ም. ብቕዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ዝተደርሰት ናይ ኣሕዛብ ምዕባለ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ መሰረት ገይሩ ብፍቓድ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግምዊ ኣብ 1992 ዓ.ም. ዝቖመ ከምዝዀነ ዝዝከር ኰይኑ፡ እቲ ዝሓንጸጾ መደብ ጭቡጥ ሓገዝ ንሃገራት ላቲን ኣመሪካ፥ ቀዳሞት ተወለድትን ኣፍሮላቲን ኣመሪካውያንን ሓረስቶትን ዝምልከት ኰይኑ፡ እዚ ተቕዋም ረድኤት ንናይ ኣሕዛብ ምዕባለ ካብ ዝቐውም ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ኣብቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ናይ ገዛእ ርእሱ ሲኖዶስ ኣብ ዝካየደሉ ኣብ መላእ ከባቢ ሃገራት ኣማዞን 638 ዝተፈላለዩ መደብ ልምዓት ክሳለጥ ከምዝገበረ ይንገር።

ናይ ቅድስቲ መንበር ቀጻሊ ትኩር ሓልዮት

ቅዱስ ኣቦና ንከባቢ ሃገራት ኣማዞንን ቀዳሞት ተወለድትን ኣፍሮላቲን ኣመሪካውያንን ብጠቕላላ ንድኻታትን ዝተነጸሉን ክፍሊ ሕብረተሰብ ዘለዎም ትኵር ሓልዮት ፍሉጥ እዩ፡ እዚ ብናይ ዝተፈላለያ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ደገፍን ረድኤትን ተቕዋማትን ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራትን ዝግለጽ ሓቂ እዩ፡ እቲ ናይ ኣሕዛብ ምዕባለ እተሰምየ ናይ ረድኤት ትካል ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝምራሕ ኰይኑ፡ ንዝተናዕቁን ኣብ ጽንኵር ኩነት ንዝርከቡን ተቐማጦ ገጠራትን ሓረስቶትን ናይ ዜጋታት ንኣሽቱ ትካላትን ንምድጋፍ ዝተፈላለዩ መደባት ሓገዝን ብፍላይ ሕንጸት ብምቕራብ፡ ድኻታት ገዛእ ርእሶም ክኢሎም ኣብ ምንባር ክዓብዩ ይድግፍን የተባብዕን፡ ነዚ ዝድግፍ ትሕቲ ቅርጺ ብምስፋሕ እውን ዓቢይ ኣበርክቶ ከምእተቕርብ ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ሰጉንዶ ታኻዶ ሙኞዝ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፥ እዚ ትካል ቅድስቲ መንበር ክፉትን ማንም ዘይንጽልን ኵለንተናዊ ዕላማ ዘለዎ ምዃኑ ይሕብሩ።

ዛዕባ ኣማዞን ዝመክር ሲኖዶስ ብምጥማት

ናይ ኣሕዛብ ምዓባለ ሓልዮ ትካል ረድኤት ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቦጐታ ዘካየዶ ዓውደ ኣኼባ ገና ኣብቲ እዋን እውን ነቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ንኽካየድ ዝጸውዕዎ ዛዕባ ኣማዞን ዝመክር ሲኖዶስ ፍሉይ ቆላሕታ እውን ከምዝገበረን፡ ብፍላይ ብናይቲ ትካል ረድኤት ኣባል ቤት ምኽሪ ናይ ሳን ሳልቫዶር ዲ ባይያ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሙሪሎ ሰባስቲያው ራሞስ ክራይገር፡ ኣብ ከባቢ ኣማዞም ዘካይዶ ግብረ ሰናይን መደብ ሕንጸት ቀጻሊ መደባቱን መሰረት ገይሮም ሰፊሕ መርብሂ ከምዝሃቡ ብፁዕ ኣቡነ ታኻዶ ሙኞዝ ኣዘኻኺሮም፡

ክቡርን ማዕቅን ቤተ ክርስቲያን ዘለዎም መደባት

ንምዕባለ ዘተኰረ እቲ ትካል ቅድስቲ መንበር ዘቕርቦ ደገፍን ዝህቦ መደብ ሕንጸትን ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝውክል ምዃኑ ገሊጾም፡ እቲ ቤት ምኽሪ ናይዚ ትካል ብኣባልነት ሽዱሽተ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ዝተዋጽኡ ጳጳሳትን ካብ ካልኦት ዝተፈላለያ ሃገራት እውን ዝተዋጽኡ ኣካላት ብኣባልነት ዝሓቁፍ እዩ፡ ስለዚህ ናይ ቤተ ክርስቲያን ትካል ረድኤት ኵላውነት ቤተ ክርስቲያን ዘንጸባርቕን ዝነብርን እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ጭቡጥ ሓገዝ ቤተ ክርስቲያን ንላቲን ኣመሪካ ቀዳሞት ተወለድቲ ክፍሊ ሕብረተሰብ
04 July 2019, 17:45