ስደተይናታት ኣብ ስልጣናዊ ትምህርቲ ኣርእሰተ ሊቃነ ጳጳሳት ስደተይናታት ኣብ ስልጣናዊ ትምህርቲ ኣርእሰተ ሊቃነ ጳጳሳት 

ስደተይናታት ኣብ ስልጣናዊ ትምህርቲ ኣርእሰተ ሊቃነ ጳጳሳት

ኣብ ሰማንያታት ክስተት ስደትይናታት ዕውሉም ኰይኑ ድሕሪ ዕንወት መንደቕ በርሊን ዝበለጸ መነባብሮ ንምንዳይ ካብ ምብራቕ ናብ ምዕራብ ውሕዘት ተበራተዐ

ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሰብነት ኣብ ኪደት ግዜ ከቢድ ምቅይያራትን ተራን ዘለዎ እናዀነ ክምዝመጸን፡ ሎሚ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ይኹን ግዜ ጸቢብ ዝነበረ ፍሉይ ክስተት ከካቢ ዝምልከተ እናዀነ ዝሰፍሕ ዘሎ ማሕበራዊ ክስተት ቤተ ክርስቲያን ቅድም ይኹን ደሓር ኣብ ስልጣናዊ ትምህርታ ብዘይ ምቁራጽ እትዛረበሉን ብጥምየትን ዓመጽን ውግእን ተገዲዲ ሃገሩን ቤቱን ንብረቱን ኣባይቲ ስድራኡን ጠንጢኑ ንዝስደድ ዓቢይ ኣተኵሮ ትገብርን ነዚ ኣብ ልቢ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ክስተት ዓለም ቆላሕታ ክግበረሉ ብግብርን ብቓልን ትሓንጽን ተተሓሳስብን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዘመን ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ከቢድ ቀልቢ ዝስሕብ ምዕራፋት ገድላዊ ታሪኽ ስደተይናታት ዘለዎ እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ዘመን ናይ ገዛእ ርእሱ ዘዘንትዎ ታሪኽ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣለዎ፡ ኣብ እዋን ዓበይቲ ኵናት ተመዛበልቲ ዝብል ስም ዝወሃቦ ዝነበረን ኣብ ጥንቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓበይቲ ኵናት ናብታ ክፍትቲ ከተማ ዝዀነት ከተማ ሮማ ዝውሕዙ ብዙሓት ከምዝነበሩን ዕለት 12 መጋቢት 1944 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ዘአንገድዎም ምዝካር ይከኣል።

ዘቤታዊ ሓጐስኩም ዝምንዝዕ ፍቑራት ደቀይ እቲ ዝተኸስተ ከቢድ ጸበባ ኣገዲድኵም ፋሕ ጭንግራሕ ክትብሉን ብዘይ ኣፍቅሮተ ዘቤት ካብ ፍቑራትኩምን ኣባይቲ ስድራዅምን ተፈሊኹም ምስቶም ፍቕራዊ ምትእስሳር ዘለኵም ኣባላት ስድራ ቤትኵም ብውግእ ምኽንያት ደሞም ዝፈስስ ምስ ብዘለዉ ምኽንያት ዘጓንፍ ሓዘን እናነባዕኵም ከምቲ እግዚኣብሔር ንፍጥረቱ ሰናይ ዘበለ ዝጽግው ንኣኻትኩም ኣብዚ ዝመጻእኩም ካብ ተራዳኢ ክርስቶስ ር.ሊ.ጳ. ቡራኬን ምጽንናዕን አቕርበልኩም

እንክብሉ ነቶም ዝተሰዱ ኵሎም ድጋፍን ምጽንናዕን ክቐርቡ ከምዝሓተቱ ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ታሪኽ ማህደር የረጋግጾም።

ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ኪደት ኣገዳስነት ዳግማይ ሕንጸት ስደተይናን ተመዛባልን ኵነቱ ይቕየር፡ ካብተን ብኵናት ዝዓነዋ ከተማታት ዝተመዛበለ ዘይኰነስ፡ ኣባላት ስድራ ቤቱ ዝሰኣነ፡ ወላዲ ዝተሰወኦን ብዙሓት ናብ ሰሜን ኣመሪካ ኰነ ናብ ደቡብ ኣመሪካ ተሰዲዱ፡ ፒዮስ መበል 12 ኣብ ወርሒ ነሓሰ 1952 ዓ.ም. ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዛዕባ ስደተይናታት መሰረት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ተባሂሉ ዝግለጽ ሓዋርያዊ ቀዋም፥ Exul Familia-ስደት ኣባይቲ ስድራ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ዝጥቀስ ኰይኑ፡ ዮሓንስ መበል 23 ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመት ሓዋርያዊ ቅዋም ስደት ኣባይቲ ስድራ፥

ብዘይ ድላዩ ካብ ቦታ ናብ  ቦታ ንኽንቀሳቐስ ዝተገደ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝጠልቦ መንፈሳዊ ድጋፍ ቅድመይ ዝነበሩ ፒዮስ መበል 12 ብምድርን ብባሕርን ንዝስደዱ ዜጋታት ኣብቲ እዋን ብዝለዓለ ጥበብ ፖለቲካ ድዩ ውሉደ ክህነት ኣብ ጐድኒ ስደተይና ንምዃን ዘተባብዔ ጥራሕ ዘይኰነ ንኣኡ ናብ ምድላይ ከብል ደሪኾም እዮም፡ ነቲ ስደተይና ንኸተናድይ ናብኡ ምኻድ፡

ዕለት 5 ነሓሰ 1962 ዓ.ም. ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣቢሉ ሉኪኖ ቪስኮንቲ እተሰምየ ናይ ፊልም ደራስን ቀራጽን ካብ ደቡብ ኢጣሊያ ናብ ሰሜን ኢጣሊያ ዝስደዱ ስደተይናታት ውሽጢ ሃገር ታሪኽ ዘዘንተው ዝደረስዎ ፊልም ሓደ ናይቲ ታሪኽ ምዕራፍ እዩ።

ጳውሎስ ሻድሻይ ንእዋናዊ ክስተት ምዕባለ ዓቢይ ቆላሕታ ብምግባር ስደትን ጸኣትን ድላይ ጥራሕ ዘይኰነ በስገዳድ ዘጋጥም ምዃኑ ብምትንታን ነቲ ዮሓንስ መበል 23 ዝበልዎ ሓሳብ የቃልሑ፡ ዕለት 24 ሕዳር 1963 ዓ.ም. ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን፡

ናይ ሕዝብታት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምንቅስቓስ፡ ብእዋናዊ ተበጽሖ ምዕባለታት ብሓጺር እዋን ዝፍጸም ኰይኑ፡ ብመራኸቢ ብዙሃን ዝመሓላለፍ ኰይኑ ኣብ ቤት ኵሉ ክኣትው ከምዝጀመረን፡ ናብቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ናብ ዝስደዱ ዝቐርብ ሰብኣውን መንፈሳውን ድጋፍ ክልለይን፡ ስደት ዝፈጥረሎም ሰብኣውን መንፍሳውን ስቓይን ቑስልን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስደተይና ዝተፈላለዩ ኣስተንፍሶታት ዘበግስ እውን ክኸውን ዝኽእል ምዃኑ ፍሉጥ እዩ፡ እቲ ሓደን እወታውን ኣስተንፍሶ ቅሳነትን ሰላምን ዘለዎ መነባብሮ ምንዳይ ዝብል ምዃኑ ንምጥቃስ ይከኣል፡ ….

ኣብ ሰማንያታት ክስተት ስደትይናታት ዕውሉም ኰይኑ ድሕሪ ዕንወት መንደቕ በርሊን ዝበለጸ መነባብሮ ንምንዳይ ካብ ምብራቕ ናብ ምዕራብ ውሕዘት ተበራተዐ፡ እዞም ናብ ምዕራብ ዓለም ዝውሕዙ ስደተይናታት ኣብ ዘይ ሃገርካን ባህልኻን ቋንቋኻን ምርኻብ ከሕድረሎም ዝኽእል ጋሻውነት ግምት ብምሃብ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 26 ጥቅምቲ 1989 ዓ.ም. ኣብቲ እዋን ብዘቐሙዎ ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘካየዶ ዓመታዊ ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤ፥

ካብቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እትርከበለን ሃገራት ዝስደዱ ካቶሊካውያን ኣብ ገዛእ ርእሶም ዝተሓድጉ ኰይኖም ከይስምዖም፡ ንኣኣቶም ብትኽክል ዝኣመተ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምቕራብ የድሊ፡ ነፍሲ ወከፍ ናይ ከባቢ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይዚ መደብ ተዋሳኢት ክትከውን ይግባእ፡  … እቲ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንዝተነጸሉ ዝቐርብ ናብ ምዃን ሓደጋ ከየብል ካቶሊካዊ  እምነትን ክነብረሉ ዘኽእሎም ዕድል ምፍጣር። … ጭቡጥ ግብረ ሕንጸት መንግስቲ ኣምላኽ ዘስምዕ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ።

ኣብ ሳልሳይ ሺሓዊ፡ ኣብ ምስፋሕ ዓውሎማነት ስደተይና ገጻቱ ቅይር ይብል፡ መንግስታትን ሃገራትን ብሔራውን ዓለም ለኻውን ፖለቲካ ዝትንክፍን ተጽእኖ ፈጣሪ ናብ ምዃን ኣበለ፡ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሻድሻይ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም፥

ጸኣት ስደተይናታት ከም ታሪኽ ሰብኣዊ ፍጥረት ጥንታዊ እዩ፡ ይዅን ደኣ እምበር ከምቲ ሎሚ በጺሑሉ ዘሎ ዓቢይ ደረጃን ፍልዩ ቆላሕታን ክወሃቦ ኣይተራእየን፡ ዛዕባ ስደተይናታትን ተመዛበልትን መላእ ዓለም ዝምልከት ኰይኑ እዩ፡ ሕይወትካ ንኸተመሓይሽ ጥራሕ ዘይኰነ ናይ ምንባር መሰልካ እውን ውሑስ መታን ክኸውን፡ ስደት ኣብ መንጐ ድኻታትን ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ዘሎ ፍልልይ መምዘኒ እውን እዩ፡ ዓለም ሓቆፍ ቅልውላው ኤኮኖምን ቁጠባን ስእነት ስራሕ ክሰፍሕን ካብኡ ሓሊፉ እውን እቲ ዝሰርሕ እውን ‘ድኻ ሰራሕተይና’ ናብ ምዃን ደሪኹን ዝዀነ ይኹን ዓይነት ስራሕ ብዘይ ናይ ሰራሕተይና መሰልን ክብርን ተቐጺርካ ንዕለታ ምንባር ኣብ ዝብል ኩነት ተቐይድካ ንምባር ሕራይ ንኽበሃል እውን ደሪኹ እዩ፡ ምስ እዚ ተተሓሒዙ እውን እቲ ዝስደድ እውን ናይዚ ኩነት ብዝያዳ ግዳይ ይኸውን፡ … ስደት ዝነበረን ዘሎን ደረጃ ምኽንያቱ ይቀያየር። ኣብ ዘእንግዳ ሃገራትን ኣብ ልዕሊ ተኣንጋዲ ዘለዎ ጽልዋ ሕብራዊ እዩ

ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ቃለ ምዕዳን ክምዝለገሱ ይዝከር።

ስደተይናታት ኣብ ስልጣናዊ ትምህርቲ ኣርእሰተ ሊቃነ ጳጳሳት
06 July 2019, 17:41