ድለ

ቅድስቲ መንበር፡ ብስእነት መግብን ክንክን ጥዕናን ናይ ዝሳቐይ ገዓር ጸማም ዘይምዃን ቅድስቲ መንበር፡ ብስእነት መግብን ክንክን ጥዕናን ናይ ዝሳቐይ ገዓር ጸማም ዘይምዃን 

ቅድስቲ መንበር፡ ብስእነት መግብን ክንክን ጥዕናን ናይ ዝሳቐይ ገዓር ጸማም ዘይምዃን

ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ነቲ ናይ ሰላም ዘተ ዝድግፍ እምበር ዝትክእ ክኸውን ከምዘይብሉ ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ ገሊጾም፡ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ንመጻኢ ሰላማዊ ጉርብትና ናብ ናይ ሰላም ዘተ ክምለሳ

ብዛዕባ ናይ ሶሪያ ሰብኣዊ ቅልውላው ቅዱስ ኣቦና ዘለዎም ጥልቒ ሻቕሎትን ናይታ ሃገርን ሕዝብን ህልው ኩነታት ናብ ሰላም ከብል ብዘይምቁራጽ ዘቕርብዎ ጻውዕቲ ኣብ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ በርናርዲቶ ኣውዛ ኣብቲ ኒው ዮርክ ኣብ ዝርከብ ናይቲ ውድብ ዋና ሕንጻ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ከምዘቃልሕዎን ኣብ መንጐ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ናይ ሰላም ዘተ ክብገስን ብዛዕባ ህልው ኩነታት የመን መፍትሒ ክርከቦ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ባርባራ ዶኒኒ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ሶሪያን የመንን ብሓፈሻኡ ህልው ኩነታት ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝድህስስ ኣብ ሕቡራት መግስታት ዓለም ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ በርናርዲቶ ኣውዛ ዕለት 23 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ነቲ ናይቲ ከባቢ ህልው ኩነታት እናሓሰቡ፡ ናይ ዘተን ምክብባርን ምቅብባልን ባህሊ ፖለቲካውን ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ጸገማት ካብ ምፍታሕ ሓሊፉ ምህዳራዊ ቅልውላው ንምውጋድ ንዝግበ ጻዕሪ ኣበርክቶ ዘለዎን ንናይ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ መሰረት እውን እዩ ከምዝበሉ ዶኒኒ ሓቢረን።

እስራኤልን ፍልስጥኤምን፥ ናብ ናይ ሰላም ዘተ ዳግም ክምለሳ

ሰብኣዊ ሓገዝ ኣገዳስን ንናይ ሰላም ዘተ እውን ድጋፍ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ነቲ ናይ ሰላም ዘተ ዝትክእ ኣይኰነን ቢሎም ነቲ ኣብ ጋዛን ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስን ዘሎ እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጽ ጠቒሶም፥ ኣብ መንጐ ፍልስጥኤምን እስራኤልን ናይ ሰላም ዘተ ዳግም ክብገስ ከምዘለዎ ዝገለጽዎ ሓሳብ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ከይዲ ሰላም ኣወሃሃዲ ኒኮላይ ምላደኖቭ እውን ከምዘስመሩሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዶኒኒ ኣስዒበ፡ ኣብ መንጐ ፍልስጥኤምን እስራኤልን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ሕድ ሕዳዊ ዘይምትእምማን ነቲ ዘሎ ዓመጽ ዘብእስ ከምዝዀነን ግልጽን ክፉትን ዝዀነ ናይ ሰላም ዘተ ዳግም ንምንቕቓሕ ወሳኒ እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሰብኣዊ ሓገዝን ናይ ስራሕ ዕድል ንፍልስኤማውያን ተመዛበልቲ ንምፍጣር ዝዓዪ ማሕበር ንዘሳልጦ ናይ ሰብኣዊ መደባት ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ዘቕርቦ ናይ መዋዕለ ንዋይ ድጋፍ ክብ ከብልን እዚ ዅሉ ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ነቲ ናይ ሰላም ዘተ ዝድግፍ እምበር ዝትክእ ክኸውን ከምዘይብሉ ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ ገሊጾም፡ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ንመጻኢ ሰላማዊ ጉርብትና ናብ ናይ ሰላም ዘተ ክምለሳ ወሳኒ እዩ ከምዝበሉ ዶኒኒ ሓቢረን።

ሶሪያ፥ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክኽበር

ኣብቲ ምርግጋእ ዘይብሉ ከባቢ ናይ ሰብኣዊ ጉዳይ ኣዚዩ ናብ ዝኸፍኤ ኣርከን የብል ከምዘሎ፡  ኩነታት ሶሪያ ዝሕብሮ ዘሎ ሓቂ እዩ፡ ስለዚህ ኣብ ቅድሚ ናይቲ ሕዝቢ ገዓር ስእነት መግብን ክንክን ጥዕናን ጸማም ምዃን ከዘይግባእ ቅዱስ ኣቦና ናብ ርእሰ ብሔር ኣሳድ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ተወኪሶም ዘተሓሳሰቡ ብፁዕነቶም ኣስዒቦም፡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝበልዎ ናይ ኢድሊብ ሰላማዊ ሕዝቢ ኣጓኒፍዎ ዘሎ ሓደገይና ኵነትን ካብ መጥቃዕቲ ደብዳባት ክናገፍ ሰብኣዊ መሰልን ክብር ክኽበረሉን ሓለዋ ክረክብ ዘቕረብዎ ጻውዒት ብምቅላሕ፡ ቅዱስ ኣቦናን ቅድስቲ መንበርን ህልው ኩነታት ሶሪያ ኣዚዩ ከምዘተሓሳስቦምን እውን ከምዝገለጹ ዶኒኒ የመልክታ።

የመን፡ ንግድ ኣጽዋር ውግእ

ብፁዕ ኣቡነ እውዛ፡ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ኣብ የመን ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ስእነት መግብን ክንክን ትዕናን ኣብ ዘሰክፍ ደረጃ ከምዝበጽሔን ኣብ የመን ካብ 2014 ዓ.ም. ሕድ ሕዳዊ ግጭት ብጋሴ ንነጀው ልዕሊ 20 ሚሊዮን ዝግመት ሕዝቢ ብስእነት መግቢ ከምእተጠቕዔ ጸብጻብ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግቢ መደብ ማሕበር ጠቒሶም ብምዝኽኻር፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዕለት 15 ሓምለ ዝጸደቐ ውሳኔ 2481፥ ኣብ የመን ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ምርጫ ዘተባብዕን ንግድን ቀረብን ኣጽዋር ውግእ ምእጋድ ዝብል  ዝተበጽሔ ስምምዕ ዝምስገን እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ሃገራት ምስ እዚ ውሳኔ እዚ ዝሳነይ ተግባር ዝስዕባ ክዀና ይግባእ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ንኽረጋገጽን ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ዝካየድ ጻዕሪ ውሑስ ንምግባር ብዙሕ ክጸዓር ትርእይ በንጻሩ ናብቲ ከናቢ ንግድ ኣጽዋር ውግእ ይካየድ፡ እዚ ተጋራጫዊ ዓይነት ኪደት ክውገድ ኣለዎ እንክብሉ ሃገራት ምስቲ ውሳኤ ዝሳነይ ኣካይዳ ክህልወን ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዶኒኒ ይሕብራ።

ሰላማዊ መፍትሒ ኣብ ከባቢ ፋርስ

ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ንዒራቕ እናሓሰቡ እቲ ገዛእ ርእሱ እስላማዊ ሃገር ቢሉ ዝሰመየ ዘውረዶ ሰብኣውን ንዋታውን ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ቅልውላውን ኣብ ልዕሉ ውሑዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ሰስዓቦ ስቓይን መከራን ንምብዳህ  ዝተበገሰ ናይ ዕርቅን ዳግማይ ሕንጸትን መደብ ክተባባዕን ክቕጽልን ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ኣብ ወሽመጥ ፋርስ ዝረይ ዘሎ ውጥረትን ናይ ቃላት ምስሕሓብን ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ከይበጽሕን ናብ ውግእን ዓመጽን ከይቕየር ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ብዓንተዉ ሰላማዊ መፍትሒ ኣብ ምንዳይ ኣበርቲዑ ክዓዪ ሓደራ ቢሎም ከምዘጠቓለሉ ዶኒኒ ገሊጸን።

ቅድስቲ መንበር፡ ብስእነት መግብን ክንክን ጥዕናን ናይ ዝሳቐይ ገዓር ጸማም ዘይምዃን

 

25 July 2019, 17:37