ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ብሩኒ ሓላፍነቶም ብወግዒ ጀሚሮም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ብሩኒ ሓላፍነቶም ብወግዒ ጀሚሮም 

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ብሩኒ ሓላፍነቶም ብወግዒ ጀሚሮም

እዚ ሓላፍነ’ዚ ኣገልግሎት ንቕዱስ ኣቦናን ንቅድስቲ መንበርን እዩ፡ ብምሉእ ዓቕመይን ክእለተይና ስንድውናን ንምግልጋል

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንግዚያዊ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተን ሓላፊ ኰይኖም ንዘገልገሉ ኣለሳንድሮ ጂሶቶ ካብ ዕለት 22 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ጀሚሮም ንኽትክእዎም ዕለት 18 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ማተዮ ብሩኒ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ቢሎም ከምዝሰመይዎም ዝዝከር ኰይኑ፡ ብሩኒ ዕለት 22 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ንናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሰራሕተይናታትን ጋዜጠይናታትን ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካን ጋዜጠይናታት ሰላምታኦም ብምቕራብ ሓላፍነቶም ብወግዒ ጀሚሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ማተዮ ብሩኒ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ኣብቲ ንዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ዘገልገልኩሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተም ቤት ጽሕፈት፡ ዋና ሓላፊ ኰይነ ነኸገልግል ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተወሃበኒ ሓላፍነት ሎሚ ዕለት 22 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ብወግዒ እጅምር፡ እዚ ሓላፍነ’ዚ ኣገልግሎት ንቕዱስ ኣቦናን ንቅድስቲ መንበርን እዩ፡ ብምሉእ ዓቕመይን ክእለተይና ስንድውናን ንምግልጋል ቢሎም፡ ኣስዒቦም ነቶም ቅድሚኦም ብግዚያዊ ዋና ሓላፍነትን ብምሉእ ተወፋይነትን ለጋስነትን ጥበብን ንዘገልገሉ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ፡ መሳርሕተይን ዓርከይን ቢሎም ብምግላጽ ብልቢ አምስግን ኢሎም።

እቲ ዝተወሃቦም ሓልፍነት ዓቢይ ጥንቃቔ ዝሓትት ኣገልግሎት ምዃኑ ገሊጾም፡ ኣብዚ ኣገልግሎ’ዚ ናይ መላእ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ዝሓበርዎምን ብዙሕ ተመክሮ ዘለዎም ብናይ ስራሕ ልምዲ ናይ ዝሃብተሙ ሰራሕተይናታትን ጋዜጠይናታትን ድጋፍ ከምዘይፍለዮም ርግጸይና ምዃኖም ገሊጾም፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዘንበሩሎም ኣመኔታ ኣመስጊኖም፡ ኣብዚ ሓድሽ ናይ ኣገልግሎት ሓላፍነቶም’ዚ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ፓውሎ ሩፊኒ ድጋፍ ከምዘፍለዮም ርግጸይና እየ ኢሎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብሩኒ፥ ዕለት 23 ሕዳር 1976 ዓ.ም. ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተወልዱን ብቋንቋን ስነድርሰትን ታሪኽ ስነ ጽሑፍ ናይ ወጻኢ ሃገራትን ሮማ ኣብ ዝርከብ ላ ሳፒየንዛ መንበረ ጥበብ ሊቕነት ዘመስከሩን፡ ካብ 2009 ዓ.ም. ጀሚሮም ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካን ጋዜጠይናታት ኣብ ቅድስቲ መንበር ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ኰይኖም ምግልጋል ከምዝጀመሩን፡ ካብቶም ቅዱስ ኣቦና ካብ ኢጣሊያ ወጻኢ ኣብ ዘካይድዎ ሓዋፍያዊ መገሻ ዘሰንይ ጉጅለ ኣባል ከምዝነበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመልክት።

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ብሩኒ ሓላፍነቶም ብወግዒ ጀሚሮም
23 July 2019, 16:33