መዓልቲ ማያት ባሕሪ፥ ር.ሊ.ጳ.፡ ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ናይ ዝመሓደሩ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክኽበር መዓልቲ ማያት ባሕሪ፥ ር.ሊ.ጳ.፡ ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ናይ ዝመሓደሩ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክኽበር 

መዓልቲ ማያት ባሕሪ፥ ር.ሊ.ጳ.፡ ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ናይ ዝመሓደሩ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክኽበር

ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ማያት ባሕሪ ኣብ ዝተፈላለያ ሰበኻታትን ብፍላይ ኣብተን ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ኣብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን

ዕለት 14 ሓምለ መዓልቲ ማያት ባሕሪ ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊጳ. ፍራንቸስኮ፡ ምእንቲ ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ዝመሓደሩ ክጽልዩ እንከለዉ፡ ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ንምሕደራ ማያት ባሕርን ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ንዝናበሩ ዜጋት ዝሓልይ ናይ መመሓደሪ ሕጊ መንግስታት ሃገራት ከርቕቑን ኣብ ግብሪ ከውዕሉን ጻውዒት ከምዘቕረቡን፡ ዕለት 29 መስከረም 2020 ዓ.ም. ኣብ ስኮዚያ ከተማ ግላስጐው ብምኽንያ ብሃቲ ማያት ባሕሪ ተመሓደርትን ዝሓልዮ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብጋሴ መበል 100 ዓመት  በዓልን መበል 25 ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኰዀበ ባሕርን ክካየድ ከምእተወሰነ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ቸቺሊያ ሰፒያ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 14 ሓምለ ዓለም ሓቆፍ ማያት ባሕሪ ኣብ ዝበዓለሉ ዕለት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዛሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም ዕለት 14 ሓምለ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ሎሚ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ማያት ባሕሪ ኣብ ዝዝከረሉ ዕለት፡ ኣብዛ ማያት ባሕርን ብማያት ባሕሪ ሃብቲ ዝመሓዳደሩን እትውክል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ፡ ነቶም ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ዝመሓደሩን ኣባይቲ ስድራኦምን እጽልይ፡ ሰብኣዊ መሰሎምን ክብሮምን ክሕለው ዝግበር ጻዕሩ ኩሉ አበራትዕ ከምዝበሉ ዘዘኻኸራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ሰፒያ ኣስዒበን፡ ብዘይ ፍርሕን ምድሕሓርን ብሓባር ንናይ ሓባር ጥቕምን ንሕንጸት ሓድሽ ሰብኣውነት ንዕየይ ይብሉ፡ ሰብኣዊ ክብሪ ዘኽብር መኽሰብ ጥራሕ ዘይብል ወይ ምሕርቲ ጥራሕ ዘየገድሶ ኤኮኖሚ ንምቛም ብሓባር ንኽንዓይን ናይ ሰብኣዊ ሰናይነትን ከምኡ እውን ናይ ሓባር ጥቕምን ንናይ ትካላት ሰናይ ኪደት ተተሓሒዞም ክኸዱ መታን ኣበርቲዒና ንኽንዓዪ ደጋጊሞም ጻውዒት ከምዘቕረቡ እውን ኣዘኻኺረን፡

ንናይ ኵሉ ሰብኣዊ ሕይወት ዝኣመተ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕዮ

ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ማያት ባሕሪ ኣብ ዝተፈላለያ ሰበኻታትን ብፍላይ ኣብተን ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ኣብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተፈላለዩ መንፈሳውን ባህላውን መደባት ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብዘቕረቦ ጻውዒት መሰረት ኣብ ማያት ባሕርን ሃብቲ ማያት ባሕርን ብሃብቲ ማያት ዝመሓደሩ ክፍሊ ሕብረተሰብን ዘማእከሉ መደባት ከምእተኻየደ ኣውን ገሊጸን፡ እቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ምእመናን ምእንቲ እቶም ብሚሊዮናት ዝቑጸር ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ዝመሓደሩ ክፍሊ ሕብረተሰብ ክጽልይ ጻውዒት የቕርቡ፡ ብዙሓት ባሕረይናታት ኣብቶ ዘጸምዎም ዕን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝበጽሑን ማእለያ ዘይብሉ ብድሆታት ዘጋጥሞም ንነዊሕ ግዜን መዓልትታትን ካብ ሃገሮምን ኣባይቲ ስድራኦምን ተፈልዮም ንኽጸንሑ ዝግደዱን ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ ብሕትው ሕይወት ዘጥቅዖምን እዚ ኵሉ ኣብ ጥዕናኦም ብዙሕ ጸቕጢ ዘለዎ ከምዝዀነን፡ ሓደጋ ጉዕዞ ባሕሪ እውን ምስ ዘጋጥሞም ኣብ ጽንኵር ኵነት ዝርከቡ ከምዝዀኑን፡ ኣብዚ ኵሉ ኵነት’ዚ ናይ ኩሉ ጸሎትን ቅርበትን ከማኡ እውን ናይ መንግስታትን ናይ ማያት ባሕሪ ጉዳይ ዝሓልይ ስልጣን ድጋፍ ከይፍለዮም ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ኣብ መልእኽቶም ገሊጾም፡

ምክልኻልን ሓልዮትን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን

ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ኣብቶም ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ዝመሓደሩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ወጅሂ ክርስቶስ ክልለን፡ ቋንቋኡ ፍቕሪ ዝዀነ ክርስቲያናዊ ልሳን ኣብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ምንጻልን ሕራጐቶን ክህልወናን ዘቕርብዎ ጻዋዒት ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ኣብ መልእኽቶም ጠቒሶም፡ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብን ዓለም ሓቆፍ ውድባትን ጉዳይ ሃብቲ ማያት ዝምልከቶም ስልጣናት ኵሎም፡ ብሃብቲ ማያት ዝመሓደሩ ክፍሊ ሕብረተሰብን ባሕረይናታትን ኵሎም ሰብኣዊ መሰሎምን ክብሮምን ክኽበረሎም ኣባርቲዖም ክዓዩ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ቤተ ክርስቲያን ብእተቕርቦ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገልግሎት ኣቢላ ቀረባኦም ምዃና አረጋግጽ ከምዝበሉ ሰፒያ ሓቢረን።

ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ብጋሴ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ንዝመሓደሩ

ኣብ መወዳእታ ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ናይ መላእ ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽርን ኣብ ወደባት ባሕሪ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ዘቕርቡ ካህናትን ብዛዕባ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ንዝመሓደሩ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዘቕርቡ ካህናትን ብዛዕባ ማያት ባሕርን ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ዝመሓደሩን ዝሓልይ ንናይ ዝተፈላለዩ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ድርገትን ብምኽንያት ብጋሴ ሓዋርያዊ ግብረ ኖውሎ ብማያት ባሕሪ ንዝመሓደሩ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ኣብ ስኮዚያ ከተማ ግላስግው ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኮዀበ ባሕሪ እተሰምየ ብሃብቲ ማያት ንዝመሓደሩ  ዘማእከለ መበል 25 ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ካብ ዕለት 29 መስከረም ክሳብ ዕለት 4 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ክካየድ ምዃኑ ከምዝሓበሩ ሰፒያ ገሊጸን፡ ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ፡ ናይ መንግስታት ወከልትን ዓለም ሓቆፍ ዝተፈላለያ ዛዕባ ማያት ባሕሪ ዝግደሳ ውድባትን ወለንተይናታትን ናይ ሃብቲ ማያት ባሕሪ ኢንዳስትሪ ሓለፍትን ናይ ከባቢ ብሃብቲ ማያት ዝመሓደር ክፍሊ ሕብረተሰብ ቆሞሳትን ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ልኡካንን ንኽሳተፉ ዓዲሞም፡ እቲ ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ኰዀበ ባሕሪ ሓዋርያዊ ግብረ ኖውሎ ምኽንያት ዝካይድ ዓውደ ጉባኤ ናይ ዝሓለፈ ሓደ ዘመን ተዘክሮታትን ኣብ ዝሓለፈ ሚእቲ ዓመት ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብሃብቲ ማያት ንዝመሓደሩ ክፍሊ ሕብረተሰብ ምኽንያት ምስጋና ንእግዚኣብሔር ዝቐርበሉን ቀጻሊ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝሕንጸጸሉን ኣብ ከባቢ ዝተፈጠር ለውጥን ኣብዚ ለውጢ’ዚ ብሃብቲ ማያት ንዝመሓደሩ ዜጋታትን ኣባይቲ ስድራን ዘጋጥም ብድሆታትን ዘቕርቦ ሕቶን መልሲ ንምሃብ ዝፍትን ዓውደ ጉባኤ ምዃኑ ኣብ መልእኽቶም ከምዝሓበሩ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ሰፒያ ገሊጸን።

ሰንበት መዓልቲ ማያት ባሕሪ
15 July 2019, 18:07