ድለ

ትምህርተ ክርስቶ ብምስማዐ ርእየት፥ እዋናዊ ቋንቋ ዝዛረብ

ትምህርተ ሃይማኖትን (ቃለ እምነት)፡ ብዕሎት ምስጢረ ክርስትናን፡ ሕይወት ኣብ ክርስቶስን ጸሎት ኣብ ሕይወት ክርስትናን ዝብል ኣብ 46 ምዕራፋት ዝቖመን ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ናይ ሰላሳ ደቒቕ ንውሓት ዘለዎ ብጠቕላላ ናይ 25 ሰዓት ናይ ምስማዐ ርእየት ትምህርት ክርስቶስ

ዕለት 13 ሰነ 2019 ዓ.ም. ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ናይ ስነ ቀረጻ ፊልሚ ሕንጻ ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሪኖ ፍዚከላ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ እዋናዊ ቋንቋን ብእዋናዊ ቋንቋን ሓደስቲ ናይ ዕደ ጥበብ ምዕባለ መጋበርያ ብምጥቃም ዘቕርብ ብምስማዐ ርእየት ዝተሰነየ ትምህርተ ክርስቶስ ብወግዒ ከምዘላለዩ ክዝከር እንከሎ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናብ ናይ እዋንና ናብቲ ጸለለል ዝበዝሖን ድንጉርን ህዉጽን ስጉልን ኣቃልቦኡ ዘዘምበለን ሰብን ቋንቋን ክውንነትን ልቢ ንምብጻሕ ቃላትን ምስልን ድምጽን ሕብርን ብምጥቃም ትምህርተ ክርስቶስ ምቕራብ፡ እዚ መደብ’ዚ እዋናዊ ኩነት ሰብን ዓለምን ብዕምቆት ብምንባብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣበው ትምህርትን ትምህርተ ክርስቶስን ብምስማዐ ርእየት ኣገባብ ብምቕራብ እዋናዊ ሰብ ናይ እምነትን ናይ ክርስትናን ጽባቔ ከስተውዕል ዝድግፍ እዩ። እዚ ዝተቐርጸ ናይ ምስማዐ ርእየት ትምህርተ ክርስቶስ፡ ትምህርተ ሃይማኖትን (ቃለ እምነት)፡ ብዕሎት ምስጢረ ክርስትናን፡ ሕይወት ኣብ ክርስቶስን ጸሎት ኣብ ሕይወት ክርስትናን ዝብል ኣብ 46 ምዕራፋት ዝቖመን ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ናይ ሰላሳ ደቒቕ ንውሓት ዘለዎ ብጠቕላላ ናይ 25 ሰዓት ናይ ምስማዐ ርእየት ትምህርት ክርስቶስ ክኸውን እንከሎ፡ ንዓይነ ስውራን እውን ብምስማዐ መጽሓፍ ተቐሪጹ ከምዝቐረበ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ፓውሎ ሩፊኒ ሓቢሮም።

እቲ ናይ ምስማዐ ርእየት ትምህርተ ክርስቶስ ብወግዒ ንምቕራብ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ ናይ ኣባ ማተዮ ሪቺ ዘዘንትው ታሪኽ ዝቐረጹ ናይ ፊልም ቀራጺ ግጆን ኮልንድረስካይ፥ ምስማዐ ርእየት እምነት ኣብ ምትሕልላፍን እቲ ዘሎና ታሪኽ ክርስትና ብናይ ስነ ፊልም ቋንቋ ምቕራብ ብሰባት ተዘክሮ እግዚኣብሔር ምዝንታው ቀሊል እውን ኣይኹን ናብ ታሪኽ ክርስትናን እምነት ክርስትናን ንኽትኣትው ዝገብር እዩ ክብሉ እንከለዉ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊን ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤት ማሕተም ዋና ኣሰናዳኢ ሓው ጁሊዮ ቸሳረዮ እውን ከምእተሳተፉ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ትምህርተ ክርስቶ ብምስማዐ ርእየት፥ እዋናዊ ቋንቋ ዝዛረብ
26 June 2019, 17:12