እዋን ዘፍጥረት፥ ሓደ ወርሒ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ጸሎትን ተግባርን እዋን ዘፍጥረት፥ ሓደ ወርሒ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ጸሎትን ተግባርን 

እዋን ዘፍጥረት፥ ሓደ ወርሒ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ጸሎትን ተግባርን

ኣብቲ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ጳጳሳዊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘሰናደዎ መደብ ዓለም ሓቆፍ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ሓልዮ ምህዳርን ቤተ ክርስቲያናዊ መረብታዊ መላእ ኣማዛናዊ ከባብን ሓቢሮምን እቲ መደብ ብኹሉን ኣብ ኩሉን ተበጻሒ ክኸውን ዝተፈላለዩ ምንቅስቓሳት የነቓቕሑ

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ናይ ሓባር ቤትና ንምክልኻልን ንምዕቃብን ጸጋታት ንምምዕባልን ዝብል ዕላማ ዘለዎ ዓለም ሓቆፍ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዘዋስእ እዋን ዘፍጥረ ብዝብል መርሕ ቃል ንሓደ ወርሒ ናይ ጸሎትን ተግባርን መደብ ጐስጓስ ክምዘሓጸጸን ካብ ብዙሓት ሰበኻታት እወታዊ መልሲ ይረክብ ከምዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኵላትና ኣብ መዓልቲ ዘፍጥረት ንሳተፍ እዚ እቲ ናይ ኩለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓልይ ጳጳሳዊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዘቕረቦ ሓሳብ ናብ መላእ ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ከምዘመሓላለፎን፡ እዚ ዕድመ እዚ መላእ ጓሶት ነዚ ዓለም ሓቆፍ ናይ መላእ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ውህደት ጸሎትን ተግባርን ብዝተፈላለየ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ጸሎትን ተግባርን ምእመና ንኸሳተፉን ኩሉ ሰብ ጽቡቕ ድላይ ኣብዚ መደብ እዚ ክሓብር ከነቓቕሑ እውን ሓደራ ይብል።

ሕይወት ምብዓልን ፍጥረት ምክልኻልን

ኣብቲ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ጳጳሳዊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘሰናደዎ መደብ ዓለም ሓቆፍ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ሓልዮ ምህዳርን ቤተ ክርስቲያናዊ መረብታዊ መላእ ኣማዛናዊ ከባብን ሓቢሮምን እቲ መደብ ብኹሉን ኣብ ኩሉን ተበጻሒ ክኸውን ዝተፈላለዩ ምንቅስቓሳት የነቓቕሑ ከምዘለዉ ክፍለጥ እንከሎ፡ እዚ ብመደብ ጸሎትን ኣስተንትኖ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባንን ከባቢ ናይ ምጽራይ ጓስጓሳትን ዝተሰነየ ኰይኑ፡ ዛዕባ ናይ ከባቢ ዓየርን ምህዳርን ጉዳይ ዝምልከት ህልው ፖለቲካ ኣብ ምኽባንር ምክልኻልን ፍጥረትን ተፈጥሮን ዘተኰረ ክኸውን ዝጸውዕ እውን እዩ። ብሓጺሩ እታ ይሴባሕ ብዝብል ኣርእስቲ ቅዱስ ኣቦና ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ ንምትግባርን ንምንባርን ዘተባብዕ እዩ።

እዚ መደብ’ዚ ብመላእ ሰበኻታት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ተቐባልነት ረኺቡን መሳለጢ መርሓ ግብርታት ኣብ ምስንዳው ሰፊሕ ምንቅስቓስ ይግበር ከምዘሎን፡ ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያንን ዓለም ሓቆፍ ሉተራናዊ ፈደራልን ዓለም ሓቆፍ ቃል ኪዳን ወጌላውያን ኣቢያተ ክርስቲያንን ብሓባር ኣብቲ መደብ ከምዝሳተፋ ከፍልጣ እንከለዋ፡ ናይዚ መደብ ናይ ገዛእ ርእሱ SeasonofCreation.org/it  ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ መርበብ ሓበሬታ እውን ከምእተደረሰ ይሕበር።

መረብታዊ ሕይወት፥ ብዝሓ-ሕይወት ኣብ ከቢድ ሓደጋ

መረብታዊ ሕይወት ዝብል ቃል ኣብ መንጐ ዘፍጥረት ዘሎ ርክብን ተሞራዃስነትን ዘነጽር ክኸውን እንከሎ፡ ብዝሓ-ሕይወት ንምልኻል ዝብል ሓሳብ መሰረት ዘለዎ እውን እዩ፡ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ከምዝሕብሮ፡ ኣብ እንነብረሉ ዓለም ካብ ዘለዉ ሕይወታውያን ፍጥረት ብዙሓት ንሓደጋ ካብ ምቅላዕ ዓሊፎም ናብ ምጽናት ገጾም የብሉ ከምዘለዉ ክፍለጥ እንከሎ፡ እዚ ምጽናት ናይ ገለ ገለ ሕይወታውያን ዘፍጥረት ኣብ ምህዳራዊ ከይድን ስርዓትን ምዝባዕ ዝፈጥር ምዃኑ ርጉጽ እዩ፡ እቲ ቅዱስ ኣቦና ዝጸውዕዎ ናይ መላእ ሃገራት ከባቢ ኣማዞን ሲኖዶስ፡ ብዛዕብ እዚ ጉዳይዚ ዝዝትይን ብፍላይ ኣብ ኩለንትናዊ ምህዳር ዝመክር፡ ፍጥረትን ተፈጥሮን ንምክልኻል ዘተባብዕ እዩ። ኣብ ምህዳርን ኣብ ኣማዞንን ኣብ ፍጥረትን ዘሎ ኣሰር ወጅሂ እግዚኣብሔር ንምፍቃር ዘነቓቕሕ ዓቢይ መደብ ምዃኑ ይንገር።

ኵላትና ክፍለ ኣካል ተፈጥሮ ኢና

እቲ ናይ ኩለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ላዕለዋይ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ዘውጸኦ መደብ ዝትንትን ዘመሓላለፎ መልእኽቲ መሰረት ብምግባር ናይቲ ጳጳሳዊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ብሩኖ ማሪየ ዱፈ ዕለት 18 ሰነ 2019 ዓ.ም. ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ይሴባህ ዓዋዲ መልእክቶም፡ ንሕና ሰብኣዊ ፍጥረት ተፈጥሮን ካባና ዝተነጸለ ገርና ንርእዮን ወይ ከም ሓደ ናይ ሕይወትና መቓን ገይርና ንሓስቦ፡ እዚ ዓቢይ ጌጋ እዩ፡ ንሕና እውን ኣብ ፍጥረት ጽምቡራት ኢና፡ ኣካል ፍጥረትን ኣብኡ ስሩጻት ኢና ዝበልዎ ሓሳብ ጠቒሶም እቲ መደብ ነዚ ሓሳብ ቅዱስ ኣቦና ዘቃልሕን ዘተሓሳስብን እዩ ቢሎም፡ በነዲክቶስ መበል16 ምስ ናይ ቦልዛኖን ብረሳኖነንን ኣባላት ውሉደ ክህነት ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፡ እግዚኣብሔር ንተፈጥሮ ኣመሓድሩ ክብል እንከሎ፡ ጊልያ ግበርዎ ንምባል ዘይኰነስ ዓቅብዋን ህያባታ ኣማዕብሉን እዩ ዝብል እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ እውን ዝንበሮ መደብ ምዃኑ ይገልጹ።

ክርስቲያን ዘፍጥረት ክከላኸልን ክከናኸንን ጽዉዕ እዩ

እቲ እዋን ዘፍጥረት፡ ሓደ ወርሒ ዓለም ሓቆፍ መደብ ጸሎትን ተግባርን ዝብል ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ዝሓልይ ጳጳሳዊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ቱርክሶን ዋና ጸሓፊኦም ብፁዕ ኣቡነ ዱፈ ክታም ዝተነብሮ ናብ መላእ ሰበኻታትን ጳጳሳትን ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕላዋይ መንፈሳዊ መራሒ ብፁዕ ኣቡነ ጁስቲን ወልባይን ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማውን ክታሞም ዘንበሩሉ ከምዝዀነ ክፍለጥ እንከሎ፡ ናይ ካቶሊክ ዓለም ሓቆፍ ምንቅስቓሕ ሓልዮ ምህዳር ዋና ኣመሓዳሪ ቶማስ ኢንሱዋ ኣውን ብወገኖም እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ምንቅስቓስ ነቲ መደብ እዋን ዘፍጥረት ዝድግፍ ጥራሕ ዘይኰነ ሓደ ካብቶም እቲ መደብ ክካይድ ሓሳብ ዘቕረቡ ምዃኑ ይገልጹ።

እዋን ዘፍጥረት፥ ሓደ ወርሒ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ጸሎትን ተግባርን
19 June 2019, 15:39