ብፁዕ ኣቡነ ኣረላኖ፡ ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ሕርሻን ድጋፍ ንተቐማጦ ገጠራትን ብፁዕ ኣቡነ ኣረላኖ፡ ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ሕርሻን ድጋፍ ንተቐማጦ ገጠራትን 

ብፁዕ ኣቡነ ኣረላኖ፡ ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ሕርሻን ድጋፍ ንተቐማጦ ገጠራትን

ቅድስቲ መንበር፡ ውጽኢታዊ ዝዀነ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ጠለባት ግምት ዝህብ ድጋፍ ምንቕቓሕ ኣድላዪ ምዃኑ ትሕብር፡ ስለዚህ ንናይ ጸኣት ስደተይና ሽግራት ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ከይድን ጥምየትን ስእነት መግቢ ኣብ ምብዳህ ናይ ሕርሻ ኤኮኖሚ ዘለዎ ግደ ዓቢይ ምዃኑ

ኣብ ናይ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ መግብን ሕርሻን ሓልዮ ማሕበር ጸኣት ስደተይናታን ሕርሻን ምዕባለ ገጠራትን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣማእኪሉ ኣብ ዘካየዶ መበል 41 ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡካን መሪሖም ዝተሳአፉ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፈርናንዶ ኪካ ኣረላኖ፥ ኣባይቲ ስድራ ኣብ ሕርሻ ናይ ባህላውያን ፍልጠት ዓቃብያን ምዃኖምን ደቀንስትዮ ኣብዚ መዳይ መተካእታ ዘይብሉ ግደ ከምዘለወን ዝብል ሓሳብ ዘስመረ መደረ ኣስሚዖም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሰባት ከማና ይዅን ደኣ እምበር ካብ ድኽነትን ዓመጽን ኣሳዶን በቲ ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ናይ ተፈጥሮ ጸገማትን ተደሪዀም ዝስደዱን ብሓቂ ዓቢይ ማሕበራዊ ቃንዛን ምሬትን ምዃኑ ዝገለጹ ብፁዕ ኣቡነ ፈርናንዶ ኪካ ኣረላኖ፡ ስደት ካብ ተስፋ ምቑራጽን ቀቢጸ ተስፋን ዝብገስ እዩ፡ እቲ ብውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝተሓንጸጸ ክሳብ 2030 ዓ.ም. ተበጻሒ ዝብል መደብ ልምዓት ብፍላይ ካብ ዓለም ስእነት መግብን ጥምየትን ምውጋድ ዝብል መደብ ተበጻሒ ናይ ምዃን ዘለዎ ርግጸይናነት እናረሓቐን፡ ኣብ ዓለም ብስእነት መግብን ጥምየትን ዝሳቐዩ ብዝሒ ክብ ይብል ምህላውን ጠቒሶም፡ እዚ ንገዛእ ርእሱ ሓደ ናይ ጸኣት ስደተይናታት ምኽንያት ምዃኑ ይሕብሩ።

ናይ ቅድስቲ መንበር ምላሽ

ቅድስቲ መንበር፡ ውጽኢታዊ ዝዀነ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ጠለባት ግምት ዝህብ ድጋፍ ምንቕቓሕ ኣድላዪ ምዃኑ ትሕብር፡ ስለዚህ ንናይ ጸኣት ስደተይና ሽግራት ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ከይድን ጥምየትን ስእነት መግቢ ኣብ ምብዳህ ናይ ሕርሻ ኤኮኖሚ ዘለዎ ግደ ዓቢይ ምዃኑ ተመላኽት፡ ምእንቲ’ዚ ብቑዕ ጽፍሕታት ንምኽዋንን ሓደስቲ ዕደ ጥበባውያን መጋበርያታት ኣብ ናይ ሕርሻ ኤኮኖሚ ምልላይን ምጥቃም ንምድጋፍ ተቐባልነት ንዘለዎ መደብ ልምዓት ሃብቲ ገንዘብ ምስላዕን ዘለዎ ኣገዳስነት ተተሓሳስብ።

ኣብ ድኻታት ሃገራት ምዕባለ ጸኣት ስደተ ኣይገትእን

ናይ ቅድስቲ መንበር  ወኪል ነቲ ዓለም ሓቆፍ ውዕሊ ንውሑስ ስደት ዝብል ሰነድ ጠቒሶም፡ ማሕበረሰብን ውልቀ ሰብን ኣብ ገዛእ ሃገሩ መሰሉን ክብሩን ውሑስ ኰይኑሉን ጸጥታን ሰላምን ዘረጋጸሉ ኩነት ምፍጣር ከምዘድልን ኣመላኺቶም፡ ካብተን ምዕባለን ወርሓዊ እቶት ናይ ውሑዳት ካብ ዝመሓየሸለን ዘለዋ ሃገራት ዝነቕሉ ስደተይናታት፡ ናይቲ ብማእከላይ እቶት ዝመሓደር ዜጋ መነባብሮ ዘይተመሓየሸ ምዃኑ የረጋግጽ፡ ስለዚህ ምዕሩይ ኤኮኖኖሚ ምዕባለ ንዅሉ ኣባል ሕብረተሰብ ዝሽፍን ክኸውን ኣለዎ ምስ በሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጠቒሶም፥ ምእንጋድን ምክልኻልን ምውሃድን  ነቶም ብሩህ መጻእን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክኽበረሎም ንዝስደዱ ኢሎም።

ኣዋጅ ሕጹጽ ኩነት ዘይኰነ፡ ናይ ጸገማት ኣናስር ምልላይ የድሊ

ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝረአይ ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ጸኣት ስደተይናታት ብሑጹጽ ኣዋጅ ዘይኰነ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍንቸስኮ ኣብ 2015 ዓ.ም.፥ ሕጹጽ እዋጅ ነቲ ንስደት ዝዳርግን ናይ ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ምኽንያት ኵሉ ካብ ሱሩ ንምምሓው ዝድግፍ መደብ ዘሳዅዔ ክኸውን ኣለዎ ቢሎም ዘቕረብዎ ምዕዳን ምትግባር ከምዘድሊ ዘተሓሳሰቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ኣስዒቦም፡ ስደተይናታት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ናይ ሕርሻ ኤኮኖሚ ዝህብዎ ዘለዉ ኣስተዋጽኦ ኩሉ ዝርአይ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ኣብ ናይ ሕርሻ ኤኮኖሚ ብዘይ ሕጊ ብምውፋር ኣብ ልዕሌኦም ዝፍጸም ምዝመዛ መሰሎምን ክብሮን ዝጐድእን ንናይ ሃገር ኤኰኖሚ እውን ዝሃስይን ዘይሕጋዊ ውህለላ ሃብቲ ገንዘብን ዝውውር ምኽንያት ይኸውን ኣሎ ኢሎም።

ምዕባለ ገጠራዊ ከባብን ስራሕ ንመንእሰያት

ብፁዕ ኣቡነ ኪካ ኣረላኖ፡ ብዙሓት ዜጋታት ኣብ ውሽጢ ሃገራቶም ካብ ከባቢ ገጠራት ናብ ከተማታት ክውሕዝ ይረኣይ፡ እዚ እቲ ኣብተን ሃገራት ንዘሎ ዘይምዕሩይ ከይዲ ምዕባለ ዘቃልዕን መእሰይ ከከም ከባቢኡን ኣብ ከባቢኡን ምስቲ ናይ ከባቢኡን ጠለባት ስራሕን ህልው ኩነትን ዘዋሳእ መደብ ሕንጸትን ክረክብ ከምዘለዎ ዝሕብር እዩ፡ እንተዘይኰይኑ ኣብ ገጣራት ኣብ ድኽነት ደሓር እውን ናብ ከተማታት እንተሰደ ኣብ ዝኸፍኤ ድኽነት እዩ ዝተርፍ፡ ኣብ ገጠራት ናይ መግቢ  ውሕስነት ንምርግጋጽ ዝድግፍ መደብ ልምዓት ገጠራት ምትግባር የድሊ፡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ፍራንቸስኮ ዝብልዎ፡ ኣብ ሕርሻ ዕድል ስራሕ ንመንእሰያት ምፍጣርን፡ እዚ ንገዛእ ርእሱ ነቲ ንመንእሰይ ወለዶ ዘጥቅዕ ዘሎ ስእነት ስራሕ ንምብዳህ ይሕግዝ፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ንናይ ብዙሓት ሃገራት ናይ ሕርሻ ኤኮኖሚ ሓድሽ ሓይሊ ይህብ ቢሎም ዝገለጽዎ ሓሳብ ተወኪሶም፡ ኣብ ኤኮኖምን ሕርሻን ትውሳኤ መንእሰያት ዝድግፍ መደብ ምትብባዕ የድሊ፡ ከምቲ ጥንታዊ ባሕሊ ደቀባት፡ ማሕበረሰብን ኣባላቱን ኣብ ንሓድ ሕዱ ምትሕስሳብ ክተግህ ምድጋፍን መበቆሉ ክዝክር ከምዘለዎም፡ ሓይሊ ኣብ ሱር እዩ፡ ናይ ሓደ ዕንባባ ወይ ኦም ሓይሊ ኣብ ሱሩ እዩ፡ ምስ በሉ፡ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ማሕበር ናይ ገጠራት ኤኮኖምን ተቐማጦ ገጠራት ኣባይቲ ስድራ ዝድግፍ መደብ ኣብ ምትብባዕ ክተግህ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ኣብ ስነ ምግባር ዝጸንዔ ኤኮኖምን ሕብረተሰብን ተቐባልነት ዘለዎ ሰብኣውነት ዘማእከለ ምዕባለ ንምርግጋጽን መሰረት እዩ እንክብሉ ዘስምዕዎ ዘረባ ዛዚሞም።

ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ሕርሻን ድጋፍ ንተቐማጦ ገጠራትን
27 June 2019, 17:23